ፓስፖርት ኤርትራ ብደረጃ ዓለም ምስተን ዝተሓታ 5 ይስራዕ

2023-03-05 20:13:25 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1140 times

ብደረጃ ዓለም ን199 ሃገራት ብዝተዋህበ ደረጃ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት፡ ኣብ መበል 194 ከም ዝተሰርዐ ኖማድ ፓስፖርት ኢንዴክስ/NOMAD CAPITALIST PASSPORT INDEX ዝተባህለ ትካል ሓቢሩ። በቲ ጸብጻብ መሰረት ክትጐዓዘሎም ዘይምቹኣት ብዝብል ምስ ናይ ኢርትራ ድሕሪት ተሰሪዑ ዘሎ ፓስፖርትታት፡ ናይ ፓኪስታን፡ የመን፡ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን እዮም።

እቲ መምዘኒ 100  ወይ ካብኡ ንላዕሊ ነጥቢ ዝህብ ኮይኑ፡ እቶም መዕቀንታት ድማ፡  ምቅስቓስ ብዘይቪዛ፡ ንዜግነት ዝኽፈል ግብሪ፡ ግንዛበ ወይ ተርድኦ፡ ብዙሕነት ዜግነትን ውልቃዊ ናጽነትን ዝብሉ እዮም። እዞም ዝተጠቕሱ መምዘንታት ብቕደም ሰብ ዓብ ካብቲ ሚእቲ፡ 50%፡ 20%፡ 10%፡ 10%ን 10% ዘውህቡ ምዃኖም ኣብቲ ሰንጠረዥ ሰፊሩ ኣሎ።

በቲ ኣብቲ እንዴክስ ሰፊሩ ዘሎ ደረጃታት መሰረት፡ ሉግዘምበርግ 115.50 ብምርካብ ካብተን ኣብቲ መጽናዕቲ ዝኣተዋ 199 ሃገራት ቀዳመይቲ ክትከውን እንከላ፡ ኣፍጋኒስታን ድማ 20 ነጥቢ ጥራይ ብምርካብ መበል 199 ተሰሪዓ። ኤርትራ ኣብ መበል 194 ዝተሰርዐት ካብ ሚእቲ 26.50 ጥራይ ረኺባ እያ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ብናይ ኤርትራ ፓስፖርት ብዘይ ቪዛ ናብ 12 ሃገራት ጥራይ ምጋሽ ከም ዝከኣል ኣብቲ መጽናዕቲ ተጠቒሱ። ጎረባብቲ ኤርትራ ድማ፡ ኢትዮጵያ 32.50 ረኺባ መበል 180፡ ሱዳን 28.50 ረኺባ መበል 190፡ ጅቡቲ 36.50 ረኺባ መበል 166 ክስረዓ እንከለዋ፡ ሶማሊያ ድማ 27.50 ረኺባ ንኤርትራ ብኽልተ ደረጃ ቀዲማ ኣብ መበል 192 ሰፊራ ኣላ።

ኣብዛ ብዘይቅዋም ትመሓደር ዘላ ኤርትራ፡ ፓስፖርት ምርካብ ዜግነታዊ መሰል ክኸውን ዝግበኦ፡  ህግደፍ ካብ ናብ ግዱድ ዕስክርና ምስታፍን ዘይምስታፍን ጀሚርካ ብዙሕ ዓንቃፊ ቅድመ ኩነታት ስለ ዘቕርብ ምርካቡ ኣጸጋሚ እዩ። ኤርትራውያን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ካብ ሃገሮም ክወጹ ካብ ዘገድድዎም ምኽንያታት ከኣ እዚ ዕንቅፋት እዚ ሓደ እዩ። ብዝኾነ ኣጋጣሚ ፓስፖርት ምስ ረኸብካ ድማ ንክትገይሽ  መውጽኢ ቪዛ ንክትረክብ ካብቲ ፓስፕርት ክትረክብ ዘሎ ጸገም ዘይድሕር ዕንቅፋት ኣለዎ።

Last modified on Sunday, 05 March 2023 21:52