ኤርትራውያን ስነ-ጥበባውያን፡ ኣብ ኡጋንዳ ማሕበር መስሪቶም

2023-02-21 20:52:03 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 877 times

ኣብ ኡጋንዳ ከተማ ካምፓላ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ስነ-ጥበባዊ ስረሓት  ስነጥፉ ኤርትራውያን፡ ብ19 ለካቲት 2023፡ ኣብ  መእከቢ ኣድራሽ ፓላስ ፕለይ ፓርከ ኣብ ዘላየድዎ ኣኼባ፡  “ማሕበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ስነ-ጥበባውያን”  ከም ዝመስረቱ ቢቢሲ ትግርኛ ሓቢራ።

 ኣብቲ ኤርትራውያን ኣባላት ማሕበር ስነ-ጥበባውያን ኡጋንዳን ዕዱማት ኣጋይሽን ዝተረኽብሉ መስራቲ ኣኼባ፡ ናይቲ ማሕበር ኣቦመንበር  መምህር የማነ ሓጐስ፡  እቲ ማሕበር ንክምስረት ዝደረኸ ምኽንያትን ዕላማ ናይቲ ማሕበርን ዝምልከት ቃል ኣስሚዑ። ኣብቲ ንሱ ዘስመዖ ቃል፡ ዝተወሰኑ ስነ-ጥበባውያን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ገንዘብ ክሕዙኳ እንተኸኣሉ፡ እቲ ሞያ ግና ከም ዝተሃስየ ጠቒሱ፡ ናይቲ ማሕበር ምምስራት  ነቲ ኩነታት ንምዕራይ ኣድላይ ምዃኑ ኣረዲኡ።

መምህር የማነ ሓጐስ፡ ኣብቲ  ዘስመዖ ቃል፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኡጋንዳ፡ ናይ ምውሳእ፡ ድርሰት፡ ደርፊ፡ ግጥሚ፡ ስእሊ፡ ቅብኣ፡ ትልሂትን ካልእን ክእለት ዘለዎም ኣማኢት ኤርትራውያን ኣብ ኡጋንዳ ከም ዘለዉ ሓቢሩ፡ እቲ ዝተመስረተ ማሕበር ንኹሎም ዝምልከት ምዃኑ ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ድማ እቲ ማሕበር ንክምስረት ንዝጸዓቱ ኣመስጊኑ፡ ማሕበሮም ኣብ መንግስቲ ኡጋንዳ ሕጋዊ ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ኣረጋጊጹ። ሓደ ካብ ኣካየድቲ ናይቲ ማሕበር  ያቆብ ዳዊት ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣባላት ናይ ማሕበሮም ገንዘባዊ ምንቅስቓስን ካልእ ንጥፈታትን ንምክትታል ዘኽእሎም መስመር ኣብ ሞባይሎም ዝረኽብሉ ኣገባብ ከም ዝተማህዘ ጠቒሱ።

በዚ ኣጋጣሚ ማሕበር  ኤርትራውያን ስደተኛታት ስነ-ጥበባውያን ኣብ ጋንዳ፡ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ክቱር ወጽዓ ኣወጊድካ፡ ናይ ህዝብና ራህዋ ንምውሓስ ዝካየደ ዘሎ ቃልሲ እጃሞም ከበርክቱ ነዘኻኽሮም።

Last modified on Tuesday, 21 February 2023 21:57