ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖሓ ኤ ንኣባላቱ ብማንዛ (zoom) ኣኼባ ኣካይዱ

2024-05-02 19:51:17 Written by  ክፍሊ ዜና ፖሓኤ Published in EPDP News Read 270 times

ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ(ላ.መ.ኣ.ፖ.ሓ.ኤ) ብ27 ሚያዝያ 2024 ኣብ ኣውስትራልያ ናይ ዝርከቡ ኣባላት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ) ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብ’ዚ ብቤት ጽሕፈት ውደባን ፋይናንስን እተጸውዐ ኣኼባ ኩሎም ኣብ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ዝርከቡ ኣባላት ናይ’ተን ጽላል ዘቖማ ሰለስተ ውድባት ተኻፊሎም ነይሮም።

እቲ ኣኼባ ብሓፍትና ተጋዳሊት ኣድያም ተፈራን ብሓው ጐይትኦም መብራህቱ ዝሃብዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዝብል ቃል ድሕሪ ምኽፋቱ፥ ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ኣቦ መንበር ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፥ እዚ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ልፍንቲ ንምቛም ዝተኸደ ጒዕዞን ዝተሳለጡ ዕማማትን ብዝርዝር ገሊጹ።  ብድሕር’ዚ፡ ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈታት ነቶም ተሳተፍቲ ኣኼባ ድሕሪ ምምስጋን፥ ኣብ ዝተወከልሉ ኣብያተ-ጽሕፈታት ዘሳለጥዎ ዕማማት ብዝርዝር ኣቕረቡ።

ስዒቡ፡ ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባን ፋይናንስን፡ ብሓፈሻ ሓያልን ድኹምን ጐድንታት ደምበ ተቓውሞ፥ ድኽመታት መሰጋገሪት ኣካል ፖ.ሓ.ኤ ድማ ብፍላይ ብዝርዝር ገሊጹ። ከምኡ’ውን ካብ ሕሉፍ ጉድለታትና ተማሂርና ነዚ ናይ ህልውን መጻእን ዕድላት ብኸመይ ክንጥቀመሉ ከምዝግብኣና ብሰፊሑ ኣብሪሁ።

ብ10 ልውካቲ  2024 ከኣ፡ ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ከም’ዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ መግለጽታት ንኹሎም እቶም ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኣውሮጳ፡ ማእከላይ ምብራቕን ካልእ ቦታታትን ዝርከቡ ኣባላት ብሓባር ኣብ ዝተዳለወ ኣኼባ ሰፊሕ መብርሂ ምሃቡ ዝዝከር ኢዩ።

.

Last modified on Thursday, 02 May 2024 22:09