ማሕበር መማህራንን ጥምረት ሲቪል ማሕበረሰብን ኢትዮጵያ: ውግእ ጠጠው ክብል ጸዊዖም

2022-09-02 07:05:32 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 871 times

ማሕበር መማህራን ኢትዮጵያ ብ1 መስከረም 2022 ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራል ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዳግማይ ካብ ዝባራዕ ሰሙን ገይሩ ዘሎ ውግእ ጠጠው ኢሉ ናብ ሰላማዊ መፍትሒ ንክኣትዉ ጸዊዑ። እቲ ማሕበር ብተወሳኺ ከምዚ ዝኣመሰለ ህውከት ብዘይካ ድኽነት፡ ምርሕሓቕን ታሪኻዊ ተሓታትነትን ካልእ ፋይዳ ከምዘይህልዎ በቲ ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ዝለኣኾ መግለጺ ኣፍሊጡ ።

.ናይ ኢትዮጵያ ጥምረት ሲቪላዊ ማሕበራት ብተመሳሳሊ ናብቲ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝለኣኾ መግለጺ፡ ብዛዕባቲ ከም ሓድሽ ዝጀመረ  ሓደገኛ ውግእ ከቢድ ሻቕሎት ከም ዝሓደሮ ገሊጹ። እቲ ጥምረት እቲ ውግእ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ማሕበረሰብ ብፍላይ ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናት፡ ኣካለ ስንኩላን፡ ብዕድመ ዝደፍኡን ደቂ ኣንስትዮን ከቢድ ጉድኣት ከም ዘኸትል በቲ መገልጺ ሓቢሩ።

ክልቲኡ ማሕበራት  ኣብ ትግራይ ቀረብ ሰብኣዊ ረዲአትን መሰረታዊ ኣገልግሎትን ብዘይዕንቅፋት ዝቕጽለሉ ኩነታት ክፍጠር ተማሕጺኖም። ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ዘይምርግጋእ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብሰላማዊ መንገዲ ብቐጻሊ ንምፍታሕ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ካለኦት ዓለምለኻዊ ውድባትን ማሕበራትን ጻዕሪ ከካይዱ ብፍላይ ማሕበር መማህራን ኢትዮጵያ  ጸዊዑ። ጥምረት ሲቪላዊ ማሕበራት ኢትዮጵያ እውን ነዚ ናይ ማሕበር መምሃራን ናይ ሰላም መጸዋዕታ ደጊምዎ።

ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ቱርክ፡  ዓባይ ብሪታንያን ካለኦት ወገናትን እውን በብዝምልከቶም ኣካላቶም ኣቢሎም ውግእ ጠጠው ኢሉ ናብ ሰላማዊ መፍትሒ ክእተው ተደጋጋሚ መጸዋዕታ የቕርቡ ኣለዉ።

ነዚ ብ24 ነሃሰ 2022 ከም እንደጋና ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዳግማይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ “መን ጀመሮ?” ኣብ ዝብል፡ ዝካሰስሉ ዘለዉ እዩ።

Last modified on Friday, 02 September 2022 09:20