ፓርላማ ኢትዮጵያ ህጹጽ ኣዋጅ ክልል ኣምሓራ ክናዋሕ ወሲኑ

2024-02-02 23:14:50 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 430 times

ፓርላማ ኢትዮጵያ ብ2 ለካቲት 2024 ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ርክብ፡ ንዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ኣብ ክልል ኣምሓራ ክትግበር  ዝጸንሐ ኣዋጅ ህጹጽ ኩነታት  እንደጋና ን4 ኣዋርሕ ንኽቕጽል ከም ዝወሰነ ተፈሊጡ። ዕድመ ናይቲ ኣተገባብራ ኣዋጅ ዝከታተል 7 ኣባላት ዘለዉዎ ኮሚተ እውን ብተመሳሳሊ ክቕጽል እቲ ኣኼባ ወሲሙ። እዚ ኣዋጅ ዝተናወሕ ኣብቲ ኣብ መንጎ ሓይሊ ምክልኻል ፈደራላዊ መግስቲ ኢትዮጵያን ዕጡቕ ሓይሊ ፋኖ ኣምሓራን ውግእ ኣብ ዝቐጸለሉ እዩ።

እቲ ፓርላማ፡ ብሚኒስተር ፍትሒ ኣብ ዝቐረበሉ ንድፊ ድሕሪ ምምይያጥ ብዝሃቦ ድምጺ ናይ ኣብዝሓ ደገፍ ምርካቡ ምዃኑ ካብቲ ፓርላማ ዝተረኽበ  ዜና ሓቢሩ። እቲ ፓርላማ ነዚ ኣዋጅ ዘናወሓሉ ምኽንያት ኣብቲ ክልል ይካየድ ካብ ዘሎ ውግእ ወጺእካ፡ ሰላምን ምርግጋእን ንምውሓስ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እዚ ዝተናውሐ ኣዋጅ ህጹጽ ኩነታት፡ ኣብ 18 ነሃሰ 2023 ጸጥታዊ ኩነታት ክልል ኣምሓራ ኣጸጋሚ ምስ ኮነ፡ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ንክጸንሕ በቲ ፓርላማ ዝተወሰነ ነይሩ። ናይቲ ክልል ጸጥታ ናብ ዘስግእ ደረጃ ዝበጸሓሉ ምኽንያት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ “ምክያድ ዳግመ-ውደባ” ብዝብል ዕጥቂ ናይቶም ኣብ ውግእ ትግራይ ዝተሳተፉ ፋኖ ንምፍታሕ ብዝገበሮም ምንቅስቓስን ዘጋጠሞ ተቓውሞን እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ይካየድ ብዘሎ ቀጻሊ ውግእ ህላወ መንግስቲ ብልጽግና ተዳኺሙ፡ ሓያሎ ከባብታት ኣብ ኢድ እቶም መንግስቲ “ጸበብቲ ኣምሓራ” ዝብሎም ፋኖ ኣትዩ ኣሎ። ብሰንክቲ ውግእ ብዙሓት ፖለቲከኛታት ኣምሓራ ዝእሰርሉ፡ ህይወት ብዙሓት ሲቪል ሰባት ዝጠፈኣሉን ትሕተ ቅርጻ ዝዓነወሉን ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ እዩ።

ናይዞም ብምስጢር ብኤርትራ  ሓገዝ ይግበረሎም’ዩ ዝበሃሉ ፋኖ ዕላማ ኣብ መጻኢት ኢትዮጵያ  ዘይንጹር ኮይኑ፡ ናይ ኣወዳድባ ጸገማት  ከም ዘለዎም’ውን ብዙሓት ንኩነታቶም ብቐረባ ዝከታተሉ  ፖለቲከኛታት ዝገልጽዎ እዩ።

Last modified on Saturday, 03 February 2024 00:23