ሶማልያ ወተሃደራታ ካብ ኤርትራ ንምምላስ ሓገዝ ኣሜሪካ ሓቲታ

2022-09-17 19:51:11 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 778 times

ፕረሲደንት ሶማልያ ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ፡  ወተሃደራቶም ካብ ኤርትራ ንምምላስ ሕቡራት መንግስታት ኣሚሪካ ክትሕግዞም ከም ዝሓተቱ ጋረው ኦንላይን/ GAROWM.ONLINE ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ብ15 መስከረም 2022 ኣብ ዘውጸኣቶ ዜና ሓቢራ። እቶም ሶማሊያዊ  ፕረሲደንት ነዚ ሕቶ ናብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዘቕረቡ ኣብ ኣሜሪካ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዩ።  እቲ ዜና ከም ዝገለጾ እዞም 5 ሺሕ ሶማላውያን ወተሃደራት ናብ ኤርትራ ብምስጢር ዝተላእኩ ፕረሲደንት ማሕሙድ ፋርማጆ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበርሉ  ብ2019 እዩ።

እቲ ዜና ከም ዝጠቐሶ እዞም ወተሃደራት ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሑ፡ ብግቡእ ዝተዓለሙ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ኣንጻር ፈጣሪ ራዕዲ ጉጅለ ኣልሸባብ ናይ ምቅላስ ሓያል ፍናንን ቅሩብነትን ዘለዎም ምዃኑ በቲ ዜና ተገሊጹ። ኣብቲ ዝተላእክሉ ግዜ እዞም ናይ ሎሚ ፕረሲደንት ሶማልያ ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ወሲኽካ፡ ኣብቲ ግዜቲ ፕረሲደንት ሶማልያ ንዝነበሩ ማሕሙድ ፎርማጆ ነቶም መንእሰያት ናብ ኤርትራ ብምልኣኾም ይቃወምዎም ነይሮም። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ነዞም ወተሃደራት ክመልሶምኳ ቃል ኣትዩ እንተነበረ፡ ሓድሽ መንግስቲ ሶማልያ ኣንጻር ፈጣር ራዕዲ ጉጅለ ኣልሸባብ ሓያል ቃልሲ ናይ ምክያድ መደብ ከም ዘለዎ ምስ ኣረጋገጸ ግና ሓሳቡ ቀይሩ ከም ዝሓንገደ  እቲ ዜና ሓቢሩ።

እቲ ዜና ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካሳብዚ ቀረባ ግዜ ምስ ፈጣሪ ራዕዲ ጉጅለ ኣልሸባብ ይተሓጋገዝ ከም ዝነበረ ተቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ መንግስቲ ሶማሊያ ነቶም ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ኣልሸባብ ክሕግዝዎ ዝኽእሉ ወተሃደራት ንምምላስ ሓያል ጻዕሪ ይገብር ከም ዘሎን ናይ ኣሚሪካ ሓገዝ እንተተወሲኽዎ ክዕወት ተስፋ ከም ዘለዎን ገልጹ። ሰብ መዚ ኣሚሪካ እውን ነቶም ወተሃደራት ናብ ሃገሮም ንምላስ  ክተሓጋገዘ ቅሩባት ምዃኖም ከም ዘረጋግጹ ኣፍሊጡ።

ፕረሲደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ምስተመረጹ ናብ ኤርትራ ከይዶም፡ ምስቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ መደበራት ኤርትራ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሶማላውያን ከም ዝረኸብዎም እቲ ዜና ተጠቒሱ። እቶም ፕረሲደንት ናብ ሃገሮም ክምለሱ እዮም ዝበል ተስፋ ስለ ዝነበሮም፡ ነቶም ቅድሚ ምርጫ ደቆም ክምለስሎም ዝሓቱ ዝነበሩ ቤተሰብ እቶም ወተሃደራት ምስ ደቆም ከም ዝራኸቡን ክሳብ ሽዑ ናይ ተለፎን ርክብ መስመር ከም ዝኸፍትሎምን ቃል ኣትየምሎም ከም ዝነበሩ፡ እንተኾነ ብሰንኪ ናይ ኢሳያስ እምቢታ ክዕወት ከይዘይከኣለን ሓቢሩ።

እዞም ሶማላውያን ወተሃደራት ኣብቲ መጀመርያ ብምስጢር ናብ ኳታር ኢኹም ተባሂሎም ካብ ሃገሮም ከም ዝተወስዱን ብዘይፈልጥዎ መንገዲ ናብ ኤርትራ ከም ዝተወሰዱን ኣቐዲሙ ክሕበር ጸኒሑ እዩ። ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ተመዚዞም ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝከታተሉ ዘለዉ ሱዳናዊ ኮሚሽነር፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ እዞም ሶማላውያን ኣብ ውግእ ትግራይ ተሳቲፎም ነይሮም ዝብል ጸብጻብ ከም ዘቕረቡ ዝዝከር እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ዓመጸኛ ምምሕዳር ህግደፍ፡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ኣእትዩ ይዋጋእ ኣሎ። ኣብ ጉዳይ ምብራቕ ሱዳን ኢዱ ከእቱ ብዙሕ ፈተነታት ከካይድ ጸኒሑን ኣሎን። እነሆ ኣብዚ ሶማልያ ምስ ኣሚሪካ ተሰማሚዓ ኣንጻር ፈጣሪ ራዕዲ ጉጅለ ኣልሸባብ ቃልሲ ኣብ እተካይደሉ መድረኽ ከኣ ሰራዊታ ጀሆ ሒዙ ህውከት ይጽሕትር ኣሎ።

 

Last modified on Saturday, 17 September 2022 22:05