ዘተ ኣብ መንጎ ሱዕድያን ሑቲን ውግእ የመን ጠጠው ክብል ተስፋ’ሎ

2023-04-09 20:41:15 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 719 times

ምስሊ፡ ከተማ ሰንዓ ካብ ማሕበራዊ መዲያ

ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝሓሸን ቀጻልን ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕ ንምብጻሕ  ኣብ ዋና ከተማ የመን ሰንዓ ልኡኽ ሱዕድ ዓረቢያ ምስ ጉጅለ ሑቲ  ኣብ ምዝታይ ከም ዝርከብ ዝተፈላለዩ ብዛዕባ ቅልውላው የመን ዝትንትኑን ዝከታተሉን ኣካላት ኣፍሊጦም። ነቲ ዘተ እትሽምግል ናይ ዘላ ሃገር ዖማን ልኡኽ ኣብ ሰንዓ ከም ዝርከብ እውን ተፈሊጡ። ከተማ ሰንዓ ካብቲ መንግስቲ የመን ብሓይሊ ዝሰጐጉሉ 2015 ጀሚራ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ጉጅለ ሑቲ እያ እትርከብ።

ኣብ የመን ኣብ መንጎ ሑቲን ብሳዕዲያ ዝምራሕ ሕብረትን ውግእ ድሕሪ ምጅማሩ፡ የማናውያን ተገዲዶም ሃገሮ ምልቃቕ ቀጺሎም። በዚ መሰረት ኣብዚ እዋንዚ ካብ ህዝቢ የመን 80% ኣብ ምጽባይ ረዲአት ወዲቑ ከም ዘሎ እቲ ሓድሽ ጸብጻብ ኣስፊሩ።

ብዛዕባዚ ተረኽቦ ብሓለፍቲ ሱዕድያ ዝተዋህበ መረጋገጺ የለን። እንተኾነ፡ ብጉጅለ ሃውቲ ዝተዘርግሐ ጽሑፍ፡ ናይ ሱዑዲያ ልኡኽን ሸምገልቲ ዖማናውያንን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ከተማ ሰንዓ ከም ዘለዉ ኣረጋጊጹ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ናይ ሑቲ መራሒ መሓመድ ዓሊ ኣል-ሃውቲ፡ መንነቱ ንምሕባእ ገጹ ሸፊኑ ምስ ሓላፊ ሱዑዲ ዓረቢያ ሰላም ክበሃል እንከሎ መሊቑ ዝወጸ ስእሊ ኣቃሊዑ። እዚ ምስሊ ናይ ክልቲኦም ወገናት ስምምዕ ኣብ ናይ መወዳእታናይ ምብጻሕ ድሌቶም ዘርኢ ምዃኑ ብሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ  ሓላፊ ዝተዋህበ ሓሳብ ኮይኑ፡ ቅድሚ መወዳእታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ማዝያ 2023 ስምምዕ ክኽተም’ዩ ዝብል ግምት ሂቡ።

ብዛዕባ ትሕዝቶ ናይቲ ስምምዕ ብወግዒ ዝተገልጸ የለን። እንተኾነ፡ ምኽፋል ዝሓለፈ መሃያ ህዝባዊ ሰራሕተኛታት የመን፡ ዳግመ-ምኽፋት ወደባትን መዓርፎ ነፈርትን፡ ኣብ ርእሲዚ ዳግመ-ህንጻ ሃገረ የመን፡ ምውጻእ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብታ ሃገር፡ ምምስራት ናይ ስግግር ፖለቲካን ዝብሉ እውን ኣብ ግምት ከም ዝኣትዉ እቲ ጸብጻብ ይሕብር። እዚ ምስቲ ናብ ግዝያዊ ተኹሲ ምቁራጽ ኣብጺሑ ዘሎ ናይ ሕቡራት ሃገራት ጻዕሪ ማዕረማዕረ ዝረአ እዩ። ብሳላቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ግዝያዊ ተኹሲ ምቁራጽ፡ ሓያሎ እገዳታት ከም ዘቃለለን ክሳብ ናብ ምልውዋጥ ምሩኻት ከም ዘብጸሐ እውን ተገሊጹ።

ጉዳይ የመን ዝተሓላለኸን ኣልቃዒዳ ዝኣመሰሉ ብዙሓት ሓይልታት ኢዶም ዘእተውሉ ስለ ዝኾነ፡ በዚ ኣብ መንጎ ልኡኻት ሱዑድያን ሑቲን ክብጻሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ስምምዕ ጥራይ ዝውዳእ ኣይኮነን። ኣብ መንጎ ሱዑድያን ኢራንን ኣብ የመን ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ኢድ ኣዙር ውግእ ናብ ምውዳኡ እዩ ዝብሉ ወገናት ኣለዉ።

በቲ ሓደ ወገን፡ ጉጅለ ህግደፍ ቅድም ምስ ኢራን ወጊኑ፡ ደሓር ሰልፉ ቀይሩ ምስቲ ሱዑድ ዓረቢያ እትመርሖ ወገን ተሰልፉ ኣብ ውግእ የመን ከም ዝተሳፈን ንወገን ሱዕድያ ወተሃደራዊ መደበር ፈቒዱ ዶላራት ከም ዝተኸፍለን  ዝዝከር እዩ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ብዙሕ ዘይዝረበሎም ኣብ የመን ዝሳቐዩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣለዉ።

Last modified on Sunday, 09 April 2023 22:55