ኣቶ በረኸት ስምኦን፡ ናብ ኣሜሪካ ተሰዲዱ

2024-05-07 10:09:38 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 173 times

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ግዜ  ኢትዮጵያዊ ህዝባዊ ወያናይ ዲሞክራስያዊ ግንባር (ኢህወደግ)፡ ወሳኒ ፖለቲካዊ ግደ ካብ ዝነበሮም መራሕቲ ሓደ ዝኾነ ኣቶ በረኸት ስምኦን፡ ብ6 ጉንበት 2024 ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከም ዝተሰደ ግዮን ዝተባህለት ማዕከን ዜና ሓቢራ።

ኣቶ በረኸት ስምኦን ቃልሱ ካብ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ሰውራዊ ሰልፊ (ኢህሰሰ/ ኢህኣፓ/ EPRP፡ ዝጀመረ ኮይኑ; ድሕሪ ናይ ኢህኣፓ ምድኻም ኢትዮጵያዊ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ (ኢህድን)  ብዝብል ንብሄር ኣምሓራ ዝውክል ውድብ መስሪቶም፡ ምስ ህወሓትን ዲሞክራሲያዊ ውድብ ኦሮሞን ብሓባር ደርጊ ስዒሮም መሰጋገሪ መንግስቲ ካብ ዝመስረቱ ባእታታን ሓደ እዩ።

ኣቶ በረኸት ስምኦን ኣብቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቶ መለስ ዜናዊ ዝመርሖ  መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብደረጃ ሚኒስተር ዜና፡ ሓላፊ ሚኒስተሪ ርክባት፡ ኣመሓዳሪ ብሄራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ 2005ን ኣብ ካልኦት ጽፍሒ ሓላፍነታትን ተመዲቡ ዝሰርሐ፡ ሓያል ተጽዕኖ ፈጣሪ ኣባል ፈጻሚ ኮሚተ ኢህወደግ እዩ ነይሩ።

ኣብ ግዜ ናይ ዶር ኣብይ ምንቅስቓስ ምድማር፡ ኣንበሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሕብረት ኢውሮጳ ክኸውን ተመዚዙ ድሕሪ ምሕሳሙ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ “ምጥፍፋእ” ብዝብል ጉልባብ ተኣሲሩ፡ ን6 ዓመታት ክእሰርድዎተፈሪዱ፡  ልዕሊ 4 ዓመታት ተኣሲሩ ዝተፈትሐ እዩ። ኣቶ በረኸት ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት 2ተ ኣገደስቲ መጻሕቲ ዝደረሰ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ናይ ዶር ኣብይ ኣብ ስልጣን ምምጻእ ሓደገኛ ምዃኑ ንምግላጽ “እዚ ዝረአ ዘሎ ኣካይዳ ንመራሕቲ ክልል ኣምሓራ እውን ተመሊሱ ክበልዖም እዩ” ብዝብል ኣበሃህላኡ እዩ ዝዝከር።

በረኸት ኣብ ኣሚሪካ ዕቑባ ከም ዝሓትት ዝተሓብረ ኮይኑ፡ እንተኾነ “ናብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ይምለስዶ ኣይምለስን?” ከምዘይፍለጥ እቲ ዜና ሓቢሩ። ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዳላስ ምስ በጸሐ ብበዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ኣሰፉ ፈንተን ከም ኣቶ ህላወ ዮሴፍ ዝኣመሰሉ ናይ ቀደም መቃልስቱን ከም ዝተቐበልዎ ከኣ ተፈሊጡ።

Last modified on Tuesday, 07 May 2024 12:19