መብርሂ ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ኣብ እዋናዊ ዛዕባታት
2022-09-06 14:01:28 Written by ፈጻሚ ሽማግለ Published in EPDP News Read 1343 timesኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራን ከባቢኣን ብዙሓት ምዕባለታት ይረኣዩ ኣለዉ። በዚ ምሰረት ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብዛዕባ’ ዞም ዝተወሰኑ ዛዕባታት እዚ ዝስዕብ መብርሂ ይህብ።
1) ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት መደባት ፈስትቫላት ምምሕዳር ህግደፍ ብሓያል ተቓውሞ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት ምፍሻሎም ዘበስሩ ስርሒታት ክንከታተል ቀኒና። እዚ ተረኽቦታት ብዙሕ ፖለቲካዊ ትርጉማት ዘለዎ እዩ። ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ዘይተጸበዮ ግዜ ብዘይተጸብዮ ኣገባብ ብህዝባዊ ናዕቢ ይሰዓር ከምዘሎ ሓደ ካብቲ ትርጉማቱ እዩ። ብሓፈሻ ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ ብፍላይ ከኣ ወጽዓ ህግደፍ ዝመረሮም መንእሰያት ኤርትራ፡ ከም ውጽኢት ናይቲ ካብ ኤርትራ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊኦም ክፍጸም ዝጸንሐ በደላት ከም ዝተቖጥዑ እሞ ድሕሪ ሕጂ ንድሕሪት ከምዘይምለሱ መልእኽቲ ዘመሓላለፈ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እተን ነቲ ጽልኢ ናይ ምንዛሕ፡ ተቓውሞ ኤርትራ ናይ ምንእኣስን ካብ ህዝቡ ናይ ምንጻልን ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምድኻምን መደባት ህግደፍ ዝፈሸለለን ሃገራት ኤውሮጳ፡ ጸረ ህዝቢ ተግባራት ናይቲ ጉጅለ ተገንዚበን ደጊም ክቕጽል ከም ዘይግበኦ ከም ዝዓገባን ኣብ ምውጋዱ ከም ዝተሓባበራን ቅሩብነተን ዘርኣያሉ ኣጋጣሚ እውን እዩ።
ስለዚ ሰዲህኤ፡ ነቶም ነቲ ህዝባዊ ማዕበል ዘበርኽዎ ዘለዉ ኤርትራዊ ወገናትን እቶም ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ኣብ ጐኒ ደላይ ለውጢ ኤርትራዊ ዝተሰለፉ መንግስታትን የመጉስ። እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ በቲ ጀሚርዎ ዘሎ መንገዲ ሕጋዊ ኣገባቡ ዓቂቡ ክቕጽል ዘተባብዕን ዝኽእሎ ዘበለ ክገብር ቅሩብ ምዃኑን የነጽር። ናይቲ ኩሉ ዘጋጠመ ማህሰይቲ ጠንቅን ተሓታትን ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ይኣምን። እዚ ንለውጢ፡ ንሕጋውነትን ዲሞክራስን ዝጠልብ ህዝባዊ ማዕበል ኣብ ወጻኢ ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነ ናብ ኤርትራ ክላባዕ ዘለዎ እምነት ይገልጽን። ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኣብቲ ኣዝዩ ዘሕሞን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ምምካቱ እዋኑ በጺሑ እዩ’ሞ ኩሉ ክፍልታት ህዝብና እጃሙ ከልዕል ጸዋዒትና ነቕርብ።
2) ምምሕዳር ህግደፍ ኣብቲ ብ4 ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተባርዐ ውግእ ኢድ ብምእታዉ፡ ብብዙሓት ወገናት ክኹነን ከም ዝጸንሐ ይዝከር። እቲ ኩነኔን ካብቲ ዝኣተዎ ንክወጽእ ዝቐርብ መሕጽንታታትን መጠንቀቕታን ሎሚ እውን ብብዙሓት ወገናት ብቐጻሊ ይቐርቦ ኣሎ። እንተኾነ ህግደፍ መሊሱ የግድዶ ኣሎ እምበር፡ ሓላፍነት ሃገርን ህዝብን ሓዲርዎ ንድሕሪት ኣይበለን። ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብ ክንዲ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ጻሕታሪ ተግባሩ ዝመሃር፡ ሎሚ እውን ዘራይ ሰልፊ ብልጽግና ኢትዮጵያ ኮይኑ፡ ንሃገርና ኣራግጽ ናይቲ ናብ ትግራይ ዝወፍር ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይገብራ ኣሎ።
ስለዚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ብደረጃ ማእከላይ ባይቶኡ ብ21 ሕዳር 2020፡ “ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብስርዓት ኢሳያስ ተፈቒዱሉ ብኣየር፡ ብምድርን ብባሕርን ናብ ሃገርና ኣትዩ ንልዑላውነትና ኣብ ሓደጋ ኣእትዩዎ ይርከብ። ስለዝኾነ ድማ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንስርዓት ህግደፍ ንሃገርና ናብ ባዕዳውያን ኣሕሊፉ ብምሃቡ ክኹንኖን ኣብ መሬትና ዝርከብ ዝኾነ ይኹን ባዕዳዊ ሓይሊ ብቕልጡፍ ንኽወጽእ ጸቕጥታቱ ከሐይልን ንጽውዕ። …… ስርዓት ህግደፍ ንባዕዳውያን ሓይልታት ናብ መሬትና ከምዝኣትዉ ምግባሩ ከይኣኽሎ፣ ንሰራዊት ኤርትራ’ውን ብዘይድልየቱን እምነቱን ናብ ትግራይ ልኢኹ ኣብ ዘይምልከቶ ውግእ ኣእትዩ ንኸቢድ ሓደጋ ኣቃሊዕዎ ይርከብ። …… ስለ’ዚ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ብሓደ ወገን እቲ ሰራዊት ባዕሉ ካብቲ ኣትዩዎ ዘሎ ዘይቅኑዕ ውግእ ነብሱ ከውጽእ ክጽዕር፣ ብኻልእ ወገን ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ እዞም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ተኣጒዶም ዘለዉ ደቁ ብዝቐልጠፈ እዋን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብኹሉ ዝከኣሎ መገድታት ክቃለስ ጻውዒትና ነቕርብ።” ዝብሎ መርገጹ፡ ሎሚ እውን ህያው ምዃኑ ብምርግጋጽ የሕድሶ ኣሎ።
3) ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ በደል ካብ ዘውርደሎም መንገድታት ሓደ ብተኸታታሊ ብዘይ ናይ ዕድመን ጾታን ኣፈላላይ ኣገዲድካ ናብ ውትህድርና ምእታው እዩ። እዚ ብቐጻሊ ዝካየድ ንህዝብና ደም ዘንበዖ ተግባር ሎሚ ድማ ኣዝዩ ብዝኸፈአ ደረጃ ይቕጽሎ ከም ዘሎ ካብ ኩሉ ኩርነዓት ኤርትራ ይሕበር ኣሎ። ኣብ ገለ ከባቢታት እውን ዝመረሮ ህዝቢ መኸታኡ የልዕል ከም ዘሎ ዝፍለጥ እዩ። ናይዚ እዋንዚ ግፋ ዝኸፈአ ዝገብሮ ከኣ ኣብ ልዕሊ ነፍሰ-ጾራት፡ ኣደ ቆልዑን ኣካለ ጐደሎን ከይተረፈ፡ ዝፍጸም ዘሎ ምዃኑ ሓደ መርኣያኡ እዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ስድራቤት ናይቶም ሃዲኑ ዘይረኸቦም ንዓቕመ ሄዋንን ኣዳምን ዝበጽሑ፡ ዝወስዶ ዘሎ ጭካነ እዩ።
ስለዚ ሰዲህኤ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ጨካን ተግባራት ህግደፍ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ መርገጻቱ የወግዞ። ህዝቢ ኤርትራ በዚ ዝወርዶ ዘሎ መዘና ዘየብሉ በደላት፡ መሊሱ ክሓንን እንተዘይኮይኑ፡ ካብ ቃልሱ ከምዘይበኩር ዘለዎ እምነት ጽኑዕ ምዃኑ የረጋግጽ። ህግደፍ ካብዚ ዘገብሮ ዘሎ ክቑጠብ፡ ኩሎም ፖለቲካውን ሰብኣውን ሓላፍነት ዘለዎም ኣካላት ተጽዕነኦም ከሕይሉ ይጽውዕ።
ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንዲሞክራስን ምዕባሌን ንቃለስ!
ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት!
ዝኽርን ዘልኣለማዊ ክብርን ንስዉኣት ኤርትራ!
ፈጻሚ ሽማግለ
5 መስከረም 2022