ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈጥረ ወጥሪ ይገድድ ኣሎ

2023-04-11 10:50:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1052 times

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ፡ ብሰንኪ  ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልኻል መንግስትን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ዝተፈጥረ ቅልውላው፡ ኣብ ኩለን ከተማታት ናይታ ክልል ሓያል ወጥሪ ተፈጥሪሩ’ሎ። ናይቲ ወጥሪ መንቀሊ ፈደራላዊ ሓይሊ ምክልኻል ብውሳነ እቲ ብልጽግና ዝመርሖ መንግስቲ መሰረት፡ ናይቲ ክልል ፍሉይ ሓይሊ ዕጥቂ ከፍትሕ ክንቀሳቐስ እንከሎ፡ እቲ ፍሉይ ሓይሊ ከኣ ብሓይሊ ዝተሰነየ ናይ “ዕጥቅና ኣይንፈትሕን” ተቓዎሞ ስለ ዘርኣየ ምዃኑ ናይ ፈደራል መንግስቲ ኮነ ናይቲ ክልል መራኸብቲ ብዙሃን ኣፍሊጠን።

በዚ መሰረት ኣብ ኩሉ ከባብታት ክልል ኣምሓራ ብሰላማዊ ሰልፍን ሰራዊት ፈደራል ዝንቀሳቐሰሉ መንገድታት ብምዕጻው  ቀጻሊ ተቓውሞታት ይካየድ ኣሎ። ከም ጐንደርን ደብረብርሃንን ኣብ ዝኣመሳላ ከተማታት ድማ ድሮ ናይ ምንቅስቓስ ገደባት ተወሲኑ ኣሎ። ናይ ክልል ኣምሓራ መንግታዊ ትካላት ዳርጋ ንቡር ስረሐን ከቋርጻ እንከለዋ፡ ሓሓሊፉ እውን ኣብ መንጎ ፈደራላዊ ሓይልታትን  ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ወተሃደራዊ ጐንጽታት  ይኽሰት ኣሎ።

በቲ ሓሓሊፉ ዝፍጠር ዘሎ ወተሃደራዊ ጐንጽታት ብዘይካ ናይ ክልቲኡ ወገናት ዕጡቓት፡ ሰቪል ሰባት እውን ይጉድኡ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ። ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ከም ዝጠቐሰቶ፡ ሲ ኣር ኤስ/CRS ዝተባህለ ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን እትንቀሳቐስ ኣሚሪካዊት ትካል  ረዲአት፡ ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ  ከባቢ ከተማ ቆቦ ክልተ ኣባላታ ብሰንኪ ኣብቲ ቦታ ዝተኸፍተ ተኹሲ  ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ዕጥቂ ናይ ምፍታሕ ውሳነ፡ ነቶም ዕጥቆም ዝፈትሑ ናብ ሓይልታት ምክልኻል ወይ ፈደራል ፖሊስ ናይታ ሃገር ናይ ምእታው ዳግመ-ስርርዕ ኮይኑ ኣብ ኩለን ክልላት ዝትግበር እዩ ዝብል መግለጽታት ይህብ  ኣሎ። ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ብኣንጻሩ፡  ቀንዲ ቆላሕታ ናይቲ ምፍታሕ ዕጥቂ፡ ፍሉይ ሓይልን ፋኖን  ኣምሓራ ኮይኑ፡ ዕላምኡ ድማ ወልቃይትን ራያን ናብ ትግራይ ኣሕሊፍካ ንምርካብ ዝዓለመን እዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎም እዮም ዝገልጹ ዘለዉ። ወልቃይትን ራያን ናብ ትግራይ ንምምላስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ዝተሰማማዓሉ ከም ዝኾነ ዝፍለጥ እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ምስዚ ንኢትዮጵያ ናብ ዝገደደ ሰፊሕ ውግእን ምብትታንን ከይወስዳ ዘስግእ ዘሎ ቅልውላው ብዝተጠሓሓዘ፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ፡ ምሁራት፡ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባትን ጋዜጠኛታትን ዝርከብዎም ተወለድቲ ብሄር ኣምሓራ፡ ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ  ይእሰሩን “ሕጋዊ ኣይኮነን”  ብዝብል ምኽንያት ኣባይቶም ይፈርስን ምህላዉ ዝተፈላለዩ ወገናት ይሕብሩ ኣለዉ።

እቲ ኣብ ሓድሽ ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጐኒ ኣምሓራ ከምዘሎ ክንገረሉ ዝጸንሐ ህግደፍ፡ ድሕሪ እቲ ኩነታት ናብ ወተሃደራዊ ጐንጺ ምዕራጉ ድምጹ ኣየስምዐን። ክጠልሞም ድዩ ክሕግዞም እውን ኣይተፈልጠን።

Last modified on Tuesday, 11 April 2023 12:59