ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ብውሕዱ 35 ስደተኛታት ሞይቶም

2022-04-18 08:43:28 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 838 times

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ጉዳይ ስደተኛታት፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊቢያ ናብ ኤውሮጳ ኣቕኒዖም ተሳፊሮምዋ ዝነበሩ ጀልባ ስለ ዝጠሓለት ብውሕዱ 35 ስደተኛታት ከም ዝሞቱ ብ16 ማዝያ 2022 ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት {International Organization for Migration (IOM)} እታ ስደተኛታት ተሳፊረሙዋ ዝነበሩ ጀልባ ኣብ ምዕራባዊ ሊቢያ ጥቓ ከተማ ሳብራታ ከም ዝጠሓለት እዩ ሓቢሩ። ከተማ ሳብራታ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብባሕሪ መዲተራንያን ኣቢሎም ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ሓደገኛ ጉዕዞ ንምጅማር  ዝእከቡላ  እያ።

እቲ ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት (IOM) ኣተሓሒዙ፡ ናይ ሽዱሽተ ስደተኛታት ኣስከሬን ኣብ ባሕሪ ክርከብ እንከሎ፡ ናይቶም 29 ኣሰር ግና ከምዘይተረኽበን ሞይቶም ዝብል ግምት ከምዘሎን ብተወሳኺ ሓቢሩ። እታ ብዕንጸይቲ ዝተሰርሐት ጀልባ ስለምንታይ ከም ዝጠሓለት ብኣጋኡ ዝተገልጸ ምኽንያት ከም ዘይነበረ እውን እቲ ዜና ጠቒሱ።

ሬድዮ ኤረና ብወገና፡ ቁጽሪ ብማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ዝሃቅኑ፡ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ብዝተዓጻጸፈ ይውስኽ ከም ዘሎ ኣፍሊጣ። እቲ ካብ ኤረና ዝተረኽበ ዜና ብተወሳኺ፡ ብሓፈሻ  ዓመተ 2022  ካብ እትኣቱ፡ ልዕሊ 4 ሽሕ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ እንከለዉ ተታሒዞም ናብ ሊብያ ክምለሱ እንከለዉ፡ ብውሑዱ 417 ሰባት ከኣ ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ናይ ዝምልከቶም ትካላት ጸብጻብ ብምጥቃስ ኣመልኪታ።

 

Last modified on Monday, 18 April 2022 10:59