ህዝብና ንወጽዓን ባርነትን፡ ሓንጐፋይ ኣይብልን’ዩ

ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ታሪኽ ወጽዓን ቃልሲ ኣንጻር ወጽዓን እዩ። ህዝብና ኣብ ታሪኹ፡ ዓቕሚ፡ ውደባን ንቕሓትን እንተዘይሓጺርዎ፡ ንናይ ኩሎም ተኸታተልቲ ገዛእቱ ወጽዓን ባርነትን ሓንጐፋይ ኢሉ ዝረዓመሉ ተመኩሮ የብሉን። ህዝቢ ኤርትራ ተመኩሮ ቃልሱ ከም ዝምስከሮ፡ ንወጽዓ ሓንጐፋይ ኢልካ ዘይምቕባል ጥራይ ዘይኮነ፣ ዋላ’ኳ ዓቕሙ ምስ ናይቶም ወጻዕቱን መሻርኽቶምን ዘይመጣጠን እንተነበረ፡ ኣንጻር ወጽዓ ተቓሊሱን ኣብቲ መስርሕ ቃልሲ ክቡር ዋጋ ከፊሉን ወጽዓን ባርነትን ዝሰዓረ ሕቡን ህዝቢ እዩ።

ሎሚ እውን “ብኣይ፡ መሰለይ ዘረጋግጸለይ ስርዓት ክሳብ ዝትከል ቃልሰይ ቀጻሊ እዩ” ብዝብል ኒሕን ሓቦን ዝቃለስ ዘሎ ምዑት ህዝቢ እምበር፡ ንወጽዓን ባርነትን “ኣሜን” ኢሉ ዝቕበል ህዝቢ ከም ዘይኮነ፡ ናይ ርሑቕን ቀረባን ተዓዘብቲ፡ እንተላይ ጉጅለ ህግዲፍ ዝፈልጥዎ ንድሕሪት ዘይምለስ ሓቂ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ፡ ጉጅለ ህግዲፍ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ሰጊኡ ሰማይ ደጊፉ ዝሓድር ዘሎ። ናይ ዲክታቶር ኢሳያስ መንጠቢኡ ጠፊእዎን ኣብቲ ንቡር ቤት-መንግስቲ ምስፋር ስኢኑን፡ ከም ሓራስ ድሙ ባጽዕ፡ ዓዲ ሃሎን ዳህላክን ሎሚ ድማ ኣብ እምባ ገደም ምስዋር ከኣ ናይ ስግኣቱ ምልክት እዩ። እቲ ሓቂ እዚ ክንሱ ነቲ ኤርትራዊ ኣብ ዓድን ወጻእን ኣንጻር ወጽዓን ባርነትን ዘካይዶ ዘሎ  መሪር ቃልሲ ጓስዮም ህዝቢ ኤርትራ ንወጽዓ ሓንጐፋይ ኢሉ ከም ዝረዓመ ገይሮም ከቕርብዎ ዝፍትኑ ኣካላት ክትዕዘብ እንከለኻ ዘገርም እዩ።

ኤርትራዊ ኣቶ ረዘነ ሃብተ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን “ደም የተከፈለበት ባርነት/ ደም ዝተኸፍሎ ባርነት” ዘርእስታ 206 ገጻት ዘለዋ መጽሓፍ፡ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ደሪሱ ኣሎ። ኣብታ መጽሓፍ ኣስፊርዎ ዘሎ፡ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘራኽስን ንኤርትራዊ ሃገርነት ዘይቅበልን ተጠዓሲ ትሕዝቶን ነታ መጽሓፍ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ምጽሓፉን፡ ነብሱ ዝኸኣለ ካብ ሓደ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዝተሳተፈ ኤርትራዊ ዘይትጽበዮ፡ ኣገራሚ ጉዳይ እዩ።  ንህልዊ ዝምድና ጉጅለ ህግዲፍን ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ዝምልከት ኣብዛ መጽሓፉ ዘስፈሮ ከኣ ኣዝዩ የገርም። ኣብዛ መጽሓፉ ብፍላይ ኣብ ገጻት 109ን 110ን ብዘይሕፍረት “እንደ የኤርትራ ህዝብ፡ በተለይ ትግርኛ ተናጋሪው፡ በራሱ ነጻ ፍላጎትና ምርጫ፡ በባርነት ለመኖር የወሰነ ህዝብ በሌላ ዓለም ይኖራል ብየ መገመት ኣልችልም፡……. እርስበእርሱ እየተጋጨ የሚኖርና ባርነትን በፈቃዱ የተቀበለ፡ ህዝብ መሆኑን ግን እኔም ብሆን ልደብቀው ያልቻልኩ ያፈጠጠ ሃቅ ነው/ ከም ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ እቲ ትግርኛ ዝዛረብ፡ ብናቱ ናጻ ድሌትን ምርጫን ኣብ ባርነት ክነብር ዝወሰነ፡ ኣብ ካልእ ዓለም ይህሉ ኢለ ክግመት ኣይክእልን፡…… ኣብ ሕድሕዱ እንዳተጋጨወ ዝነብርን ባርነት ብፈቓዱ ዝተቐበለን ህዝቢ ምዃኑ ግና ኣነ እውን ክሓብኦ ዘይከኣልኩ ዓይኑ ዘፍጠጠ  ሓቂ እዩ”  ብዝብል መስደመም ሕጫጨ ኣስፊሩ ኣሎ።

ጨቋኒ እንተልዩ ተጨቋኒ ኣሎ። ከምቲ እቲ ጨቋኒ ዕድመ ጭቆናኡ ከናውሕ፡ ኩሉ ዝከኣሎ ኣእማን ዝፍንቅል እቲ ተጨቋኒ ከኣ ኣርዑት ጭቆና ክሰብር ምቅላሱ ውሁብ እዩ። እቲ ኣብ መወዳእታ ዝሰዓር ከኣ ጭቆና እዩ። ብፍላይ እቲ ምረት ጭቆናን ክብደት ባርነትን ዝፈልጥን ኣንጻር ጭቆና ተቓሊስካ ከም እትዕወት ብተግባር ዘርኣየን ህዝቢ ኤርትራ “ንባርነት ብፈቓዱ ዝተቐበለ” ክበሃል መስመሩ ዝሰሓተ ኣመዛዝና እዩ። ገለ ውሑዳት ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ መመሊሶም እንዳወሓዱ ዝኸዱ ዘለዉ፡ ብዝተፈላለየ ግዝያዊ ረብሓታት ተሳዒሮም ንህግዲፍ ዝንእዱን “ኣንታ ንበረልና” ዝብሉን፡ ቅድሚ ክብሪ ሃገሮምን ህዝቦምን ግዝያዊ ውልቃዊ ረብሓ ዘቐድሙ ኤርትራውያን ይህልዉ። እዚኣቶም ግና ንህዝቢ ኤርትራ ዘይውክሉ “ካብ ስርናይ ክርዳድ” እዮም።  ኣብዚ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ብውሽጥን ብደገን፡ ብናይ ቃልሲ ቋንቋ ኣንጻር ህግዲፍ ዝተረዳድኣሉ ሃለዋት፡ ህግዲፍ ባዕሉ እውን “ህዝቢ ኤርትራ ሕንጐፋይ ኢሉ እዩ ዝግዘኣለይ ዘሎ” ዝብል፡ ካብ ኣፉ ከወጽእ ኣይክእልን እዩ። ናይቶም ኣሸሓት ሃገሮም ገዲፎም ናብ ስደት ዝውሕዙ ዘለዉ ኤርትራውን መንእሰያት ውሳነ እውን ህዝቢ ኤርትራ “ሕራይ ንወጽዓን ባርነትን” ከም ዘይበለ ካብ ዘመላኽቱ ተረኽቦታት ሓደ እዩ።

“ህዝቢ ኤርትራሲ ስለምንታይ እዩ እዚ ኩሉ እንዳበደሎ ንህግዲፍ ተዓጊስዎ?” ዝብል ሕቶ ዝኾነ ሓላፍ መንገዲ ዘልዕሎ ዘሎ እዩ። ከም ናይዚ ሕቶዚ  መልሲ “ህዝቢ ኤርትራ ብናቱ ናጻ ድሌትን ምርጫን ኣብ ባርነት ክነብር ዝወሰነ ስለ ዝኾነ እዩ” ኢሉ ዝቐበል ኣካል፡ ኣይኮነንዶ ካብ ኤርትራዊ ካብ ዘይኤርትራዊ እውን ክርከብ ኢልካ እትጽበዮ ኣይኮነን። ምናልባት ንናይ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ህግዲፍ ቀልጢፍካ ዘይምዕዋት፡ ካልእ ምኽንያታት ይቐርብ ይኸውን። እምበርከ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ወጽዓን ባርነትን ህግዲፍዶ ይቃለስ የለን እዩ። እቲ ናይ ቃልስን ዓወትን ድምጺ ካብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ምናልባት  ምስቲ  ኣብ ወጻኢ ዘሎ በሪኽ ድምጺ ቃልሲ ኣወዳዲርካ፡ ክንድቲ ዝድለ ኣይስማዕን ይኸውን። እቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ብኹሉ ኩርነዓት ዝቃላሕ ዘሎን ንህግዲፍ ፈጥፈጥ ዘብሎ ዘሎን ድምጺ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢኸ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ቃልሲ ድምጺ ኣይኮነን ማለት ድዩ።