ስቓይ 5ይ ትውልዲ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ሱዳን

2022-08-19 08:51:21 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 739 times

ኣብዚ እዋንዚ 5ይ ትውልዲ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ሱዳን ብኣዝዩ ዘገርም ስቓይን መከራን ይሓልፍ ከም ዘሎ መርበብ ሓበሬታ ገዳብ ነዚ ብዝምልከት ብዘካየደቶ ዕሚቕ መጽናዕቲ ሓቢራ። በቲ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ዝተዘርግሐ ሓበሬታ መሰረት፡ ናይ ህግደፍ ጸጥታ ኣብ ሱዳን ምህላዉን ንጥፈታቱ ምሕያሉን ንኩነታት ናይዞም ኤርትራውያን ስደተኛታት ይግድዶን ይሓላልኾን ከም ዘሎ እውን እታ መርበብ ሓበሬታ ኣስፊራ። ኢድ ኣእታውነት ጸጥታ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህይወት ናይቶም ኣብ ኤርትራ ካብ ዘሎ ወጽዓ ክድሕኑ ዝሃደሙ ኣዝዩ ዘኽፈአ ኮይኑ ኣሎ።

ካብ 2000 ንደሓር ናይ ኤርትራን ሱዳንን ኣካላት ጸጥታ ብሓባር ክሰርሑ ምስ ጀመሩ፡ ህይወት ናይቶም ዝደተኛታት ኣዝዩ ከም ዝኸፈአ ገዳብ ኣብቲ መጽናዕታዊ ጸብጻባ ኣመልኪታ። ካልእ ንህይወት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ብፍላይ ኣብ ከተማ ካርቱም ኣጸጋሚ ካብ ዝገበሮ፡ ኣሰጋገርቲ ሰባት ምስ ገንዘብ ኣለዎም ዝብልዎም ናይቶም ግዳያት ቤተሰብ ርክባት እናፈጠሩ ከካይድዎ ዝጸንሑን ዘለዉን ገንዘባዊ ምዝመዛ ምዃኑ ኣብቲ ዜናዊ ጸብጻብ  ኣስፊሩ ኣሎ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ፡ ብፍላይ ነቶም ኣብ ካርቱም ዝበጽሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዝዩ መሪር ኮይኑ ከም ዝጸንሐ፡ ዝጠቐሰት መርበብ ገዳብ፡ መጠፋፋእቲ ሓለፍቲ ጸጥታ ሱዳን ነቶም ስደተኛታት ብዘይወዓልዎ ገበናት እንዳጸለሙን ብማእሰርቲ እናፈራርሑን  ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ  ከም ዝሓትዎም ኣቃሊዓ። እተን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዝኣስሩለን ኣብያተ-ማእሰርቲ፡ ዓማራት፡ ዴምን ሰሓፋን ኣብ ዝበሃል ከባብታት ካርቱም ዝርከባ እየን።

በቲ ካብ ገዳብ ዝተረኽበ ዜና መሰረት፡ ገንዘብ ክኸፍሉ ዘይከኣሉ ኤርትራውያን ኣብ ጸበብቲ ኮንተይነራት እዮም ዝእሰሩ። መግቢ ብዘይካ ሳሕቲ ካብ ገበርቲ ሰናይ ወይ ሓደሓደ ዓቕሚ ዘለዎም ቤተሰብ መኣስርቶም ካብ ካልእ ዝረኽብሉ ዕድል የብሎም። ምስዚ ብዝተተሓዘ እቶም ስደተኛታት ህይወቶም ንምድሓን ክዳውንትን ስልማት ደቂ ኣንስትዮን ክሸጡ ከም ዝግደዱ ተሓቢሩ።

እቲ ኣዝዩ ዘገርም፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ካርቱም ካብ ዘምጽኡ ኣምጺኦም ዝተሓተትዎ ገንዘብ ከፊሎም ካብ ማእሰርቲ ምስ ወጹ፡ ብሰላም ናይ ምቕጻል ውሕስነት ስለ ዘየብሎም፡ ተመሊሶም ናብቲ ዝነብርዎ ቤት ማእሰርቲ ይኣትዉ እሞ ከም ሓድሽ ካልእ ዓቐን ገንዘብ ክኸፍሉ ይግደዱ።  ነዚ ንክጥዕሞም ከኣ  እቶም ብላዕ ዝቕበሉ ነቶም ዝኸፍሉ ስደተኛታት ቅብሊት ኣይህብዎምን እዮም። እቲ ዑደት ከምኡ እንዳበለ ይቕጽል ኣሎ።

በቲ ሓበሬተ መሰረት ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ካርቱም ከም ዘየለ ምቑጻሩ  እዩ ዝቐልል። ምናልባት ምስቶም ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት በደል ዝፍጽሙ ኣካላት ዝሻረኽ ከይከውን ዝሰግኡ ወገናት እውን ኣለዉ።

Last modified on Friday, 19 August 2022 11:00