ኣብ ኤርትራ ተሪር ምቁጽጻር ኣብ ልዕሊ ዘይመንግስታዊ ትካላት

2022-12-15 21:57:06 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 699 times

ብመሰረት ኣዋጅ 145/2005 ኣብ ኤርትራ ዝንቀሳቐሳ ውሱናት ዘይመንግስታዊ ትካላት፡ ምስ መንግስቲ ብምሽራኽ ጥራይ መደባተን ከተግባራ ከም ዝግደዳ ማእከል ሓበሬታ አርትርትራ/ ERITREANHUB ኣፍሊጣ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እተን ዘይመንግስታዊ ትካላት፡ ዝዋሰኣሉ መደባት ብመንግስቲ ተመሪጹ ዝወሃበን ጥራይ  ምዃኑ  ተገሊጹ። ኣብ ርእሲዚ መንግስቲ ኤርትራ ናጻ ናይ ምንቅስቓስ  ስለ ዘየፍቅደለን እተን ዘይመንግስታዊ ትካላት ናብ ዝኾነ ቦታ ክንቀሳቐሳ እንከለዋ፡ ናይ መንግስቲ ፈቓድ ክሓታ ግዱዳት እየን። እዚ ኣገባብ እቲ ሓገዝ ዝደሊ ህዝብን ሓገዝ ዘቕርባ ትካላትን ከም ድላዮም ከይራኸቡ ዝድርት ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ኤርትራ ዘለዉ መቆጻጸሪ ነቑጣታት፡ እቲ ዝንቀሳቐስ ኣካል ናይ ምንቅስቓስ ፈቓድ ከም ዘጻርዩን ዝርዝር መንነት ናይቲ ዝንቀሳቐስ ኣካል ዝገልጽ ሰነዳዊ ሓበሬታ ከቕርብን ዘገድዳ እየን። ኣብ ከባቢ ዓዲ ቀይሕ፡ ኣቑርደት፡ ዓረዛ፡ ባረንቱ፡ ደቀምሓረን ናቕፋን ዝኣመሰሉ ከባብታትን፡ ኣብ መንጎ ሩባታት ሰቲትን መረብን ዘሎ ቦታን ንምንቅስቓስ ሰባት ዘስግኡ ጸረ-ሰብ ነተጉቲ ከም ዘለዉዎ’ውን ካብቲ ጸብጻብ ምርዳእ ይከኣል።

ኣብ ኤርትራ ዘይማዕበለ ዝርጋሐ ቴለኮሙኒካሽን ዘኸትሎ ናይ ስልክን ኢትንተርኔትን ርክብ ውሱንነት እውን ዕንቅፋት ምዃኑ ተጠቒሱ። ኣብ ኤርትራ ናይ ሞባይል ሲም ካርድ ኣዝዩ ድሩት ምዃኑ፡ ገለ ከባብታት መንገዲ መካይን ስለ ዘየብሉ፡ ናብኡ ንምብጻሕ ኣግማልን ካለኦት መጽዓኛን ምጥቃም ግድን ምዃኑን ነቲ ተጠቃሚ ምስ ሰብኣዊ ትካላት ኣብ ምርኻብ ጸገም ከም ዝፈጥረሉን እቲ ካብ  ማእከል ሓበሬታ አሪትርትራ/ ERITREANHUB ዝተረኽበ ዜና ኣፍሊጡ።

Last modified on Thursday, 15 December 2022 23:06