ሃገራት ኖርወይን ካናዳን ኤርትራውያን ቆንስላት ኣይተቐበላን።

2022-12-05 23:06:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 603 times

ስእሊ፡ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ህግደፍ፡ (ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ)

ሃገራት ኖርወይን ካናዳን መንግስቲ ህግደፍ  ንዝመደቦም ሓለፍቲ ቆንስላዊ ጉዳያት ከም ዝነጸጋ ሬድዮ ኤረና  ዲፕሎማስያዊ ምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ።  

ኖርወይ፡ ዘርእሰናይ ተስፋይ ንዝተባህለ ብምምሕዳር ህግደፍ ናብኣ ተመዲቡ ዝነበረ፡ ሓላፊ ቆንስላዊ ጉዳያት ዝምልከት ንኣዋርሕ መልሲ ከይሃበት  ብምጽናሓ፡ በዚ ተስፋ ዝቖረጸ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ህግደፍ ነቲ ዝተነጽገ ቆንስል፡ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝተመደቦ እቶም ዲፕሎማሲያዊ ምንጭታት ሓቢሮም።

ብተመሳሳሊ ኩነታት መንግስቲ ካናዳ ዝነጸጎ ኤርትራዊ ቆንስል ተወልደ የውሃንስ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ከምዝተመደ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ክልቴን ሃገራት ነዞም ቆንስላት ኤርትራ ዝነጸጋሉ ቀንዲ ምኽንያት ምስቲ ግብሪ ብዝብል ጉልባብ፡ ህግደፍ ኣብኣተን ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብዘይድሌቶም ዝእክቦ 2% ካብ ኣታዊኦም ዘለወን ተቓውሞ ዝተጠሓሓዘ ምዃኑ ኣብቲ ሓበሬታ ተጠቒሱ።

በዚ መሰረት ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሃገራት እስካንድነቪያ ብደረጃ ፈጻሚ ጉዳያት ዝተመደበ፡ ዮናስ ማና ዝበሃል ክህልው እንከሎ፡ ኣብ ከናዳ ግና ብንጹር ዝፍለጥ ወግዓዊ ወኪል ምምሕዳር ህግደፍ ከም ዘየለ እውን ተፈሊጡ።

Last modified on Tuesday, 06 December 2022 00:14