ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብ11 ሰነ 2022 ዝመዘዛ ኣሰናዳኢት ሽማግለ 4ይ ጉባአ ሰዲህኤ ብ9 ሓምለ 2022 ኣብ ዘካየደቶ ኣኼባ ንኡሳን ሽማግለታት ኣቚማ፡ ነፍሲ-ወከፍ ኣባል ናብተን ዝቆማ ንኡሳን ኣካላት ከፋፊላ፡ ዝመርሑወን ከኣ መሪጻ። እተን ዘቖመተን ንኡሳን ሽማግለታት፡ ክፍሊ ምድላው ናብ ጉባአ ዝቐርብ ንድፊ ሰነዳት፡ ክፍሊ ገንዘብን ቀረብን፡ ክፍሊ ምድላው ናብ ጉባአ ዝሳተፍቲ ኣባላትን ክፍሊ ዜናን እየን።
ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣብ ኣኼባኣ ናይ ዝሓለፈ ኣኼባ ቃለ-ጉባአ ተመያይጣ ኣብ ርእሲ ምጽዳቓ፡ ኣብ ርእሲ እቶም ብማእከላይ ባይቶ ዝተመዘዙ 13 ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ንኡስ ሽማግለ ተመዲቦም ብዛዕባ ዝሰርሑ ተወሰኽቲ ኣባላት ሰልፊ እውን ተመያይጣ።
እዛ ሽማግለ፡ ኣቐዲማ ብ26 ሰነ 2022 ኣብ ዘካየደቶ በኹሪ ኣኼባ፡ ብጾት ኣድያም ተፈራ ኣደመንበር፡ ደስበለ ካሕሳይ ምክትልን ኪዳነ በርሀ ጸሓፍን ኮይኖም ክመርሑ ምምራጻ ዝዝከር እዩ።
ጉባአታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብመሰረት ቅዋሙ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 4ተ ዓመት ዝካየድ ኮይኑ፡ 4ይ ጉባአ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2023 ክካየድ ተመዲቡ ኣሎ።
ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ዶ/ር ዳንኤል በቀለ ብ8 ሓምለ 2022፡ ኣብ ዙርያ ዓመታዊ (2021-2022) ምንቅስቓስ ኮሚሽኖም መግለጺ ሂቦም። ኣብዚ መግለጺኦም ኣብ ትግራይ ዝነበረ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኮሚሽኖም ከም ዝተዓጽወ ጠቒሶም።
ቅድሚ ሕጂ ናብ ኢትዮጵያ ከይኣቱ ብመንግስቲ ተኸልኪሉ ዝነበረ፡ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ከጻሪ ዝቖመ ዓለም ለኻዊ ኮሚሽን ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኣቱን፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ፡ ክተሓባበሮ ቅሩብ ከምዘሎን ገሊጾም። ቅድሚ ሕጂ እውን ኮሚሽን ሰብኣዊ ኢትዮጵያ ምስ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ብሓባር ኣፈናዊ ምጽራይ ኣካይዶም ከም ዝነበሩ ኣብዚ መግለጺኦም ጠቒሶም።
እቶም ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ከም ዝገለጽዎ፡ እዚ ናይ ሕቡራት ሃገራት ፍሉይ ኮሚሽን ኣብዚ እዋንዚ ብቐጥታ ናብ ምጽራይ ክኣትው ዘይኮነ፡ ኣቐዲሙ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ተራኺቡ መጻኢ ስራሑ ከመይ ከም ዘካይድ ኩነታት ከጣጥሕ እዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ምጽናት (genocide) ተኻይዱዶ ኣይተኻየደን ኣዛራቢ ዛዕባ ኮይኑ ስለ ዘሎ፡ እቶም ኮሚሽነር፡ ኣብዚ ጉዳይዚ ንምድምዳም ተወሳኺ ምጽራይን መርመራን ከም ዘድሊ ጠቒሶም። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ምንባር ኣጸጋሚ ምዃኑ ግና ኣይሓብኡን። ኣብ ርእሲዚ፡ ብጉልባብ “ምኽባር ሕጊ”፡ ዜጋታት ንዝተናወሐ ግዜ ብዘይኣፍልጦ ቤት ፍርዲ ምእሳር፡ ዜጋታት ኣብ ዘይፍሉጥ ቦታ ሓቢእካ ምስቓይ፡ ከምኡ ከኣ ብቤት ፍርዲ ዝተወሰነ መሰል ብዋሕስ ካብ ማእሰርቲ ምውጻእ ዘይምኽባር ይረአ ከም ዘሎ ኣብቲ መግለጺኦም ኣስፊሮም። ሓሓሊፉ ይረአ ንዘሎ ሕጋውን ኣውንታውን መስርሕ ናይ ምኽታል ስጉምቲታት ከኣ ኣመስጊኖም።
እቲ ዝቐረበ መግለጺ ሰፊሕ ኮይኑ፡ “ብህይወት ናይ ምንባር መሰል፡ ኢሰብኣውነትን ዘዋርድን ኣተሓሕዛ እሱር፡ ብዘይ ሕጊ ምእሳርን ምጭዋይን፡ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት፡ መሰል እሱራት ምግሃስን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉ ሰባትን” ኣብ ዝብሉ ንኡሳን ክፍልታት ዝርዝር መብርሂ ሂቦም።
ኢትዮጵያ ናታ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ዘለዋ ክትከው እንከላ፡ ኣብዚ እዋንዚ ዓለም ለኻዊ ኣጻራይን መርማርን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ክትቅበል’ውን ተሰማሚዓ ኣላ።
ኣብ ኤርትራ ዘቤታዊ ንሰብኣዊ መሰል ዝምልከት ኣካል ኣብ ርእሲ ዘይምህላዉ፡ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዙ ኮሚሽነር ኣትዮም ክዕዘቡ እውን ኣይፍቀደሎም እዩ።
ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ኣብ ፓርላማ ተሰሚዑ፡ ንኤርትራውያን ግዱሳት ትምህርቲ ተዋሂቡ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብዚ ሰሙን ዝተወሰኑ ኤርትራውያን ግዱሳት ብዛዕባቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ሃይማኖታዊ ግህሰት ኣብ ቅድሚ ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝግደስ ጉጅለ ፓርላማ ዓብይ ብሪታንያ ምስክርነቶም ከም ዝሃቡ ማእከል ዜና ኤርትራ (ERITREA HUB) ሓቢሩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ብዘይካቲ ብረንዳን ኦ ሃራ ዝበሃሉ ኣባል ፓርላማ ዝምራሕ ዝግዱስ ጉጅለ፡ ካለኦት ብዛዕባ ዓለም ለኸ ናጽነት ሃይማኖትን ምክልኻል ጽንተትን ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ዝግደሱ ኣባላት ፓርላማ ከም ዝተስተፉ እውን እቲ ዜና ሓቢሩ።
ካብቶም ኣብቲ መድረኽ መግለጺ ዝሃቡ ኤርትራውያን ግዱሳት፡ ሄለን ብርሃነ ዝተባህለት ኣባል ቤተክርስትያን ኢቫንጀሊካን ብምዃና ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኤርትራ ዝተሳቐየት ሓንቲ እያ። ንሳ ኣብቲ መግለጺኣ ብሰንኪ እምነታ 32 ኣዋርሕ ተኣሲራ ከም ዝተሳቐየት ገሊጻ። ብዘይካዚ ኣቶ ዓብደራሕማን ሰይድ ኣቡሃሽም፡ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ተኸተልቲ ምስልምና ዝወርድ በደል መብርሂ ሂቡ። ዶ/ር ኣባ ኣንቶኒዮስ ሃብቱ ገብረ ዝተባህሉ ኤርትራዊ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሚሪካ ድማ ብዛዕባ ኩነታት ኦርተዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ብማሕበራዊ መራከቢ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም። መልእኽቶም ብዶ/ር ካታዛ ካብ ዓለም ለኻዊ ክርስትያናዊ ምሕዝነት ኤርትራዊት ኤልሳ ጭሩምን ከም ዝተደገፈ ከኣ እቲ ዜና ኣተሓሒዙ ሓቢሩ።
ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ለንደን ናብቲ ኣጋጣሚ ወኪል ከም ዝለኣኸን ናብቲ ጉጅለ ኣባላት ፓርላማ ደብዳበ ከም ዝለኣኸን ተፈሊጡ። እቲ ኤምባሲ ኣብቲ መልእኽቱ፡ ከምቲ ልሙድ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሃይማኖታዊ ግህሰት ክሒድዎ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ነቶም ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተሳተፉ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ዝግደሱን ዝነጥፉን ኤርትራውያን፡ ብኸመይ ከም ነትፉ ንምርዳእ ዝሕግዞም መግለጺ ብኣባላት ፓርላማ ዓብይ ብሪታንያ ከም ዝተዋህቦም ካብቲ ዜና ምርዳእ ተኻኢሉ። እቲ ኣጋጣሚ እቶም ኤርትራውያን ነቶም ትምህርቲ ዝሃቡ ኣባላት ፓርላማ ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራ ዘረድእሉ ዕድል ከም ዝኸፈተሎም’ውን ተፈሊጡ።
መራሕቲ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ናይሮቢ ተዘራሪቦም፡ ኣልቡርሃን “ስልጣን ከረክብ እየ” ኢሎም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ኣቦመንበር መሰጋገሪ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልብርሃንን ብ5 ሓምለ 2022 ኣብ ዋና ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ተራኺቦም ከም ዝተዘራረቡ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተ ኢትዮጵያ ሓቢሩ። እዞም መራሕቲ ናብ ናይሮቢ ዘምርሑ ኣብ መበል 39 ፍሉይ ኣኼባ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ንምስታፍ ክኾኑ እንከለዉ፡ በቲ ኣጋጣሚ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ምስሕሓብ ብዝምልከት ከም ዝተዘራረቡ እቲ ዜና ብተወሳኺ ጠቒሱ።
እቲ ዜና፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝበልዎ ጠቒሱ ከም ዘስፈሮ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ካብ ዝፈላልየን ዘራኽበን ስለ ዝበዝሕ ኣብዚ እዋንዚ ብጉዳይ ዶብን መስርሕ ህንጸት ዓብይ ሓጽቢ ህዳሰ ኢትዮጵያን ዘለወን ምስሕሓብ ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሑ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብቲ ናይ ናይሮቢ ርክቦም ተሰማሚዖም።
ቅድሚ ሰሙን ሓይልታት ሱዳን፡ “ሽውዓተ ወተሃደራተይ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ተቐቲሎም” ብዝብል፡ ኣብ ልዕሊቲ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳን ዘሰሃሕብ ኣል ፋሽቃን ከባቢኡን ናይ ከቢድ ብረትን ኣጋር ሰራዊትን መጥቃዕቲ ኣካይዶም ከም ዝነበሩ ዝፍለጥ እዩ። ናይቲ ኣብ ናይሮቢ ዝተጋብአ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ ኣጀንዳ፡ ብዛዕባ ሓባራዊ ጉዳያት ናይተን ኣባል ሃገራት ኮይኑ፡ ብፍላይ እናወሰኸ ክኸይድ ዝጸንሐ ምስሕሓብ ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ኣብ ኢጋድ ስኽፍታ ፈጢሩ ዘሎ ምዃኑ እቲ ዜና ጠቒሱ።
ብኻልእ ወገን ድማ፡ ኣቦመንበር መሰጋገሪ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ኣል ቡርሃን፡ ስልጣን ናብ ሲቪል ከረክቡ ቅሩብ ምዃኖም ከም ዝሓበሩ ካብ መርበብ ኣል ዓይን ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ። እቶም ጀነራል ከምዚ ዓይነት ቃል ዝኣተዉ፡ ብሰንክቲ ብፍላይ ድሕሪ ዝሓለፈ ሓዳር 2021 ዕልዋ ምክያዶም፡ መመሊሱ ዝሕይል ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ተገዲዶም እዮም። እቶም ጀነራል ኣተሓሒዞም ስልጣን ናብ ሲቪል ኣብ ናይ ምስግጋር መስርሕ ናይታ ሃገር ወተሃደራዊ ክፍሊ ከም ዝተሓባበር ቃል ኣትዮም።
ናይ ሱዳን ህዝባዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ብወገኑ፡ እዞም ጀነራል ዝሃብዎ መግለጺ፡ ብሓቂ ስልጣን ንህዝቢ ንምርካብ ዘይኮነ፡ “ግዝያዊ ምንስሓብ” ምዃኑ ይገልጹ ኣለዉ። እቶም ጀነራል ስልጣን ዘረክብሉ ግዜ ዘይምጥቃሶም ከኣ ዝያዳ ጥርጠራ ዘሕድር ምዃኑ እቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት ስግኣቶም ገሊጾም።
ባንክ ዓለም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ስደተኛታት ንዘዕቆባ ማሕበረሰባት ዝወሃብ ሓገዝ ኣጽዲቑ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤባንክ ዓለም “ንካለኣይ ገጽ ፕሮጀክት ልምዓታዊ ምላሽ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምምዝባል ንዝተጸልዉ” ወገናት ዝውዕል ናይ 180 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ከም ዘጽደቐ፡ ካብ ዋሽንግተን ሓቢሩ። እዚ ሓገዝ ንኢትዮጵያ ብዝምውሉ ዓለም ለኻዊ ናይ ልምዓት ማሕበራት ኣቢሉ ዝወሃብ ምዃኑ ከኣ ተፈሊጡ። ቀንዲ ዕላምኡ መሰረታዊ ማሕበራዊ ቀረባት ንምዝያድን ንምሕያል ምምሕዳር ስደተኛታትን ዘዕቆብዎም ማሕበረሰባትን እዩ።
ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝተዋህበ መግለጺ፡ በዚ ሓገዝ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉ ሓገዝ ዘድልዮም፡ ብደረጃ ጾታ 50% ደቂ ኣንስትዮ፡ ብደርጃ ዕድመ ድማ ሓደ ሲሶ ህጻናት ንዝኾኑ፡ 2.5 ሚልዮን ሰባት ዝጥቀም ክኸውን እዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እዚ መደብ ብ2016 ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ኡጋንዳን ጅቡትን ን5 ሚሊዮን ሰባት ከም ዝሓገዘ ተገሊጹ።
ዞባዊ ዳይረክተር ባንክ ዓለም፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ቦውተኒያ ጉርማዚ፡ እዚ ካለኣይ ገጽ ማሕበራዊ ሓገዝ፡ ዝምድና ስደተኛታትን ዘዕቆቦም ማሕበረሰብን ዘመዓራሪ ምዃኑ ገሊጸን። እተን ዳይረተር ኣተሓሒዘን፡ እቲ ዝወሃብ ሓገዝ ነቲ መንግስታት ሕቶ ስደተኛታት ንምምላስ ዝገብርዎ ጻዕሪ ካብ ግዝያውነት፡ ናብ ቀጻልን ናይ ነዊሕ ግዜ መደባት ዕቤትን ዘሰጋግር እዩ ኢለን።
እዚ መደብ ናብ ኩሎም እቶም ስደተኛታት ኣዕቊቦም ዘለዉ ጀኦግራፍያዊ ከባብታት ክሰፍሕ ጻዕሩ ከም ዝቕጽል ተሓቢሩ ኣሎ። ንምስፋሕ ኣተገባብራ ፖሊሲታት ስደተኛታት ከም ዝሕግዝ እውን ተሓቢሩ። ስደተኛታት በዚ ፕሮጀክትዚ ኣቢሎም ቀጥታዊ ተጠቀምቲ ኮይኖም፡ ድሌታቶም ምስ መደብ ከባቢያዊ ምዕባለ ንክዛመድ ዘኽእል እዩ። እቲ መደባት ብዝያዳ ናብ ቁጠባውን ማሕበራውን ዕቤትን ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ከም ዘድህብ ድማ ባንክ ዓለም ከም ዘመልከተ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብዚ እዋንዚ ኢትዮጵያ ዝበዝሑ ስደተኛታት ብዕቋብ ካብ ኣፍሪቃ 3ይ፡ ካብ ዓለም ከኣ 9ይ ደረጃ ሒዛ ዘላ ሃገር ምዃና ኣብቲ ናይ ባንክ ዓለም መግለጺ ተጠቒሱ። ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ስደተኛታት፡ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን፡ ደቡብ ሱዳናውያንን ሶማላውያንን እዮም። ጠንቂ ስደት ናይ ኩሎም ከኣ ዘይምርግጋእ ዘስዓቦ ቀጻሊ ምምዝባል እዩ።
ሰልፊ ዲሞከራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ 3ይ ጉባአኡ ንስደተኛታት ብዝምልከት ኣብ ዘቕረቦ መጸዋዕታ፡ “በጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከተን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ሃገራትን፡ ናይ ዓለም ሕግታት ኣኽቢረን፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት መሰላት ህዝቢ ዘየኽብር፡ ህዝቢ ሃገሩ ራሕሪሑ ክወጽእ ዝደፋፍእን ዜጋታቱ ምቕባል ዝሕሰምን ምምሕዳር ምዃኑ ኣሚነን፡ መሰል ኤርትራውያን ስደተኛታት ንከኽብራን ይምሕጸነን።” ከም ዝብል ዝዝከር እዩ።
ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኮሚሽነር ሙሳ ፋቂ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ካብ ወተሃደራዊ ምስፍሕፋሕ ክዕቀባን ነቲ ኣብ መንጎአን ዘሎ ዶባዊ ምስሕሓብ ብዘተ ፍታሕ ክረኽባሉን ብ29 ሰነ 2022 ጸዊዕም።
መግለጺ ሙሳ ፋቂ፡ ሓይልታት ሱዳን ንምቕታል 7 ወተሓደራቱ ተኸቲሉ፡ ብ28 ሰነ 2022 ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ስጉምቲ ምውሳዱ ጠቒሱ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ጐረባብቲ ሃገራት ወተሃደራዊ ጐንጺ ምብራኹ ከም ዘተሓሳስቦም ጠቒሶም።
እቶም ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ መበገሲኡ ዝኾነይኹን ብዘየገድስ ወተሃደራዊ ረጽሚ ጠጠው ኢሉ፡ ኣብ መንጎ እተን “ኣሕዋት” ዝበልወን ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን “ብፖሊሲ ዶብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ናብ ዘተ ክእተው እጽውዕ” ኢሎም።
ኣቐዲማ ኣብ ጉዳይ ኣል ፋሽቓ፡ ምስ ኢትዮጵያ ምዝታይ ዝነጸገት ሱዳን፡ ናይ 1902ን 1975ን ክልተ ናይ ዶብ ስምምዓት ከም ዘለዉ ኣፍሊጣ። እንተኾነ ምስቲ ኢትዮጵያ “ብዘተ ንምፍትሑ ቅርብቲ ኣለኹ” ምባላ ናይ ምሳ ፋቒ መጸዋዕታ ጸቢብ ተቐባልነት ናይ ምርካብ ዕድል ኣለዎ።
ብኻልእ ወገን ሱዳን ድሕሪ ናይቶም ሸውዓተ ካብ ወተሃደራታ ምቕታሎም፡ ነቲ ጉዳይ ንሕብረት ኣፍሪቃ ሰጊራ፡ ደገፍ ንምርካብ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወሲዳቶ ኣላ።
ሓደ ገጽ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣብየቶ
ስርዓት ኤርትራ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዳጒንዎም ዝጸንሐ መንእሰያት ናብ መደበራት ወተሃደራዊ ታዕሊም ይወስዶም ከም ዘሎ ሬድዮ ኤረና ኣብ ናይ 26 ሰነ 2022 ፈነወ ዜናኣ ሓቢራ። በቲ ዜና መሰረት ካብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣብየቶ ጥራይ፡ 500 ፍትሒ ዝጽበዩ ዝነበሩ እሱራት ከይፈተዉ ናብ መደበር ታዕሊም ተወሲዶም።
እዞም ንነዊሕ ግዜ ምስ ሕጽረት መግቢ፡ ሕክምናን ካልእ ማሕበራዊ ቀረብን ብሕሱም መግረፍትን ዝቓይን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክማስኑ ዝጸንሑ እሱራት መንእሰያት ዝተወስድዎ መደበር ታዕሊም ኣብ ኣፍዓበት ዝርከብ ምዃኑ ከኣ እቲ ሓብሬታ ኣቃሊዑ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ብሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ተመዚዞም፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ብዝከታተሉ ሱዳናዊ ኮሚሽነር፡ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ስርዓት ኤርትራ በቲ ምስ ጐረቤት ትግራይ ኣትይዎ ዘሎ ውግእ፡ ትሕቲ ዕድመ ከይተረፉ ኣገዲዱ የሰልፍ ከም ዘሎ ምጥቃሱ ዝዝከር እዩ።
ብኻልእ ወገን ድማ፡ ብሰንክቶም ቅድሚ 3 ዓመታት ንወተሃደራዊ ታዕሊም ናብ ኤርትራ ዝተወስዱ መንእሰያት ሶማሊያ፡ ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራት ዘይምርድዳእ ይፍጠር ከም ዘሎ ተገሊጹ። ጆርጅ ኣንደርሰን ዝተባህለ ጋዜጠኛን ተመራማርን ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ከም ዝጸሓፎ፡ እቲ ዘይምርድዳእ ዝተፈጥረ፡ ሓድሽ መንግስቲ ሶማሊያ ነቶም መንእሰያት ናብ ሃገሮም ክመልሶም ምስ መደበ፡ መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ክኽፈለኒ ዝግበኦ 50 ሚልዮን ዶላር ቅድም ይወሃበኒ ብዝብል፡ ጀሆ ስለ ዝሓዞም ምዃኑ እቲ ጋዜጠኛን ተመራማርን ኣቃሊዑ። ብሓፈሻ ህዝቢ ሶማሊያ፡ ብፍላይ ከኣ ኣደታት ደቀን ካብ ኤርትራ ክምለሱለን ብተኸታታሊ ክሓታ ከም ዝጸንሓ ዝፍለጥ እዩ።
ብመንጽርቲ ነቶም ሶማላውያን ዝተዋህበ ደረጃ ታዕሊም፡ ስርዓይ ህግደፍ ዝሓቲቶ ዘሎ ክፍሊት ኣዝዩ ዝተጋነነ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ።
ናብ ኢትዮጵያ ሃዲሞም ካብ ዝኣተዉ 52 ወተሃደራት ኤርትራ፡ እቶም 18 ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዘይደልዩ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ላዕለዋይ ጀነራል ስርዓት ህግደፍ ብዝተሰማመዓሉ ኣብ ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ ናብ ዝርከብ መደበር ስደተኛታት ከም ዝኣተዉ ማእከል ሓበሬታ ኤርትራ/Eritea Hub፡ ኣፍሪካን ኢንተለጀንስ ብምጥቃስ ሓቢራ።
እቲ ካብ ማእከል ሓበሬታ ኤርትራ ዝተረኽበ ዜና ከም ዝጠቐሶ፡ እቶም ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝራሕርሑ 18 ወተሃደራት ብ16 ሰነ 2022 እዮም ኣብ ዋና ከተማ ክልል ዓፋር ናብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ምምሕዳር ጉዳይ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኢትዮጵያን ተረኪቦም። ድሕሪኡ ከኣ ካብ ከተማ ሳማራ ንወገን ደቡባዊ ምብራቕ 55 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ናብ እትርከብ መደበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣስሓይታ ተወሲዶም።
በቲ ካብ ማእከል ሓበሬታ ኤርትራ ዝተረኽበ መሰረት፡ እዞም 18 ወተሃደራት ኣካል እቶም 52 ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጉንበት 2022 ኣብ ከባቢ ንኤርትራ ምስ ክልላት ትግራይን ዓፋርን ዘራኽብ ባዳ ካብ ዝዓረደ መበል 67 ክፍለ ሰራዊት ኤርትራ ዝሃደሙ እሞ፡ ኣብ ወረዳ ዳሉል ዓዲ ምሩግ ተገሊሎም ዝነበሩ እዮም። እዞም ወተሃደራት ብሰንኪ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኤርትራ፡ ንስግዳን (ሳላ) ዝምልከት ኣብ ልዕሊ ተኸተልቲ ምስልምና ወተሃደራት ዝፈጠርዎ እገዳ ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ብረቶም ከውርዱ ዝተገደዱ ምዃኖም እቲ ዜና ሓቢሩ።
እቲ ኩነታት ምስ ኣጋጠመ፡ ዓበይቲ ዓዲ ዓፋር ኤርትራ፡ እቶም ካብቲ ሰራዊት ዝወጹ ወተሃደራት ኣብ ውሳነኦም ዳግመ-ርኢቶ ገይሮም ናብ ኣርዓት ህግደፍ ንክምለሱ ክሓትዎም ተላኢኾም ከም ዝነበሩ፡ እንተኾነ ከም ዘተዓወቱ እቲ ዜና ጠቒሱ። ድሕሪ ናይቶም ዓበይቲ ዓዲ ዘይምዕዋት፡ ጀነራል ሑመድ መሓመድ ኣሕመድ ካሪካሪ ወዲ ዓፋር ኤርትራን ምስ ሓለፍቲ ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ ጽቡቕ ዝምድና ዘለዎን ተባሂሉ ናብቲ ኩነታት ተላኢኹ። እቲ ጀነራል ነቶም ዝሃደሙ ረኺቡ እቲ ንስግደት (ሶላት) ዝምልከት እገዳ ዳግመ-ርኢቶ ክግበረሉ ከም ዝከኣልን ምስ ተመለሱ ኣብ ልዕሊኦም ዝውሰድ ስጉምቲ ከምዘይህሉን ቃል ኣትይሎም። ድሕሪ እዚ ካብቶም 52 እቶም 34 ብመብጸዓ እቲ ጀነራል ከም ዝዓገቡ እቲ ዜና ኣፍሊጡ።
እቶም 18 ግና ነቲ መብጸዓ ስለ ዝነጸግዎ፡ ጀነራል ካሪካሪ እውን ብዝተሰማማዓሉ፡ ብምልሻ ክልል ዓፋር ተታሒዞም ናብ ከተማ ሰመራ ከም ዝተወስዱን፡ ካብኡ ድማ ብደረጃ ስደተኛ ናይ ምምዝጋብ መሰል ተሓልይሎም ናብ መደበር ኣስሓይታ ከም ዝተላእኩ ተፈሊጡ።
ኣቐድም ኣቢሉ፡ ውድብ ሃገራዊ ጉባአ ዓፋር ኤርትራ፡ “ሓሙሽተ ሚእቲ ደቂ ዓፋር ወታሃደራት ኤርትራ ካብ መበል 67 እገረኛ ክፍለ ሰራዊት ተፈልዮም፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘዳውብ ባዳን ዓዲ ምሩግን ብዝተባህለ ቦታ ናብ ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ ሂቦም” ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። እዞም 52 ወተሃደራትከ ኣካሎም ድዮም ኣይኮኑን ዝብል፡ እዚ ካብ ማእከል ሓበሬታ ኤርትራ ዝተረኽበ ዜና ዝጠቐሶ የለን።
More...
ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ22 ሰነ 2022 ናብ ገስጋሲ ምሕዝነት መልእኽቲ ልኢኹ። ኣብዚ ናይ ምሕዝነት መልእኽቱ እቲ ምሕዝነት ብ25 ሰነ 2022 ድሕሪ ለበዳ ቫይረስ ኮረና፡ ኣብ ከተማ ኮላሉምፖር ሃገር ማላዢያ፡ ብኣካል ተራኺቡ ክጋባእ ብምዃኑ እንኳዕ ኣሕጐሰና ኢሉ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ሰዲህኤ ምስ ኣባላት እቲ ገስጋሲ ኣካል ዘለዎ ምሕዝነትን ምትሕብባርን ቀጻሊ ምዃኑ ጠቒሱ እቲ ኮንፈረንስ ዕዉት ንክኸውን ሰናይ ትምኒቱ ገሊጹ።
ኣስዒቡ ኣብዚ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ እነፍቅሮም ኣዕሩኽ ብኣካል ዝሳተፍሉ ኣገዳሲ ኣጋጣሚ ክንሳተፍ ዘይምኽኣልና ቅር ይብለና ኢሉ። ቅድሚ ሕጂ ሰዲህኤ ካብቲ ናይ ላይብዚግ መስራቲ ጉባአ 2013 ጀሚሩ፡ ገስጋሲ ምሕዝነት ኣብ ዘዳለዎም ኮንፈረንሳት ስቲክሆልም፡ ሮተርዳም፡ ብሩሰልስን በርሊንን ብንጥፈት ብምስታፉ ተጠቃሚ ከም ዝነበረ ኣዘካኺሩ።
ሰዲህኤ እዚ ኮንፈረንስ ንሰላም፡ ዲሞክራስን ቅኑዕ ምምሕዳርን ዝለዓለ ግምት ብምሃብ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣጋጢሙ ካብ ዘሎ ናይ ሰላምን ዲሞክራስን ብድሆታት ንምውጻእ፡ ብጉዳይ ወራር ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን፡ ኩነታት ቅርኒ ኣፍሪቃን ካለኦት ኣብ ውግእ ተጸሚዱ ዘሎ ኩርነዓት ዓለምን ከም ዝዛረብ እምነቱ ምዃኑ ኣብዚ መልእኽቲ ሰፊሩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እዚ ኮንፈረንስ ናይዚ ዝተጠቕሰ ብድሆታት መፍትሕታት ንክእምት ትጽቢት ደለይቲ ሰላም ምዃኑ ብጻይ ተስፋይ ኣብዚ መልእኽቱ ጠቒሱ።
ኣብ መወዳእታ ከኣ ሰዲህኤ ኣብ ወጻኢ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ዝጭቁኖ ዘሎ ሓደገና ጉጅለ ናጻ ንምውጻእ ዝካየድ ቃልሲ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ዘወፊ ዘሎ ሰልፊ ምዃኑ ሓቢሩ። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉጅለ ኣብ ጐረባብትና ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ከይተረፈ ምምዝባላት ዘኸትሎ ዘሎ ምዃኑ’ውን ጠቒሱ። መልእኽቱ ክድምድም እንከሎ ከኣ ደጊሙ በቲ ድሕሪ ዕጽዋ ንመጀመርያ ግዜ ዝካየድ ኮንፈረንስ ገስጋሲ ምህዝነት ሕጉስ ምዃኑ ገሊጹ፡ ሓቢርካ ምስራሕና ቀጻሊ እዩ ኢሉ።
ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021 ኣብ ኡጋንዳ ዝተኻየደ ውድድር ኲዕሶ እግሪ ሃገራት ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ሴካፋ ትሕቲ 20 ዓመት ዝዕድምአን ደቂ ኣንስትዮ ትሳተፍ ካብ ዝነበረት ጋንታ ኤርትራ ከይተመልሳ ዝተረፋ ሓሙሽተ ስፖርተኛታት፡ ንህይወተን ብምስጋእ ተሓቢአን ኣብ ስዉር ቦታ ምህላወን ጋዜጣ ዘ-ጋርድያን ሓቢራ።
ብመሰረት ሓበሬታ ጋዜጣ ዘ-ጋርድያን እተን ተሰዊረን ዘለዋ ስፖርተኛታት ልዋም ሰለሞን፡ ዮርዳኖስ ኣብርሃም፡ ሻማት ፍጹም፡ ራሄል ሚኪኤልን ትርሓስ ሃብተን ዝተባህላ እየን። በቲ ሓበሪታ ናይታ ጋዜጣ መሰረት እዘን ስፖርተኛታት ክሳብ ሕጂ ኣብ ውሑስ ቦታኳ እንተሃለዋ ገና ብዘይግሉጽ እየን ዝነብራ ዘለዋ፡
ጋዜጣ ዘ-ጋርድያን ኣብ ሓበሬታኣ፣ ካብ 2009 ንደሓር ጥራይ ልዕሊ 60 ኣባላት ሃገራዉያን ጋንታታት ስፖርት ኤርትራ ብምኽንያት ዞባዉን ኣህጉራዉን ውድድራት ካብ ሃገር ምስ ወጹ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዕቑባ ከም ዝሓተቱ ተፈሊጡ። ኤርትራዉያን ስፖርተኛታት ደቀንስትዮ ብኸምዚ ኣገባብ ክሃድማ ከኣ እቲ ናይ ወርሒ ሕዳር 2021 ናይ መጀመርታ እዩ።
ቅድሚኡ ብ2019 ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሴካፋ 7 ኤርትራውያን ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ሃዲሞም ኣብታ ሃገር ዑቕባ ሓቲቶም ከም ዝነበሩ ዝዝከር እዩ።
ወሃቢ ቃል ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ብዛዕባ ጠንቂ ህድማ ናይዘን ስፖርተኛታትን ህልዊ ኰንታተንን ተሓቲቶም፡ ኣብ ጉዳይ ውልቀሰባት ርኢቶ ክህቡ ፈቓደኛ ከምዘይኮኑ ገሊጾም። ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዝተመዙ ተኸታታሊ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ግና፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽእዎ ሰፊሕ ጸብጻብ፡ ኣብ ኤርትራ ግዱድ ውትህድርና፡ ጃምላዊ ማእሰርቲ፡ ምስዋርን ምስቓይን ዝጠቓልል ግህሰታት ከም ዝካየድ ኣቃሊዖም። ኣተሓሒዞም ከኣ ደቂ 14 ዓመት ዕሸላት ከይተረፉ ናብ ዓውዲ ውግእ ክኣትዉ ከም ዝግደዱ ኣስፊሮም። እዚ ዘስካሕክሕ ኩነታት ኤርትራውያን ንክስደዱን በብዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ምስ ወጹ ናብ ሃገሮም ንከይምለሱን ምኽንያት ከም ዝኾነ ከኣ ናይቶም ኮሚሽነር ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ብዙሓት እምነት እዩ።
ቻይና ዝወደበቶን ዝመወለቶን ቀዳማይ ኮንፈረንስ ቻይናን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ብ20-21 ሰነ 2022 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተኻየደን ኤርትራ ከምዘይተሳተፈትን ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ሓቢራ። ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቻይና ዙ ቢንግ፡ ኣብዚ ኮንፈረንስ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ሃገሮም ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ጸገማት ብሽምግልና ብምፍታሕ፡ በቲ ሓደ ወገን ጽልወኣ ንምሕያልን ቁጠባዊ ወፍራ ንምዕቃብ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ሃገራት ጸጥታአን ከውሕሳን ልምዓትን ቅኑዕ ምምሕዳርን ንከሕይላን ክትሕግዝ ቅርብቲ ከም ዝኾነት ኣፍሊጦም። ኣተሓሒዞም ከኣ “ኣነ ንገዛእ ርእሰይ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዝደልየኦ ኣገባብ ሽምግልና ከዳሉ ቅሩብ እየ” ከም ዝበሉ እቲ ዜና ሓቢሩ።
እቶም ፍሉይ ልኡኽ ብምቕጻል፡ እዚ እስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ በታ ኣብዚ እዋንዚ ብሰንኪቲ ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ውግእ ኣብ ሓያል ወጥሪ ዘላ ኢትዮጵያ እዩ ዝምእከል ኢሎም። ኣብዚ ኮንፈረንስ ብደረጃ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ወይ ምክትላት ዝተሳተፋ ሃገራት፡ ሱዳን፡ ሶማሊያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኬንያ፡ ኡጋንዳን ጅቡትን ክኾና እንከለዋ ኤርትራ ግና ከምዘይተሳተፈት ዋሽንግተን ፖስት ኣብቲ ዝዘርግሓቶ ዜና ሓቢራ።
እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ኣተሓሒዙ እዛ ኣብ ውግእ ትግራይ ምስ ኢትዮጵያ ወጊና ዝጸንሐት ኤርትራ፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ቻይና ኣብ ዝበጽሕዋ ኣብዚ ኮንፈረንስ ንክትሳተፍ ተዓዲማ ከም ዝነበረት ጠቒሱ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ነዚ ብኩራት ሃገሩ ካብዚ ኮንፈረንስ ብዝምልከት ተሓቲቱ መልሲ ከምዘይሃበ እውን ኣብቲ ዜና ሰፊሩ።
ነዚ ብኩራታ ካብዚ ኮንፈረንስ ዝተዓዘቡ ወገናት፡ ጸገም ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ድዩ ወይ ምስ ቻይና? ዝብል ሕቶ የቕርቡ ኣለዉ።
ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ18ን 20ን ሰነ 2022፡ ዓስራይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣብ መኽፈቲ እቲ ኣኼባ ኣቦመንበር ፈጻሚ ሽማግለን ማእከላይ ባይቶን ሰዲህኤ፡ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ናይቲ ኣኼባ ኣጀንዳ ድሕሪ ምጽዳቕ፡ ንተሳተፍቲ ኣኼባ ሓጺር ናይ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” መእተዊ ቃል ኣስሚዑ።
ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ስሩዕ ኣኼባኡ፡ ብመጀመርያ ብዛዕባቲ ኣቐዲሙ ብሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ተዳልዩ ዝጸንሐ ንድፊ ጸብጻብ በብሓደ ድሕሪ ምምይያጥ ከም ሰልፋዊ ሰነድ ኣጽዲቑዎ። ኣብዚ ናይ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ጸብጻብ ዝዳህሰሰሉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝተራእየ ሰልፋዊ፡ ሃገራውን ከባብያውን ምዕባለታት መዚኑ። ንኣውንታታት ዝያዳ ዘሕይሉን ንሕጽረታት ዘእርሙን ውሳነታት ወሲኑ።
እቲ ኣኼባ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ እዋናውን መሰረታውን ዝያዳ ጠመተ ዘድልዮም ዛዕባታት ዓሚቕ ምይይጥ ኣካይዱ። ኣብ ምይይጡ፡ ምምስራት ሰፊሕ ጽላል ፖለቲካዊ ሓይልታት (ፖሓኤ)፡ ቅድሚት ዝስራዕ ጭረሖ ሰዲህኤ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ንምዕዋቱ ክሳብ ሕጂ ክካየድ ዝጸንሐ ቃልስን ከጋጥም ዝጸንሐ ብደሆታትን ዳህሲሱ። ምስ ኩሉ’ቲ ዝጸንሐን ዘሎን በዳሂ መስርሕ፣ ሰዲህኤ ንመጻኢ እውን ምቛም ሓባራዊ ጽላል ኣብ ሽቶኡ ንምብጻሕ፡ ቅሩብነት ምስ ዘለዎም ኣካላት ኮይኑ ቃልሱ ከም ዝቕጽል ኣነጺሩ። ምስ ዓለም ለኸ ህዝባዊ ምንቕስቕስ ይኣክልን ካለኦት ተበግሶታትን ከራኽቦ ኣብ ዝኽእል መንገዲ ሓቢርካ ንምቅላስ ግቡእ ቆላሕታ ከም ዝህቦ’ውን ካብ ዘድሃበሎም ነጥብታት እዩ።
10ይ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ክልል ትግራይን ሱዳንን ዝረአ ዘሎን ዓለም ለኻዊ መልክዕ ናይ ምሓዝ ኣንፈቱ፡ ተጽዕንኡ ኣብ ፖለቲካ ሃገርናን ብሰንኩ ዝምዕብል ዘሎ ናይ ኤርትራውያን ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይን ሓደስቲ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋን ዝምልከት ንናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮ ሰዲህኤ ኣብ ግምት ኣእትዩ ዓሚቕ ጠመተ ኣካይዱ። ኣብ መጻኢ ብሓፈሻ ብደረጃ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ፣ ብፍላይ ከኣ ብደረጃ ሰዲህኤ ክተሓዝ ዝግበኦ ኣቕጣጫን ርእዩ። ኣብቲ ዳህሳሱ ሰዲህኤ ንኣተሓሕዛ ፍልልያዊ ሓድነትን ዝምድናና ብሓፈሻ ምስ ጐረባብትና፡ ብፍላይ ከኣ ምስ ክልል ትግራይ፣ ብሓደስቲ ምዕባለታት ከይተሰናበደ፡ ብመጽር’ቲ ኣቐዲሙ ብደረጃ ጉባኤኡ ዝሓዞ ፖሊስን በብግዜኡ ብዝተፈላለዩ ትካላቱ ከነጽሮ ዝጸንሐ መርገጻትን እናተመርሐ፡ ጉዳይ ኤርትራ ዝውሰን ብህዝቢ ምዃኑ እምነት ዘማእከለ፡ ቃልሱ ከም ዝቕጽል ግቡእ ቆላሕታ ሂቡ መዚኑ። ፖሊሲታቱ ኣብ ቅድሚ ኩሎም ዝምልከቶም ናይ ምንጻርን ምስራጽን ጻዕሪ ከም ዘካይድ ድማ ኣስፊሩ።
ኣብ መወዳእታ ኣብ መጻኢ ብሓፈሻ ኣተሓሕዛኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ከመይ ክኸውን ከም ዝግበኦ ብፍላይ ምስ መሰረታት ሰልፊን፡ ህዝብን ዘራኽብ፣ ብሰንኪ ብኮቪድ 19 በዂሩ ዝጸንሔ መድረኻት ምቕጻል ከም መጻኢ መደባቱ ኣመላኺቱ። ፈጻሚ ሽማግለ፡ ኣባላትን ደገፍቲ ሰዲህኤን፣ ኩሉ ለውጢ ዝብህግ ኤርትራውን፡ ህዝብናን ሃገርናን ካብዚ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ኣትየምዎ ዘለዉ ሓሳረ-መከራ ንክወጹ፡ ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ ከይሰልከዩ ቃልሶም ንክቕጽሉ መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ።