መገሻ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ናብ ኢትዮጵያን ካብ መዝነቶም ምውራድን

2022-04-13 20:00:22 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 818 times

ፍሉይ ልኡኽ  ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ፡  ዳቪድ ሳተርፊልድ ምክትሎም ፓይቶን ክኖፕፍ ኣኸቲሎም  ብ13 ማዝያ 2022  ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝተጓዕዙ ናይታ ሃገር ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ሓቢሩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ መጺሐት ፎረይን ፖሊሲ (FOREIGN POLICY)  እቶም ፍሉይ ልኡኽ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ካብ መዘቶም ከም ዝወርዱ ኣፍሊጣ።

እቶም ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ፡ ወከልቲ ሰብኣዊ ትካላትን  ዲፕሎማትን ከም ዝራኸቡ እቲ ዜና ሓቢሩ። ዕላማ መገሸኦም ነቲ ኣሜሪካ ቅድሚ ሕጂ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት፡  ህውከት ጠጠው ንምባል፡ ቀጻሊ ዋሕዚ ሰብኣዊ ሓገዝ ንጽጉማት ንምቕራብ፡ ግሉጽ ምጽራይ ብኹሎም ወገናት ዝተፈጸመ ሰብኣዊ ግህሰትን ጥሕሰትን ንምትግባርን  እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም ብዓብይኡ ብዘተ ንክፍታሕን  ክትገብሮ ዝጸንሐት ጻዕሪ ምቕጻል ምዃኑ ተፈሊጡ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ መጺሐት ፎረይን ፖሊሲ (FOREIGN POLICY)  ብዛዕባቲ ጉዳይ ብቐረባ ይፈልጡ ዝበለቶም ብምጥቃስ፡ እቶም ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ትሕቲ ናይ 6 ኣዋርሕ ግዜ ብምግልጋልን ናይቲ ከባቢ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣብ ዘይረገኣሉን  ኣብ ቀረባ ግዜ ካብ መዝነቶም ከም ዝወርዱ ሓቢራ። ናይዞም ልኡኽ ካብ መዝነት ምውራድ ኣብ ትጽቢት ከምዘይነበረን ምክትሎም ብግዝያውነት ከም ዝትክእዎምን ድማ ጠቒሳ።

ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ናይ ፍሉያት ልኡኻት ኣሜሪካ ብተደጋጋሚ ምቅይያር፡ ምምሕዳር ፕረሲደንት ባይደን ናይቲ ዞባ ጸገማት ንምፍታ ብዛዕባ ዘለዎ ቅሩብነት ሕቶ ዘልዕል ምዃኑ እቲ ዜና ኣመልኪቱ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ሓደ ዓመት ግዜ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ናብ ኩሎም ተዋሳእቲ ወገናት ዝዓለመ ሕቶታት ክለዓል ከም ዝጸንሐን፡ ሱዳን ብወገና ኣብ ዝተመሳቐለ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኩነታት ከም እትርከብ እቲ ዜና ኣስፊሩ።

Last modified on Wednesday, 13 April 2022 22:10