ላዕለዎት ሓለፍቲ ትግራይን መራሒ ውድብ ዓሲንባን ተፈቲሖም

2023-03-30 21:22:30 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 849 times

ላዕለዎት ወ/ሮ ኬርያን  ዶ/ር ኣብረሃምን፡ ታሕተዎት ኣቶ ዱሩይን ዶ/ር ኣዲስኣለምን

ጠቕላሊ ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ ኣብ መዝገብ ፕረሲደንት ትግራይ ነበር ዶ/ር ደብረጼን ገብረሚካኤልን ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደን ኣብ ኣብያተ-ፍርዲ ፈደራል ብገበን ተኸሲሶም ናይ ዝነበሩ ሓለፍቲ ትግራይ ክሲ ብ30 መጋቢት 2023 ሰሪዙ። ድሕርቲ ምስራዝ ክሲ ክልተ ሰዓታት ኣብ ዘይመልአ ግዜ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ቤት ማእሰርቲ ቃሊቲ ካብ ዝተፈትሑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ትግራይ ዝነበሩ፡ ወይዘሮ ከሪያ ኢብራሂም ኣደመንበር ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያን ኣባል ፈጻሚ ኣካል ህወሓትን ዝነበራ፡ ዶ/ር ኣብረሃም ተኸስተ ድሕሪ ብደረጃ ፈደራል ሚኒስተር ገንዘብ ኮይኖም ምግልጋሎም፡ ምክትል ፕረሲደንት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ኣባል ፈጻሚ ኣካል ህወሓትን ዝነበሩ፡ ዶ/ር ኣዲስኣለም ባለማ ብደረጃ ፈደራል ዳይረክተር ፖሊሲን ምርምርን ኣባል ፈጻሚ ኣካል ህወሓትን ዝነበሩን ኣቶ ድሩይ ኣስገዶም ኣቦመንበር ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ ዓሲንባን ምዃኖም ተሓቢሩ።

እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ ወይዘሮ ከሪያ ኢብራሂም ተማሪኸን ዘይኮኮና ኣብቲ ግዜ ውግእ ኣብ ከተም መቐለ ባዕለን ኢደን ዝሃባ እየን። በዚ መሰረት ኣብ ልዕሊ 42 ኣብ መዝገብ ዶ/ር ኣብረሃም ተኸስተ ዝተኸሱ ክምስክራ እሞ ክፍተሓኳ ተበይኑለን እንተነበረ፡ “ኣብ ልዕሊ ብጾተይ ኣይምስክርን” ስለ ዝበላ እየን ክሳብ ሎሚ ተኣሲረን ጸኒሐን። ኣቶ ድሩይ ኣስገዶም ድማ ኣቦመንበር ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ ዓሲንባ ኮይኖም፡ ካብ ወርሒ ጥሪ 2021 ጀሚሮም ብዘይፍርዲ ተዳጒኖም ዝጸንሐ ምዃኖም እቲ ዜና ጠቒሱ።

ናይዞም ዝተፈትሑ ሓለፍቲ ጠበቓታት ኣተሓባባሪ ኣቶ ሃብቶም ከሰተ ከም ዝገለጽዎ፡ እቶም ብ30 መጋቢት 2023 ዝተፈትሑ እዞም ኣስማቶም ዝተጠቕሱ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ካብ መዝገብ ዶ/ር ደብረጼን ገ/ሚካኤል 16 ካብ መዝገብ ጀነራል ታደሰ ወረደ ድማ 20 ሲቪልን ወተሃደራውን ክሱሳት ከም ዝተፈትሑ ክጠቕሱ እንከለዉ፡  ካለኦት ምንጭታት ከኣ ቁጽሪ ናይቶም  ዝተፈትሑ ተጋሩ 62 ከም ዝበጽሕ ሓቢሮም። ምፍታሕ ናይዞም እሱራት ብመሰረት እቲ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስት ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ዝተኸተመ ውዕል ሰላም ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።