መግለጺ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ብምኽንያት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ

2021-09-05 19:16:35 Written by  ኣቦ መንበር ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1234 times

ሰላምታ ንመራሕትን ኣባላትን ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ

ሰላምታን ምስጋናን ንኣሰናዳኢት ሽማግለ በዓል ባሕቲ መስከረም

ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ

ኣብ’ዚ ንታሪኽ ህዝብና ቅኑዕ መንገዱ ኣብ ምትሓዝ ወሳኒ ተራ ዝነበሮ ክቡር መዓልቲ፡ ኣብ መንጎኹም ተረኺብና ርድኢትና ከነንጸባርቕ ንዝገበርኩምልና ዕድመ ዕዙዝ ምስጋና ነመሓልላፍ። ኣካል ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብምዃን ነዚ ዕድል’ዚ ክንጥቀም የኹርዓና፡ የሐብነና። ብስም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ (ሰዲህኤ) ከኣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ እንቋዕ ናብ መበል 60 ዓመት ዝኽሪ ምጅማር ተጋድሎና ኣብቅዓና ብማለት፡ ሰላምታ ጽንዓትን ዓወትን ነመሓላልፍ።

ኣሓትን ኣሕዋትን!

ቅድሚ ኩሉ ኣብ’ዚ ዕለት’ዚ ነቲ ኣቦ ብረታዊ ቃልስና ዝዀነ፡ ስለ’ዛ ሃገር ድማ ህይወቱ ዝኸፈለ ጅግና ተጋዳላይ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ንዝክር። ንስዉእ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ፡ ስሙ ከነልዕል ከሎና ምስ ጅግንነትን ቆራጽነትን ንተኣሳሰር፣ ንተዋፍይነትን፡ ንጽንዓትን ንጥምጠሞም፣  ንኣይሰዓርን በሃልነት ንሓቑፎ፣ ንተስፋ ንውንንኖ ንዓወትን ሃገራዊ ሓድነትን ድማ ነማዕድዎ። እዚ ስለ ዝዀነ ባሕቲ መስከረም ኣባናን ኣብ መላእ ህዝብናን ክብርቲ መዓልቲ እያ። መዓልቲ ቃልስን ጽንዓትን ዓወትን።

ተጋዳላይ ሓምድን ምስኡ ዝተበገሱ ውሑዳት ተጋደልትን፡ ብሓደ መስከረም 1961፡ ኣብ ጎቦታት ኣዳል ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ከበስሩ ከለዉ፣ ሽፋቱ እዮም ተባሂሎም። ይኹን’ምበር እዞም ዉሑዳት ሸፋቱ ዝተባህሉ በተን ዝነበራኦም ውሑዳት ኣጽዋርን ብሃገራዊ ራኢን ተስፋን ተሰንዮም ብምቕጻሎም፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሓወሶ፡ ቃልሲ ክካየድን ኣብ መወዳእታ ነቲ ሓያል፡ ሰራዊት መግዛእቲ ኢትዮጵያ ክስዕርን በቒዑ። ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ኣብነታዊ ቃልሲ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዝረኸበ ናጻ ሃገረ ኤርትራ ክሃንጽ በቒዑ። ነዚ ዕለት’ዚ ከነኽብር ከሎና እምበኣር ንጽንብል ዓወት ጥራይ ዘይኰነ ነቶም ምእንቲ ዓወት ዝተሰውኡ ንምዝካር እውን እዩሞ፡ ስዉኣትና ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ይኹኖም፡ ዓቢ ክብሪ ከኣ ይብጻሓዮም።

ድሕሪ ናጽነትክ?  

ድሕሪ ናጽነት፡ ሕልሚ ዓዋተ፡ ከምኡ’ውን ባህጊ ህዝቢ በኒኑ እዩ። ዓዋተ ድሕሪ ምሕላፉ ካልእ ዓዋተ፡ ናይ መድረኽ ናጽነት ዓዋተ፡ ሓድሽ ዓዋተ ኣይረኽብናን። ካብ ጭቆና ተናጊፍና፡ ደጊምስ ሓዊና እናበልና ተደጊስና፤ ብናጽነት ተኻሒስና እናበልና ተጠሊምና፤ ካብ ዕዳ ተናጊፍና እናበልና፡ ሓድሽ ወለዶና ዝስከሞ ሓድሽ ዕዳ መጺኡና።  ደጊም ወዲእና ኢልና ሩፍታ እናተመንነና ሓድሽ ድኻም ሓድ መገሻ ናብ ስደት ኣርኪቡና።

ቀሲንና ኢልና ኢና፤ ግን ተገሪህና’ምበር ለካስ ኣይቀሰንናን። ብሓጺሩ ብዙሕ ግዜ ንዝተባህለ ስቅያት ህዝብና ንዘይምድጋም፡ጌና ኣብ 2021 ህዝብና ኣብ ናይ ኲናት እቶን ዝነድድ ዘሎ ህዝቢ ኰይኑ’ሎ። እቲ መሪር ሓቂ ኤርትራና፡ ነቲ ግዳማዊ ገዛኢ ብውሽጣዊ ገዛኢ ቀይራቶ’ምበር ነቲ ግዝኣት ንባዕሉ ኣየጥፋእቶን። እንሆ’ምበኣር እዛ ሃገር ኣብ ትሕቲ ድሌት ሓደ ውልቀ መላኺ እትሳቐ፡ ብስምዒት ሓደ ውልቀ መላኺ እትመሓደር ሃገር ኰይና’ላ። እቲ ምረት ኣብዚ’ዩ ዘሎ።

ሕጂኸ?

ኣብዚ መድረኽ’ዚ እቲ ዝኸፍአ ገጢሙና ኣሎ። ጉዳይ ልዑላውነትን ናጽነትን ኣብ ሓደጋ ይወድቕ ኣሎ።  ከባቢና ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ናብ ኣዕናዊ ኲናት ኣብ ዝኣተወሉ፡ እቲ ስርዓት ካብ’ቲ ከቢብዎ ዝጸንሐ ናይ ውድቀቱ ምልክታት ንምድሓን፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ዘይናቱን፡ ብቐረባ ናብ ዘይምልከቶን ኢትዮጵያዊ ግርጭት ኣእቲዩ፡ ንሓድሽ ወለዶ ኤርትራ፡ ናብ ውግእ ጠቢሱዎ እዩ።  ከም ሃገር ካብ ሓይሊ ሰብ ጀሚርካ ክሳብ ቁጠባዊ ዓቕሚ ክሳብ ክንደይ ክሳራታት ከም ዝገጠመ ወግዓዊ ጸብጻብ እኳ እንተዘየለ፡ ከቢድ ክሳራ ከም ዝተጓነፈ ይንገረሉ ኣሎ። እዚ ኩሉ ንምክያድ ዝደረኽ ብቑዕን እዋናውን ኤርትራዊ ምኽንያት ነይርዎ ዘይኰነስ፡ ብጋህዲ መደብ ውልቃዊ ዓርኩ ንምሕጋዝን፡ ኣብቲ ከባቢ  ብፍላይ ምስ ትግራይ ንዘለዎ ውልቃዊ ሕሳባቱ ንምጽራይን እዩ። ታሪኽ ከኣ እናመዝገቦ ይሓልፍ ኣሎ።

እቲ ካብ ኩሉ ዘየቕስን ከኣ እዚ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት፡ ብሰንኪ’ቲ ስርዓት ኤርትራ ዝወሰዶ ፖሊሲ ቀጥታዊ ምትእትታው፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ጐድኒ ማእከላይ መንግስቲ ተሰሊፉ ናብ ውሽጢ ትግራይ ኣትዩ ውግእ ምክያዱን፡ ኣብ ውሽጢ ደምበ ተቓውሞ ንባዕሉ፡ ነዚ ኩነታት ብዝምልከት ከቢድ ፍልልያት ምግሃዱን እዩ። ስለ’ዚ ጥሩፋት ርእይቶታት ክቕልቀሉ በቒዖም፡ ንመድያ ደምበ ፍትሒ ክቆጻጽርዎ ከኣ ፈቲኖም።  እዚ ድማ ንምልካዊ ስርዓት ኣብ ውሽጢ ዝተባርዐ ግርጭታት ደለይቲ ፍትሒ ኣትዩ ፍልልያት ንኸሳውር ዕድል ከፊቱሉ።

ክቡራት ኣሕትን ኣሕዋትን

 ኣይንረስዕ። እቲ መሰረታዊ ኣጀንዳ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ምልካዊ ስርዓት ምውዳቕን፡ ብዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካኡን’ዩ። ኣብዚ ዝተሓደሰ ኩነታት ግን እዚ መርሖ’ዚ፡ ቀዳማዊ ቦታኡ ንክለቅቕ ተጻዒሩሉ እዩ።  ብፍላጥ ይኹን ብገርሂ፡ ካልእ ኣጀንዳ ክመርሕ ከይኑ። ምልካዊ ስርዓት ከኣ ከም ወርቃዊ ዕድል ተጠቒሙ  ካብ መጻብቦ ንክወጽእ፡ ነቲ ከኸዶ ዝጸንሐ ናይ ምንቁልቋል መስርሕ ቀይሩ ናብ ምድያብ ምእንቲ ከምርሕ፡ ንደምበ ፍትሒ ብኣጀንዳኡ ኣብ ክንዲ ዝጐዓዝ፡ ኣብ ኣጀንዳ ካልኦት ንክህውትቶ ጽዒሩ።   ደምበ ፍትሒ ካብ ሒዝዎ ዝጸንሐ ናብ መዓልቦኡ ከብጽሕ ዝኽእል ቀንዲ መንገዲ ኣንሻቲቱ፡ ኣብ ቃራና ንዝረኸቦ መንገዲ ሒዙ ንኽጐዓዝ ፈተነታትን ምርጫታትን ክቐርበሉ ጸኒሑ።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን፡

ንሕና ከም ደምበ ተቓውሞ፡ ኣይንተሃመል። ሕጂ’ውን ዕላማና ንምልኪ ብዘየዳግም ንሎምን ንጽባሕን ምስዓር’ዩ።   ኣብዚ ዓቢ መዓልቲ ባሕቲ መስከረም ከነስትውዕለሉ ዘሎና ድማ፡ ሕጂ’ውን ተመሊስና ነቲ ቀንዲ መንገዲ ምሓዝ እዩ። ነቲ  ንኹልና ዘእንግድ ሰፊሕ መንገዲ! ‘መንገዲ ኣርባዓ!’ ጐደና ዓወት!

እቲ ኣብ ከባቢና ዝርከብ ምዕባለታት ክጸልወና፡ ከሻቕለና፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ምስቲ ዝተሓደሰ ኩነታት ዘሳኒ ፖሊሲ ክንሕንጽጽን፡ ምሕዝነታትና ከነነጽርን ክገብረና ንቡር እዩ።  ካብዚ ሓሊፉ ግን ልዕሊቲ ኣብ ሃገርና ዝካየድ ዘሎ ጥምጥም ኣይትንክፈናን’ዩ። ናይ ኢትዮጵያ ኩነታት ኢትዮጵያውያን ኣለውዎ፣ ናይ ሱዳን እውን ሱዳናውያን ኣለውዎ፡ ናትና ናይ ኤርትራውያን ተራ ኣብ ጉዳያቶም፡ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኩነታት ድሩትን ውሱንን እዩ። ከምቲ ካልእ ድማ  ንጉዳይ ኤርትራ እውን ኤርትራውያን ኣለውዎ። ንዓና ጉዳይ ኤርትራ እዩ ቀዳማዊ ዋኒንና! ሕጂ’ውን ከም ዓዋተን ብጾቱን ንኤርትራና ነድሕን።

ጸዋዒትና ብኣጀንዳና ንጐዓዝ፡ ዝብል እዩ።  ቀዳማይ ኣጀንዳና ድማ ኣብ ኤርትራ ንምልካዊ ስርዓት ስዒርካ ብህዝባዊ፡ ቅዋማዊ ስርዓት ምትካኡ እዩ። 

ራኢ ባሕቲ መስከረም ንምውሓስ ንቃለስ!

ውድቀት ንምልኪ!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣት ኤርትራ!

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

1 መስከረም 2021

Last modified on Sunday, 05 September 2021 21:23