×

Warning

JUser: :_load: Unable to load user with ID: 17

ባህሊ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2014 ፍራንክፎርት

2014-08-26 12:00:39 Written by  Published in EPDP News Read 127911 times

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ባህሊ ሓደ ኣገዳሲ ረቋሒ ካብ መሰረታውያን መለለይታት ሕብረተ-ሰብ ኢዩ። ስለዚ ድማ ኢዩ፡ ጽቡቅን ሕማቅን ፍጻሜታት/ተረኽቦታት ሓደ ህዝቢ ባህላዊ ምግለጺታት ዝህልዎ። ገዛእቲ ሓይልታትን ጨቈንቲ ስርዓታትን ንመንነት ሓደ ሕብረተ-ሰብ ንምጥፋእ ኣብዝህቅንሉ ግዜ፡ ብመጀመርታ ንዝጸንሐ ህዝባዊ ባህልን ልምድን ከጥፍኡን በቲ ንዓኣቶም የገልግለና ኢዩ ዝብልዎ ኣገባብን ክቕይርዎ ኢዮም ዝጽዕሩ። ተመኮሩ መግዛእትን ጭቆና ስርዓት ህግዲፍን ድማ ነዚ እዩ ብተደጋጋሚ ዘርእየና ዘሎ። ኤርትራ ሃገርና ዝተፈላለየ ባህላዊ ያታታትን መለለይታትን ዘለዋ ሃገር ብምዃና ድማ ክዕቀቡን ክምዕብሉን ዘለዎም ባህላዊ ልምድታት ከምዘለዉዋ ዝካሓድ ኣይኮነን። ባህላዊ ምዕባለን ተቐይሮን ግን፡ ብሓይልን ብድልየት ገዛእትን ዘይኮነስ፡ ውጽኢት ስልጣነን ሓባራዊ ቁጠባዊ/ኢኮኖምያዊ ዕብየትን ኢዩ።

ክብሪ ወዲ-ሰብን፡ ሃይማኖታዊ እምነት ምሕላው፡ ሓደራመብጻዓ ምኽባር፡ ኣብ ሕማቅን ጽቡቕን ምትሕግጋዝ፡ ወለድን ዓበይትን እኽልን ምኽባርን ዝኣመሰሉ ተግባራት ገለ ካብቶም ህዝቢ ኤርትራ ዝሕበነሎም ጽቡቕ ባህልታት ኢዮም ነይሮም። ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራ ግን፡ ክብሪ ወዲ-ሰብ ጠሪሱ ጠፊኡ፡ ኣጋድሞ፡ ኣደቅሶ፡ እለዮ ዝባሃለሉ፡ ወለድን ዓበይትን፡ መጸውዒኦም ኣታ፤ኣቲ ኰይኑሉ ዘሎ እዋን ኢና በጺሕና ዘለና። ብርእሰ ህግዲፍ ዝጀመረ ጥልመትን ክሕደትን ስድራታት ክታሓላሎን፤ ሕድሕድ ክካሰስን ይርከብ። ዝወደቐ እኽሊ ኣልዒልካ ተሳሊምካ ይብላዕ ወይ ከኣ ኣልዒልካ ኣብ ብርኽ ዝበለ ቦታ ይቕመጥ ከምዘይነበረ፡ ሎሚ ግን ህዝብና ብጥሙይ ከብዱ እንከሎ፣ ስርዓት ህግዲፍ ብዘተኣታተዎ ጽዩፍ ልምዲ፤ ኣብ ዝኣጐዶ ጓይላ፤ ጎጎን ቕጫንስ፥ ዋልታን ሴፍን ተረኺቡለይ መደበልን መሳዕስዕ ኰይኑ፡ ብማዓት ናይ ለመና ጸጉሪ ክጽፋዕ፡ ብዘይተኣደነ ጨና መና ክቛማጣዕ ክትርእዮ እንከለኻ ብጣዕሚ ዘሕዝን ኰይኑ፡ ካንዶ ዶ እዚ ህዝብናስ _____ የብለካ። እዚ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ህዝብና ንቅድሚት ከይጥምትን ንከይሓስብን፡ ኣብ ሕሉፍ ተመኩሮታት ናይ ውግእ ተዓጽዩ፡ ኣብቲ ኢሳያስ ዝደልዮ ጃህራን ፈኸራን ንኽነብር ህግዲፍ ይጽዕር ኣሎ። እዚ ድማ ናይ ብዙሓት ጨቆንቲ ጠባይ ደኣምበር፡ ህዝብናስ “ንዝገበረልካ ግበረሉ ወይ ንገረሉ” ካብ ምባል ሓሊፉ፡ ባዕሉ ንዝፈጸሞ ዕዉት ተግባራት ከም ልምዲውን ክፍክረሉን ክጃሃረሉን ተሰሚዑ ኣይፈልጥን። ከምዚ ሎሚ ብህግደፋውያን ዝኸይድ ዘሎ ዘመተ ክሰምዕ እንከሎውን ዓጃው-ጀው ብዝብል ገለጻ ጐስይዎ ክሓልፍ ኢና እንሰምዕ።

ደምበ ተቓውሞ ነዚ ብሰሪ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ኤርትራ ሰፊኑ ዘሎ ኣጸያፊ ልምድታት ምሕዩ ንምድርባር፡ ምስ ውድቀት ናይቲ ስርዓት ዝተኣሳሰር እዃ እንተኾነ፡ ንቡር ባህልን ልምድን ህዝቢ ኤርትራ ናብ ቦታኡ ንምምላስ ግን፡ ኣብ መዓልታዊ ሂይወቱ ካብ ከዘውትሮ ዘለዎ ዕማማት ኢዩ። ምኽንያቱ ጥዑይ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ምህናጽ ህዝባዊ ባህልን ስርዓትን ኣገዳሲ ተራ ከምዘለዎ እንግንዘቦ ኢዩ። መንእስያትና ድማ ክፈልጥዎን ክወርስዎን ካብ ዘለዎም ጸጋታት ሓደ ኢዩ።

ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2014 ብመንጽር ናይቲ ገለ ደገፍቲ ህግዲፍ ኢና ባሃልቲ ዘዳልዉዎ በዓላትን ውራይን ክረኤ እንከሎ፡ ንተመኩሮ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ተጋደልቱን ዘኽብር፡ ኣብ ነጻነታዊ ቃልሲ ንዝነበራ ውድባትን ተራኤንን ዘመጉስ፡ እቲ ኣብዚ እዋንዚ ንቓልሳዊ ተመኩሮ ህዝቢ ኤርትራ ዘናኣኣስን ክብሪ ዝኸልእን ብገለ ሃገራውያ ዝወጽእ ዘሎ መወከሲ ዘይብሉ ጽሑፋት ታሪኽ ክባሃል ዝኻኣል ከምዘይኮነ፡ ተመኩሮ ጀብሃ ኮነ ሻዕብያ ናይ መላእ ኤርትራዊ ታሪኽ ምዃኑ ዘረጋግጽ ነይሩ። ብኣውራኡ ድማ ኣብ መድረኽ ካብ ዝነበሩ መንእሰያት “ኣነ ቅድሚ ዓበይቲ ኣያታተይን ኣሕዋተይን ክዛረብ ዘይግባኣኒ ምዃኑ፡ ካባይ ንላዕሊ ብተመኩሮ ዝበሰልኩምን እትፈልጡን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብዚ ገዛ ምህላውኩም’ውን እንዳፈለጥኩ እየ፡ ኣብ ቅድሜኹም ወጺኤ ዝዛረብ ዘለኹ፡” ናይ ዝብሉ መንእሰያት ድምጺ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ ምስማዕ ምልክት ስዕረት ህግደፋዊ ልምድን ምምላስ ክብሪ ወለዲ ናብ ቦታኡን እዩ።

ሙዚቓዊ ልምድታት ጃንዳ ህግዲፍ ኣብ በሎ: በሎ ዝተሰረተ፡ ጸረ-ሰላምን ፍቅርን ክኸውን ከሎ፡ ፈስቲቫል 2014 ፍራንክፎርት ግን፡ “በዲልክና ባሕሪ” ብዝብል ነቲ ልሳን ህግዲፍ ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ክብል መላገጺ ዝገበሮ ሂይወት ናይ ኣማእት ዜጋታት፡ ኣብ መላኣ ከርሲ ኤርትራውያን ግን፡ ኣሕዛኒ ተዘክሮታት ዝገደፈ ናይ 3 ጥቅምቲ 2013 ተረኽቦ ህልቂት ኤርትራውያን ኣብ ባሕሪ ላምፐዱሳ ዘዘኻኽርን፡ ንቃልሲ ሓርነት ዘዕጥቕን፡ ወኒ ሓርበኝነት ዘላዓዕልን ኢዩ ነይሩ። መሰንቆ/ጭራ-ዋጣ ኢዮብ ሃይለ ካብ ብረታዊ ተጋድሎ ክሳብ ለይተ ሎሚ ከይተሓለለት ንሰላምን ሓባራዊ ዕብየት ጐረባብቲ ሃገራት ክትዝምር፡ ክራር ዓንዲት ዑቅባይ ክተት ብሓደ ኢድ ንሓርነት፡ ኩሉ ዝዓደሎ መድሃኔ ህብትዝጊ ብትግረን ብሌንን ክብራይ ትውለዋለ፡ ወሊሎይ፡ ክብሉ ሓደ ድሕሪ ሓደ ክትሰምዕ እንከለኻ፡ ባህላዊ ጸጋታት ኤርትራና ህያው ይኰኑ ዘየብል ኣይነበረን።

ጊታርን ኪቦርድን፡ ሳክስፎንን ክራርን ሙዚቐኛታትን ከኣሞ ይበል ናይ ሓርነት ድምጺ ዘብል ኢዩ ነይሩ።

እዚ ጥራሕስ መኣስ ኰይኑ፡ ሙዚቐኛ ዓንዲት ዑቅባይ፡ ኣለኹም ዶ ደቂ-ጀብሃ ዓባይ፡ ኣለኹም ዶ ደቂ ሻዕብያወ ኣቱም ሰብ ቀደመ! ዝብል ዜምኡ፡ ንዝሓለፈ ቕያታትን፡ ሰረተ ፍትሕን ዲሞክራስያዊ ትልምታት ቃልስ ህዝብናን ዘዘኻኽር፡ ቅኑዕ ናይ ቃልሲ ውርሻታት ዘመልክት ብምንባሩ፡ ገለ ከኹድድ ክወዛወዝ ከሎ፡ ገለ ድማ ብኾፉ/ብቕምጡ ኣብቲ ኣደራሽ ዘይተቖጻጸየ ኣይነበረ።

ብዘይካዚ ህግዲፍ ምስ መራኸቢ ብዙሃን ካብ ዘለዎ ሽግር ክሳብ ምስጓግ ናይ ወጻኢ ዜና ማዕከናት ምብጽሑ ዓለም ዝፈለጦ ሓቂ እዩ።፡ ፈስቲቫል ኤርትራ 2014 ግን፡ ካብ ህዝቢ ዝሕባእ ስራሕን ዕላማን ስለዘይነበሮ፡ ዋላ ነቶም ናይ ጋዜጠኝነት ኣገባብ ኣይሓዙን፡ ምልክት ዝውክልዎ ዜናዊ ትካልውን የብሎምን ዝበሎም ደቂ-ሃገርውን፣ ንምሉእ ከይዲ ናይቲ ፈስቲቫል ክስእሉን ብፊልም ከልዕሉ ንዝደልዩ እንታይ ይብሉ ብዘየገድስ፡ ምሉእ ፍቓዱ ዝለገሰ ፈስቲቫል’ዩ ነይሩ። ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ድማ ይዕበ ይንኣስ መጋባእያታቱ ብነጻ ኤርትራውያን ዝቃላሕን ናብ ህዝቢ ዝበጽሕን ክገብሮ ተደላይነቱ ዕዙዝ እዩ። ከምዚ ክሳብ ዘይተገብረ ድማ ካብ ህዝቢ ተኸዊሉ ዝብጻሕ ውዑላትን ስምምዓት ደምበ ተቓውሞ ኩሉ ግዜ ኣብ ምክሳስ ክነብር እዩ።

ስለዚ እቶም ንፍትሕን ንስርዓተ ሕግን ንምንጋስ ኣብ ቃልሲ እንርከብ፡ ኣወንታዊ ታሪኽና፡ ልምድናን ባህልናን ክንዕቅብን ከነማዕብልን ስለዝግባእ፡ ኣካልን ተምሳልን ናይቲ ንስርዓት ህግዲፍ ንምውዳቕ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ጌርና ክንወስዶ ኣለና። ውድቐት ስርዓት ህግዲፍ ማለት ንሱ ዘታኣታተዎ ሕማቕ ማሕበራዊ ብልሽውናን ልምድታትን ምድርባይ’ውን ማለት እዩ።

እዚ ዝተጠቕሰ እወንታዊ ሸነኽ ባህላዊ መዳይ ፈስቲቫል 2014 ክኸውን እንከሎ ኣብዚ ንምብጻሕ ግን፡ ውራይና ኢልካ ስለዝተታሕዘ’በር፡ “ትጽቢት ድራሩስ የእርግ” ብዝብል ምስላ ወለዲ ክግለጽ ዝካኣል’ዩ። በዚ መሰረት፡ ደምበ ተቓውሞ፡ ናይ ግዜ ሰሌዳ ብኣግኡ ንዝምልከቶ ከምዝባጻሕ ምግባር፡ ናይ ግዜ ክብሪ ምሕላው፡ ብዝተዋህበካ ደቓይቕ ከተጠቓልል ምኽኣል፡ ትሕዝቶ ናይ ደገፍ መግለጺ ምልላይን ዝኣመሰሉ ነገራት ከም ባህሊ ከታኣታትዎምን ክሕዞምን ምተገብኤ ኣገዳሲ ድማ’ዩ።

                

Last modified on Sunday, 31 August 2014 01:05