5 ኤርትራውያን ንብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ተሓጽዮም

2021-11-27 17:58:56 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1016 times

ሓሙሽተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ምስ ካለኦት 10 ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ንብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተቀዳዳማይ 2021 ክወዳደሩ ከም ዝተሓጽዩ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ሓቢሩ። እዞም 5 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 15 ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ብስክሊት ኣብቲ ዝካየድ ዓመታዊ  ውድድር ብኣካየድቲ ውድድር ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ (ዙር ጋቦን) ዝውሃብ ኣፍሪቃዊ ሽልማት ንምውሳድ ዝተሓጽዩ እዮም።

እቶም ነቲ ኣህጉራዊ  ውድድርን ሽልማትን ተሓጽዮም ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ኣብ ቅድድም ሻምፕዮና ዓለም ተሸላሚ ብሩር መዳልያ ዝኾነ ቢንያም ግርማይ፡ መርሃዊ ቅዱስ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ናትናኤል ተስፋጽዮንን ናሆም ዘርኣይን እዮም።

እቶም መወዳርቶም ከኣ፡ ጉስታቭ ባሶን፡ ኒኮላስ ዲላምኒ፡ ርያን ሂብሲን  ልዊስ መንቲጅስን ዝተባህሉ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ይርከብዎም። ኣብ ርእሲዚ ቦፓውል ዳውሞትን ሶሊማነ ኮነን ዝተባህሉ ደቂ ቡርኪናፋሶ፡ ዝሳተፉ ኮይኖም፡  ካብ ካሜሩን ከኣ፡ ብክሎቪስ፡ ካምዞንግን ኣርቱስ ተላን፡ ኣሊስያካ ሲሶን ካብ ኣይቮሪኮስት፡ ያሲር ሓምዛ ካብ ኣልጀርያን እውን  ከም ዝተሓጽዩ እቲ ዜና ሓቢሩ።

ኣብ 2020 ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይን ያሲም ሓምዛ ካብ ኣልጀርያን ዝበለ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ” ተባሂሎም ብኣካየድቲ ላ ትሪፒካለ ምሽላሞም ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ 2021 ቢንያም ግርማይ ቅድሚ ሕጂ ብዘርኣዮ ተወዳዳርነትን ብዘመዝገቦ ዓለምለኻዊ ውጽኢትን  ንናይ 2021 ክወስድ እዩ ዝብል ልዑል ግምት ኣሎ ።

ቢንያም ግርማይ 24 መስከረም 2021 ኣብ ቤልጂም፡ ፍላንደርስ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሻምፕዮን ብሽክለታ ዓለም ናይ ትሕቲ 23 ዓመት 2ይ ደረጃ ብምውጻእ ተሸላሚ ብሩር ሜዳልያ ምዃኑ ይዝከር።

ቢንያም ንኤርትራ ኣብ ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ፈላሚ መዳልያ ዘመዝገበ ተቐዳዳማይ ብምዃን ዝበረኸ ዓወት ምስ ምምዝጋቡ ኣብዚ ተሓጽይዎ ዘሎ ውድድር ክዕውት ከምዝኽእል ብዙሓት ይግምቱ። እዚ ውድድር ካብ ዝተጀመረሉ 2012 ኤርትርውያን ተወዳደርቲ ንሓሙሽተ ግዜ ብልጫ ምውሳዶም ኣብቲ ጸብጻብ ተሓቢሩ።

Last modified on Saturday, 27 November 2021 19:37