ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ዓሊ እንደጋና፡ ንቀዳማይ ሚኒስተርነት ተሰይሞም

2021-10-04 19:40:21 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1059 times

ናይ ኢትዮጵያ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ (ፓርላማ)፡ ብ4 ጥቅምቲ 2021 ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ኣብ ዘካየዶ 6ይ ዙር ምምስራት መንግስቲ፡ ንዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ዓሊ  ንቐጻሊ 5 ዓመታት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኖም ክቕጽሉ ሰይምዎም። እቲ ካብ 547 ኣባላቱ 425 ዝተሳተፍዎ፡  ብኣባላት ሰልፊ ብልጽግና ዝተዓብለለ ቤት ምኽሪ፡ ነቶም ኣፈባይቶ ኮይኖም ክሰርሑ ዝጸንሑ ኣቶ ታገሰ ጫፎ እንደጋና ኣቐጺልዎም። ወይዘሮ ሎሚ በዶ ዝተባህላ ፖለቲከኛ  ከኣ ምክትል ኣፈ ባይቶ ኮይነን ተመሪጸን። ኣብዚ ናይ ንግሆ ክፋል ኣኼባ፡ ወይዘሮ ሳህለወርቅ ዘውደ ፕረሲደንት ፈደራላዊት ረፐብሊክ ኢትዮጵያ ነቲ ናይ ክልቲኡ ኣብያተ-ምኽሪ ናይ ሓባር ኣኼባ ምስ ከፈታ፡  ብዛዕባ ኣብዚ  ቀጻሊ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ክዕመሙ ዝግበኦም መደባት ስፍሕ ዝበለ መደረ ኣቕሪበን።

ጐኒንጐኒ፡ ናይዚ  መስራቲ ኣኼባ ፓርላማ ዝተኻየደሉ ግዜ፡ ናይ ኢትዮጵያ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኣኼባ ተኻይዱ። እዚ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን፡ ክሳብዚ ቀረባ መዓልታት ናይ ክልል ኣምሓራ ፕረሲደንት ንዝነበሩ ኣቶ ኣገኘሁ ተሻገር  ኣፈባይቶ ገይሩ መሪጽዎም። ምክትሎም ከኣ ኣብ ክልል ዓፋር በዓልቲ መዚ ዝነበራ ወይዘሮ ዛህራ ኡመድ መሓመድ ኮይነን።

ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ዓሊ፡ ኣብቲ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣብ ኣደራሽ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ቀዳማይ ሚንስተር ኮይኖም ብመንገዲ ወይዘሮ መኣዛ ኣሸናፊ ፕረሲደንት ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ቃለ መሓላ ፈጺሞምም።  ድሕሪ ቀትሪ ብወተሃደራዊ ሰልፍን ሙዚቃዊ ምርኢትን ተሰንዩ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ብርክት ዝበሉ ዕዱማት ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ዝቐጸለ ሰፊሕ ጽንብል፡ እቶም ቀዳማይ ሚኒሲተር  ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ንታሪኽ ኢትዮጵያን ንመስርሕ እቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ምርጫን ዝምልከት ስፍሕ ብዝበለ ገሊጾም። ንኣመዓባብላ ናይቲ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ዝምልከት እውን እቲ ልሙድ መርገጾም ኣንጸባሪቖም፡ ንምህናጽ ሓያል ሰራዊት ከም ዝቕጽልዎ’ውን ገሊጾም። ንተግባራት ምዕራባውያን መንግስታት  ጠቒሶም ከኣ ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን ሃገራት ኣፍሪቃ ጸዊዖም።

ኣብዚ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ዝተኻየደ ጽምብል፡ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ዩወሪ ሞሰቪኒ ናይ ዩጋንዳ፡ ሳልቫኬር ማርደት ናይ ደቡብ ሱዳን፡ ዑመር ገለ ናይ ጅቡቲ፡ እሁሩ ከንያታ ናይ ኬንያ፡ መሓመድ ፎርማጆ ናይ ሶማልያ፡ ማሳኪ ናይ ሰኔጋል፡ ኣሕመድ ቡሃሪ ናይ ናጀርያን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮንጎን ተረኺቦም።

 እዚ ከኣ ብዘይካ ናይ ኤርትራን ሱዳንን ናይ ኩለን ንኢትዮጵያ ዘዳወበኣ ሃገራት መራሕቲ ከም ዝተሳተፉ  እዩ። ካብዞም ኣብቲ ጽንብል መደረ ዘስምዑ፡ መራሕቲ፡ ናይ ጅቡቲ፡ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን፡ ብቐጥታ እኳ እንተዘይኮነ፡ ኣዝዩ ረቂቕ ብዝኾነ ውሕልነት፡ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ገጢሙ ዘሎ ወጥሪ፡ ብሰላም ክፈትሖ ኣተሓሳሲቦም፡ ኣብቲ መስርሕ ክተሓባበርዎ ቅሩባት ምዃኖም ዘመልክት መልእኽትታት ኣመሓላሊፎም።

ኣብ ቀጻሊ መዓልታት ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ናይ ሓድሽ ካቢነኦም ኣባላት ናብቲ ቤት ምኽሪ ኣቕሪቦም ከጽድቑ ትጽቢት ኣሎ።

Last modified on Monday, 04 October 2021 21:46