5 ኣባላት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ኡጋንዳ ተሰዊረን

2021-11-03 09:51:35 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 991 times

ካብታ ኣብ ኡጋንዳ ክትወዳደር ዝቐነየት ጋንታ ትሕቲ 20 ዝዕድሚአን ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡  ሓሙሽተ ካብኣተን ብ2 ሕዳር 2021 ኣብ ካምፓላ ከም ዝተሰወራ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ሓቢራ። እቲ ብ30 ጥቅምቲ ዝጀመረን ክሳብ 9 ሕዳር 2021 ዝቕጽልን ከባብያዊ ውድድር ምብራቓውን ማእከላይን ኣፍሪቃ (ሰካፋ) ኮይኑ፡ ትሕቲ 20 ዓመት ዝዕድመን ደቂ ኣንስትዮ ዝሳተፋሉ እዩ። ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብዚ ውድድር ኣብ ዝገበረቶ 2ተ ግጥማት፡ ብታንዛንያን ብኢትዮጵያን ከም ዝተሳዕረትን 3 ሕዳር 2021 ከኣ ምስ ኣእንጋዲት ሃገር ኡጋንዳ ክትጻወት መደብ ከም ዝነበራን እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።

እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ ኣብ ናይ ክልተ ዓመታት ግዜ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ብተመሳስሊ ኣገባብ ክጠፍኡ እዚ ንኻለኣይ ግዜ ኮይኑ፡ ኣብ 2019 እውን 5 ኤርትራውያን ደቂ ተባዕትዮ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ከም ዝጠፋኣ ዘኪሩ። ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ምብራቓውን ማእከላይን ኣፍሪቃ ነዚ ምስዋር 5 ኤርትራውያን ተጻወቲ ብዝምልከት ኣብ ዘወጸኦ መግለጺ፡ እቲ ጉዳይ ይጻረ ከም ዘሎ እዩ ሓቢሩ። ካብ ኡጋንዳ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ ከኣ ናይቲ  ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ዳይረክተር ተጻወቲ ዘይሃድምሉ ምድላዋት ተገይሩ ኣሎ ከም ዝበሉ ዝጠቅስ እዩ።

እቲ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ምብራቓውን ማእከላይን ኣፍሪቃ ኣተሓሒዙ ኣብቲ ጉዳይ ምስ ኡጋንዳውያን ብሓባር ይሰርሑ ከም ዘለዉ  ኣፍሊጡ ኣሎ። ኡጋንዳውያን ኣባላት  ናይቲ ማሕበር  ብወገኖም፡ ነቲ ዘጋጠመ ኩነታት ዝምልከት ሓበሬታ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ኣመሓላሊፎም  ምስ ዝምልከቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ  ናይታ ሃገር  ይሰርሑ ከም ዘለዉ ኣብፍሊጦም፡ ተጻወቲ ኣብቲ ዝተመደበሎም ሆቴላት ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከም ዝነበሩን ግቡእ ሓለዋ ከም ዝነበረን ሓቢሮም።

ቅድሚ ሕጂ ብ2019 ተጻወቲ ጋንታ ኤርትራ ትሕቲ 20 ዓመት ካብ ኡጋንዳ፡ ከምኡ ከኣ ብ2015 ዓሰርተ ኤርትራውያን ተጻወቲ ካብ ቦትስዋና፡ ብ2013 ኣብ ኡጋንዳ 13 ኤርትራውያን ምስ ሓኪሞም ናብ ሃገርና ኣይንምለስ ኢሎም ሕቶኦም ተቐባልነት ከም ዝረኸበን፡ ብ2009 ከኣ ኣብ ኬንያ ብዘይካ መሪሕነትን ኣሰልጣንን፡ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ብምሉኣ ናብ ኤርትራ ከምዘይተመልሰት ኣብቲ ናይ ቢቢሲ ዜናዊ ጸብጻብ ከም ድሕረ ባይታ ጠቒሱ።

ናይዚ ኩሉ ናይ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ናይ ዘይምምላስ ውሳነ ጠቂ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ብብዙሕ መልከዓት ዝግለጽ ግህሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ምዃኑ፡ ከም ኣምንስቲ ኢንተርናሽል ዝኣመሰሉ ተመጐቲ ሰብኣዊ መሰላት ክገልጽዎ ዝጸንሑ እዩ።

Last modified on Wednesday, 03 November 2021 11:09