ሻቕሎት ስድራቤታት ኤርትራ መመሊሱ ይዓርግ ኣሎ

2023-11-20 09:07:40 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 502 times

ብጽምዋ ካብ ዝተዋሕጡ ጐደናታት ኣስመራ

ኣብ ኤርትራ  ናይቶም ተገዲዶም ደቆምን ቤተሰቦምን፡ ናብ ውግእ ትግራይ ምስ ከዱ ደሃዮም ዝጠፍአ ስድራቤታት ሻቕሎት ኣዝዩ ይዓርግ ከም ዘሎ፡ መንነቶም ክዕቀበሎም ዝሓተቱ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። እቶም ነዚ ዝጠቐሱ ምንጭታት እቲ ሻቕሎትን ስግኣትን ኣብ ኩሉ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራ ከምዘሎ ጠቒሶም፡ ህግደፍ መርድእ ናይቶም ኣብ ትግራይ ዝሞቱ ኤርትራውያን ኣብ ቀረባ ግዜ ክነግርዩ ዝብል ትጽቢትኳ እንተነበረ፡ ኣብዚ እዋንዚ ግና፡ እቲ ጉዳይ  ዳርጋ ዝተረሰዐ  ብምዃኑ እቲ ጨንቂ መሊሱ ከም ዝዓረገን ብሰንኩ ብዙሓት ወለዲ ኣብ ከቢድ ሓደጋ  ይወድቁ ከምዘለዉን ጠቒሶም።

ኣብ ትግራይ ናይቶም ኣብቲ ውግእ ዝሞቱ መርድእ ምስተነግረን ንዝኽሮም ፍሉይ ምድላው ምስተገብረን፡ ኣብ ኤርትራ “ደቅናኽ ስለምንታይ ንቡር ስኢኖም” ዝብል ስምዒትን ቁጠዐን ከም ዝወሰኸ ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፡ ኣካላት ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ፡ “ባሕቲ መስከረም ከነርድእ ኢና” ዝብል ወረ ክነዝሑ  ከም ዝጸንሑ ጠቒሶም። በቲ ዝበልዎ ናይ ዘይምቕጻሎም ምኽንያት ዝብልዎ፡ ገሊኦም ምስቲ መርድእ ዝወሃብ ገንዘብ ንዘይምውጻእ እዩ ክብሉ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ነቲ ዝዳለዉሉ ዘለዉ ናይ ክተት ምልዕዓል  ዕንቅፋት ንከይኮኖም እዮም ዝብል ርኢቶ ከምዘለዎም  ኣቃሊዖም።

ኣብ ውግእ ትግራይ ናይ ዝሞቱ ኤርትራውያን ኣሃዝ ብወግዒ ዘይተገልጸ ኮይኑ፡ ዝተፈላለዩ ነቲ ውግእ ብቐረባ ዝተኸታተልዎ ወገናት፡ ካብ 45  ክሳብ  70 ሺሕ ዘለዉ ኣሃዛት ክጠቕሱ ይስምዑ እዮም።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ “ርኢቶይ ኣብ ዜና/my views on news” ዝተባህለ፡ ናይ ዩቱብ ማሕበራዊ መዲያ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ጎደናታት ከተማ ኣስመራ፡ “ኣነ ብሪገድ ንሓመዱ እየ”  ዝብል ወረቓቕቲ ከም  ዝተዘርግሐ ብምስሊ ኣሰንዩ ሓቢሩ።

Last modified on Monday, 20 November 2023 10:13