ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ቤ/ት ወዲ ሸሪፈይ

2024-04-29 09:09:10 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 430 times

ቤት ትምህርቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ወዲ ሸሪፈይ፡ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ብ1984 ከም ዝተመስረተት ንመበል 40 ዓመት ዝኽራ ዝተሓተመት መጽሐት ሓቢራ። እዛ ቤት ትምህርቲ መበል 40 ዓመት ምምስራታ ተኽብር ዘላ ምስ ብዙሕ ሽግራትን ከቢድ ናይ ምቕጻል ብደሆን ምዃና እታ ናይ ዝኽሪ መጽሐት ኣስፊራ። ካብቲ ከበድቲ ኣጋጥምዋ ዘሎ ብደሆታታ፡ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት ጸጥታን ዋሕዲ  ገንዘባዊ ዓቕምን ምዃኑ ድማ ተጠቒሱ’ሎ።

ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ፡ ብዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ወርሕን ካብ እትምስረት ጀሚራ ኤርትራውያን ህጽናት ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክሳብ ዝምለሱ ከተስተምህር ጸኒሓ። እንተኾነ ናይቶም ተመሃሮ ናብ ዓዶም ምምላስ ክሳብዛ ዘለናያ ዓመተ-2024 ኣይተረጋገጸን።

ናይታ ንመበል 40 ዓመት ዝኽሪ ምኽንያት ብምግባር ዝተዳለወት መጽሐት ዕላማ፡ ቀዳማይ  እታ ቤት ትምህርቲ ዝሓለፈቶ ናይ ውረድ ደይብ ታሪኽ ምዝካር እዩ። ካለኣይ ዕላማኣ  ከኣ፡ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ወርሕን፡ ክከታተልዋ ዝጸንሑ ካለኦት ዘይመንግስታዊ ትካላት፡ ኣብ መስርሕ እቲ ምምሃርን ምስትምሃርን  ክሳተፉ  ማሕበረሰብ ናይታ ቤት ትምህርትን  ወለዲድን ቤተሰብን ተማሃሮን ከምኡ’ውን  ንኩሎም እቶም ኣብ ዝሓለፈ 40 ዓመታት ንቐጻልነታ ክልግሱ ዝጸንሑ ወገናት ልባዊ ምስጋና ንምቕራብ ። እቲ ሳልሳይን ቀንድን ምኽንያት ድማ ኣብዚ እዋንዚ ብፍላይ ድሕሪቲ ብዓለም ደረጃ ኣጋጢሙ ዝነበረ ሓደገኛ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19፡  ገንዘባዊ ዓቕማ ኣብ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ደረጃ ወዲቑ ከም ዘሎ ንምሕባር  ምዃኑ ተጠቒሱ።

እዚ መልእኽቲ ዝያግዳ ቆላሕታ ካብ ዝገብረሎም ድማ፡ ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፡ እሞ ድማ ኣካል እቶም ኣስማቶም ኣብቲ ነባር  መዛግብቲ እዛ ቤት ትምህርቲ ሰፊሩ  ዘሎ ኣስታት 27 ሺሕ ዝኾኑ እዩ። ኮታ ከምኡ ምባል’ኳ ዘጸግም እተኾነ፡ እዚ ኣብዛ መጺሐት ተጠቒሱ  ዘሎ መልእኽቲ ንቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ወዲሸሪፈይ ናይ “ኣድሕኑ ህጹጽ መጸዋዕታ” እዩ።

ኣብታ መጺሐት ብዝርዝር ቀሪቡ ከም ዘሎ፡ እዛ ቤት ትምህርቲ ካብቲ ካልእ ኣብያተ-ትምህርቲ ብወለድን ተመሃሮን ካብ እትምረጸሉ ምኽንያታት፡

1.  ስርዓተ ትምህርቲ ኤርትራ ተኸቲላ፡ ብቋንቋታት ትግርኛ፡ ዓረብን እንግሊዘኛን እተስተምር ምዃና። 2. ኣብቲ ከባቢ ዘለዋ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝያዳ ናብ ኣካዳሚያዊ ዘይኮኑ ዛዕባታት ዘተኩራ ምዃነን፡ 3. ኣብኣ ዝመሃሩ ተመሃሮ መባእታዊ ደረጃ ወዲኦም ናብ ላዕለዋይ ደረጃ ንምሕላፍ ኣብ ዝወሃብ መርመራ ኩሉ ግዜ ዝለዓለ ውጽኢት ዘመዝግቡ ምዃኖምን 4. ውለዲ ንመመዝገብን ካልእ ንኡስ ወጻእታትን ዝኸፍልዎ ገንዘብ ምስቲናይ  ካለኦት ኣብያተ ትምህርቲ ክወዳደር እንከሎ ዝተሓተ ኮይኑ፡ ተመሃሮ ዲቪዛን ንደቀንስትዮ ዝኸውን መሕለዊ ንጽህናን ብናጻ ዝረኽቡ ምዃኖም። እዮም።

ብዘይካዚ ኣብዛ ናይ ዝኽሪ መጽሐት፡ እቲ ብ400 ዝጀመረ ቁጽሪ ተመሃሮ በብግዜኡ ዝርኣዮ ምዕባለ፡ ንዕቤት እታ ቤት ትምህርቲ ዝተፈላለዩ ምሁራትን ግዱሳትን ዘበርከትዎ፡ ህንጸኣ ዘመናዊ መልክዕ ንምትሓዝ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕሪ፡ ኣብቲ ከባቢ ምስ ዘለዉ ሱዳናውያን ሓለፍቲ ከጋጥም ዝጸንሐ ውረድ ደይብን ምትሕብባርን፡ ብዛዕባ ዝብሉን ካለኦትን ጉዳያት ብሰፊሑ ኣቕሪቡ’ሎ።

Last modified on Monday, 29 April 2024 11:16