ኣብ ዓመተ-2022 ልዕሊ 860 ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሃለዋቶም ጠፊኡ
2022-12-01 12:06:30 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1135 timesኣብ ዓመተ-2022፡ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ተበጊሶም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምእታው ካብ ዝተበገሱ፡ ኤርትራውያን ዜጋታት ዝርከብዎም 10ታት ኣሽሓት ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን፡ 863 ሃለለዋቶም ከምዘይተፈልጠ ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት IOM ብምጥቃስ ኤረና ገሊጻ።
እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብዚ ዓመት 508 ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ከምዝሞቱ ከረጋግጽ እንከሎ፡ 20,842 ድማ ብሓለዋ ባሕሪ ተታሒዞም ናብ ሊብያ ከምዝተመልሱ ተመልኪቱ።
ብመሰረት ጸብጻብ ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት IOM፡ ካብ 13 ክሳብ 19 ሕዳር 2022 ኣብ ዝነበረ መዓልታት ጥራይ 235 ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ብተመሳሳሊ መንገዲ ካብ ጉዕዞ ባሕሪ ናብ ሊብያ ተመሊሶም።
እቲ ትካል ምስ ናይዚ ዓመት ብምንጽጻር፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተታሒዞም ናብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ካብ ዝተመልሱ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ብዝሖም፡ 32,425 ምንባሩ ኣስፊሩ።