ኤርትራ ሓይልታታ ካብ ትግራይ ከተውጽእ፡ ሎሚ’ውን ተጸዊዓ
2022-05-05 19:06:21 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1321 timesኤርትራ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ እትገብሮ ዘላ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘይምርግጋእ ዘስዕብ ወተሃደራዊ ምትእትታው ደው ከተብሎ ኣመሪካ ከም ዝጸወዐት መርበብ ቢቢሲ/BBC ብ4 ጉንበት 2022 ብዝዘርግሖ ዜና ሓቢሩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ብ4 ጉንበት 2022 ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጹ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ “ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ይዝርግሕ ኣሎ” ክብል ብትሪ ነቒፉ።
እቲ ኤምባሲ የማነ ገብረመስቀል፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ነታ ብስም ዘይጠቐሳ ዳይረክተር ትካል ዓለምለኻዊ ልምዓት ኣመሪካ ዩኤስኤኣይድ/USAID ብዛዕባ ኤርትራ ስኑዕ ሓበሬታ ትዝርግሕ ኣላ ኢሉ ድሕሪ ምኽሳሱ ግብረ-መልሲ ክህብ ከም ዝተገደደ እቲ ካብ ቢቢሲ ዝተረኸበ ዜና ሓቢሩ።
እቲ ዜና፡ የማነ ገብብረመስቀል ብ29 ማዝያ 2022 “ዳይረክተር ዩኤሰአይድ ክትገልጾ ዝኸብድ ግጉይ ሓበሬታ ናይ ምዝርጋሕ ክእለት ኣለዋ” ከም ዝበለ ጠቒሱ፡ ከም ምንጪ ተጠቒማትሉ ዝበሎ ከኣ “ሁማኒታርያን” ዝበሃል መርበብ ምዃኑ ሓቢሩ።
ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ብተወሳኺ፡ "ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ይዝርግሕ ኣሎ" ዝብል ግብረመልሲ ብምሃብ፡ "ሓይልታት ኤርትራ ጾታዊ ዓመጽን ቅትለት ቆልዑን ዝርከቦ ኣሰቃቒ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ፡ ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ሕቡራት ሃገራትን ሰኒዶሞ እዮም" ክብል ብትሪ ወቒሱ።
መንግስቲ ኤርትራ፡ ሓይልታቱ ካብ ትግራይ ከውጽእን፡ ነቶም ግፍዕታት ዝፈጸሙ ብሓላፍነት ክሓቶምን ኤምባሲ ኣመሪካ ክጽውዕ እንከሎ፡ ኤርትራ ብወገና ነቲ ሓይልታታ ኣብ ትግራይ ፈጺሞም ዝብሃል ግፍዕታትን ግህሰት መሰላትን ክትነጽጎ ምጽንሓ ይፍለጥ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ጠቕሊሎም ክወጹ ምዃኖ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ገሊጾም ምንባሮም ዜና ቢቢሲ ኣዘኻኺሩ።
ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ካብዚ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ ብዓውታ ኣንጻር ግጉይ መግለጺታት ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ዝህቦ ዘሎ ግብረ-መልሲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቓልቦ ብዙሓት ኤርትራውያን ይረክብ ምህላዉ ዝዝከር እዩ።