ዝኽሪ ስዉእ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ ኣብ ከሰላ
2024-09-30 19:09:34 Written by ብመሓመድ ኢድሪስ ዓብደላ Published in المقالات العربية Read 273 timesብ27 መስከረም 2024 ንዝኽሪ መስዋእቲ ተጋዳላይ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዝተዳለወ መደብ ኣብ ሱዳን (ከሰላ) ተኻይዱ። ስዉእ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ ብ24 ነሓሰ 2024 ኣብ ግብጺ ተሰዊኡ ኣብ ከተማ ካይሮ ድማ ተቐቢሩ። ኣብ’ዚ ዝኽሪ’ዚ ኣብ ሰዳን ዝነብሩ ቤተሰቡ፡ ኣባላት ሰዲህኤ፡ ኣባላት ካልኦት ኤርትራውያን ውድባትን ፈለጥቱን ተኻፊሎም ውዒሎም።
እቲ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩምን መፍትሒ ቃል ኣኼባን ብኣቶ ጀማል መሓመድ ዑመር ክንበብ እንከሎ፥ ቃል ሰዲህኤ ብትግርኛ ብኣቶ ዑስማን ፈይሳል፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤን ብዓረብኛ ከኣ ብኣቶ ባብክር መሓመድ ሓምድ ኢዩ ተነቢቡ። ብድሕር’ዚ፡
1. ተጋዳላይ ሓሰን ኢማን 2. ተጋዳላይ ዓሊ ሁመድ ዲናይ 3. መምህር እልፉ ተኽለሃይማኖት ዳይረክተር ቤት ትምህርቲ ስደተኛታትን ወኪል ማሕበር ኣካለ-ስንኩላን ኣብ ሱዳንን በብተራ ንስዉእ ኣርትዓ ዝምልከት ቃል ኣስሚዖም።
እዞም ዝስዕቡ ተጋደልቲ በብተራ ኣብ ዝተዛረብሉ ዝኽርታቶም ብዛዕባ ክብርታት፡ ብቕዓትን ዝምድናታቶም ምስ ስዉእ መሓመድ ኣደም ኣርትዓ ኣመልኪቶም መግለጺታት ድሕሪ ንቤተሰቡን መቃልስቱን ናይ ጽንዓት መልእኽትታቶም ኣመሓላሊፎም።
ጸጥታዊ ኩነታት ሱዳን ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብሰንኪ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ለበዳ ኮለራን ረስኒ መዓንጣን ብፍላይ ድማ ኣብ ከሰላ ጽንኩር ምዃኑ ዝፍለጥ ኢዩ።