ተጋሩ ኣብ ዝተዓቑብሉ መደበር ስደተኛታት ባርዕ ኣጋጢሙ

2022-11-18 19:45:16 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 672 times

ምስሊ ካብ ቢቢሲ ናይቲ በቲ ባርዕ ዝዓነወ

ኣብ ሱዳን: ተጋሩ ዝተዓቖብሉ መደበር ስደተኛታት ኡምራኩባ ብ15 ሕዳር 2022  ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ብዙሓት ዝደተኛታት ብዘይመጽለሊ ከም ዝተረፉ ቢቢሲ/BBC ንናይቲ መደበር ምክትል ኣማሓዳርን ሓላፊ ማሕበራዊ ጉዳያትን መምህር  ኣሉላ ወልደጊዮርጊስ ብምጥቃስ ሓቢራ።

ኣብቲ መደበር ቅድሚ ሎሚ’ውን ብተደጋጋሚ ሓደጋ ባርዕ ከም ዘጋጠመን ብፍላይ ብ8 ጥሪ 2022 ኣብ ዘጋጠመ ተመሳሳሊ ሓደጋ ባርዕ 67 ህዝያዊ መጽለሊ ኣባይቲ ዓንዮም 175 ስደተኛታት ብዘይመጽለሊ ተሪፎም ከም ዝነበሩ እቲ ዜና ጠቒሱ። እቲ ባርዕ ካብቲ መደበር ብፍሉይ መጸውዒኡ “ቁጽሪ-3” ኣብ ዝተባህለ ኩርናዕ ብዘጋጠመ 51 ብቴንዳን ዕንጸይትን ዝተስርሑ ኣባይቲ ዓንዮም 130 ሰባት ብዘይመጽለሊ ከም ዝተረፉ እቲ ዜና ገሊጹ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ በቲ  ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ ዘጋጠመ ጉድኣት ከምዘየለ፡ እንተኾነ ኣብቲ ዝነደደ ኣባይቲ ዝነበረ ሰነዳት፡ ክዳውንትን ካልእ ንብረትን ምሉእ ብምሉእ ከም ዝነደደ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

እቲ ምክትል ኣማሓዳሪ ናይቲ መደበር ስደተኛታት መምህር ኣሉላ ወልደጊዮርጊስ ናይቲ ሓደጋ ጠንቂ እንታይ ከም ዝኾነ ይጻረ ከም ዘሎ ተቒሱ፡  ናይቲ ግዝያዊ ኣባይቲ ኣቀማምጣ ዝተተሓሕዘ ምዃኑ ምኽንያት ናይቲ ባርዕ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሚቱ፡ እቲ ሓዊ ካብ ሓደ ገዛ ከም ዝተላዕለ ኣፍሊጡ። ነብርቲ እቲ መደበር ንመስርሒ ገዘ ኢሎም ዝእክብዎ ሳዕረን ንበምሰሊ መግቢ ዝቕርብዎ ዕንጸይትን ነቲ ባርዕ ከም ዘጋድድዎ’ውን ኣብቲ ዜና ተገሊጹ።

ኣብዚ መደበር ስደተኛታት ብ28 ለካቲት 2022 ብዝተኻየደ ምምዝጋብ መሰረት፡ 19, 189 ስደተኛታት ከም ዘለዉን፡ ድሕሪዚ ሓድሽ ባርዕ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሓደስቲ መጽለሊ ቴንዳታት ይተክል ከም ዘሎን ካብቲ ካብ ቢቢሲ/BBC ዝተረኽበ ዜና ምፍላጥ ተኻኢሉ።

Last modified on Friday, 18 November 2022 20:53