ኣኼባ ኣሳናዳኢት ሽማገለ ሓባራዊ ፈስቲቫል ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ 2024
2024-05-20 21:42:18 Written by ኣሳናዳኢት ሽማገለ ፈስቲቫል Published in EPDP News Read 857 timesላዕለዋይ ኣዋሃዲት ሽማገለ ሓባራዊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2024 ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብዕለት 07.05.2024፡ ብ15 ኣባላት ዝቆመት ሓባራዊ ፈስቲቫል 2024 እተዳሉ ኣሳናዳኢት ሽማገለ መዚዙ። እዚ ታሪኻዊ ናይ ሓባር ፈስቲቫል ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማ ፍራንክፎርት ቦከንሃይመር ቫርተ ዩኒቨርሲቲ ካምፑስ (Goethe-Universität Frankfurt Bockenheimer Warte) ልሙድ ቦታ፡ ካብ 09 ክሳብ 11 ነሓሰ 2024 ብኤርትራዊ መኽሰብ ኣልቦ ማሕበር ኣብ ጀርመንን ብኣባላት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ሓባራዊ ምስንዳእ፡ ኣብ ትሕቲ ብሓድነት ንሓርነት !!! ዝብል ጭርሖ ክካየድ እዩ።
ዝተመዘዙ ኣባላት ሽማግለ ብዕለት 16.05.2024 ተራኺቦም ናይ ሌላን ነብሶም ንምስራዕን ኣፈናዊ ኣኼባ ኣካይዶም። ኣብቲ ኣኼባ ከኣ ኩሉ ፈስቲቫል ንምስንዳእ ዘድልዩ ስራሓት እንታይ ምዃኖም ኣጽዲቆም። ንስራሓት ዘማእኽሉ ኣሕዋት ብጽቡቅ መንፈስን ዉሁድ ሰናይ ተቀባልነትን መዲቦም። ኣብ ጉዳይ ኣጋይሽ መቐበሊ መግብን ዜናዊ ስራሃትን ዘድሊ መጽናዕትን ዳህሳስን ክገብሩ ንዝምልከቶም ኣካላት ሓላፍነት ሂቡ። ኣዚ ኣገዳሲ ፈስቲቫል ጽባሕ ዋዕላ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝካየድ ኮይኑ፡ ንኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ዝብሰረሉ ስለ ዝኾነ ኣሳናዳኢት ሽማገለ ፈስቲቫል 2024 ብኣኽብሮት ትዕድም ።