መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብሓይሊ መንግስተይ ክግልብጡ ተወዲቦም ንዝበሎም፡ ብራዕዲ ምፍጣር ከሲሱ

2023-05-01 08:17:19 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 622 times

ኣብ ኢትዮጵያ “ናይ ጸጥታን ደሕንነትን ናይ ሓባር ሓይሊ ዕማም”፡ ዝተባህለ መንግስታዊ ኣካል፡ 47 ብምስጢር ተወዲቦም፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣንጻር ሕገመንግስቲ ክንቀሳቐሱ ጸኒሖም ንዝበሎም  ብተግባራት ምፍጣር ራዕዲ/terrorism  ከም ዝኸሰሰ፡ ናይታ ሃገር መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ብ30 ማዝያ 2023 ኣፍሊጠን።

እቲ ሓይሊ ዕማም፡ እቶም ዝኸሰሶም ክልላዊ መንግስቲ ከፍርስሉ ሓሲቦም ዝነበሩ፡ ዝተፈላለዩ ኣጽዋርን፡ ላፕቶፕ ኮምፒተራትን ሰነዳትን ከም ዝሓዘ እውን ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ምስጢራዊ ስርርዕ ዘርጊሖም ናይቲ ክልል ሓለፍቲ ብምቕታል ስልጣን ናይ ምቁጽጻር ዕላማ ከም ዝነበሮም ከሲሱ። እቲ ሓይሊ ዕማም ብዘውጸኦ መግለጺ መሰረት፡ ናይቲ ምስጢራዊ ስርርዕ ኣወሃሃዲ፡ ኢንተልጀንስ፡ ወተሃደራዊ ንጥፈት፡ ፋይናንስን መዲያን ዶ/ር ወንድወሰን ኣሰፋ ከም ዝበሃልን ኣብ ወጻኢ ምስ ዘለዉ 16 ሕሉፋት ጸበብቲ ተወለድቲ ኣምሓራ ርክብ ከም ዝጸንሖ ጠቒሱ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እዚ ናይ ምስጢር ስርርዕ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብህዝቢ ተመሪጾም ኣብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ጽፍሒ ሓላፍነት የገልግሉ ንዘለዉ 450 ሰባት ኣወጊዶም ብናታቶም ሰባት ናይ ምትካእ መደብ ከም ዝነበሮም ሓቢሩ፡ ካብ ወጻኢ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣቱ ገንዘቦም ብኸመይ ይመሓድርዎ ከም ዝነበሩ ድማ ካብ መርመራ ብዝበጻሕኩዎ ብዝብል ኣስፊሩ።

ድሕሪ ምውጻእ እቲ መግለጺ ዝተፈላለዩ ወገናት፡ ናይቲ መንግስቲ ክሲ ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ ከም ዝተሳዕረ ዘመልክት እምበር፡ ሓቅነት ዘለዎ ኣይኮነን ይብልዎ ኣለዉ።

 

Last modified on Monday, 01 May 2023 10:24