ልኡኻት ኢትዮጵያን ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ

2022-10-24 21:35:53 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 644 times

ልኡኻት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ንዘተ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዝኣተዉ ተረጋጊጹ። እቲ ብዙሕ ተስፋ ዘይተነብረሉ ዘሎ ናይ ሰላም ዘተ 24 ጥቅምቲ 2022 ከም ዝኽፈትኳ ተሓቢሩ እንተነበረ፡ እንተኾነ ኣብቲ ዕለት ከም ዘይተኸፍተን  25 ጥቅምቲ 2022 ክጅመርዩ ዝብል ትጽቢት ከም ዘሎን ተፈሊጡ።

ኣብዚ ዝርርብ ናይ ዝሳተፍ ልኡኽ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ቀንዲ መራሕቲ ኣቶ ሬድዋን ሑሴን ኣማኻሪ ብሄራዊ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ዶ/ር ጊደዎን ጢመቲዎስ ጠቕላሊ ዓቃብ ሕግን ናይ ክልል ኣምሓራ ምክትል ፕረሲደንት ዶ/ር ጌታቸው ጀንበርን ዝርከብዎ ዓሰርተ ኣባላት ዝሓቖፈ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣባላት ልኡኽ ክልል ትግራይ ድማ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ፖለቲካዊ ኣማኻሪ፡ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ኣባል ወተሃደራዊ ኮማንድ ፖስት፡ ኣንበሳደር ወንድሙ ኣሳምነው፡ ዶ/ር ፍሰሃ ሃብተጽዮን፡ ኣቶ ተወልደ ገ/እግዚኣብሄር፡ ኣቶ ካሳ ገብረዮሃንስን ኣቶ ኣሰፋ ኣብረሃን ክኾኑ እንከለዉ፡ ሓሙሽተ ኣባላት ጸጥታ ድማ ሓቢሮም ከም እተጓዕዙ፡ ፕረሲደንት ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብ19 ጥቅምቲ 2022 ናብ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ ኣረጋጊጾም። ልኡኽ ትግራይ ካብ መቐለ ተበጊሱ ብመንገዲ ጅቡቲ ኣቢሉ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዝበጸሐን ፍሉይ ልኡኽ ኣሚሪካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ምስቲ ልኡኽ ሓቢሮም ከም ዝተጓዕዙ ተፈሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ንመንነት ኣባላት ልእኹ ኣብ ዝምልከት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ጠቒስዎም ካብ ዝነበሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይን ኣቶ ደመቀ መኮነንን ዳይረክቶር ብሄራዊ ጸጥታ ኣቶ ተመስገን ጥሩነህን ካብዚ ልኡኽ ከም ዝተረፎም ተፈሊጡ ኣሎ። ገለ ወገናት መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ስጉምቲ ምውሳዱ ነቲ ዘተ ትሑት ግምት ንምሃብ እዩ ዝብል ግምት ኣለዎም።

Last modified on Monday, 24 October 2022 23:53