ቃል ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ኣብ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ

2021-06-20 18:26:54 Written by  ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ Published in EPDP News Read 1410 times

ክቡራት ኣዳለውቲ መዓልቲ ዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ፤

ዝኸበርኩም ኣቦ መንበራትን ኣባላት መሪሕነትን ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፤

ክቡራት ኣቦ መንበርን ኣባላትን ኣወሃሃዲት ሽማግለ ፖሓኤ፤

ክቡራትን ክቡራንን ተሳተፍቲ፤

መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር ክብሪ ስዉኣት  ኣናዘከርኩ፡ ንኣወሃሃዲት ሽማግለ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ነዚ ሓባራዊ መደብ ሰሪዓ ከአተቕርበልና ብምኽኣላ፡ ልዑል ምስጋና ከመሓላልፍ እፈቱ። እዚ መደብ ንኹልና እቶም ምውህሃዳዊ ስምምዕ  ዝኸተምና፡ ናብ ዝለዓለ ምትሕብባር ንምስግጋር ባይታ ዘንጽፍ ክኸውን እንከከሎ፡ ንመላእ ደምበ ተቓውሞ ንምትሕብባር ዘተባብዕ፡ ንህዝብና ድማ ተወሳኺ ተስፋ  ዝህብ እዩ።

ክቡራት ተሳተፍቲ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ከነኽብር እንከሎና ከም ናይ ምስጋና፡ ናይ ዝኽሪ፡ ናይ ክብሪ፡  ናይ ጽንዓትን ዝተሓደሰ ጸዋዒትን ኢና እነኽብሮ።

ዕለተ ምስጋና!

መጀመርታን ቅድሚ ኩሉን ንዓና ነቶም ዘይተኣደነ ሓርነታት እንብህግ ተቓለስቲ ዕለተ ምስጋና እዩ።

ነቶም ምእንቲ ንሕና ክርህወና፡ ምእንቲ ናጽነት ከነስተማቕር እቲ ዝለዓለ  ዋጋ ዝኸፈሉልና፡  ደሞም ኣፍሲሶም፡ ህይወቶም ዘቐደሙ ናይ ሓርነት ስዉኣትና የቐንየልና ንብል። ኣብዚ ዕለት’ዚ እቲ ዝለዓለ ህያብ ህይወት፡ ንውሉድ ወለዶ ኣወፍፊኹም ሓሊፍኩም ኣለኹም። ስላኹም ኢና ንቕጽል ዘለና እሞ፡ ደረተ-ኣልቦ ምስጋናና ይብጻሕኩም ንብል።

ዕለተ ዝኽሪ!

እዛ መዓልቲ’ዚ ብጽሞና እነብዕላ ዕለተ ዝኽሪ እውን እያ። ዝኽሪ ነቶም ንህይወቶም ዘይበቐቕዋ፡ ንሞት ድማ ዝይፈርህዋ፡ ንእስነቶም ዝኸፈሉ ኣሕዋትን ኣሓትን። እወ ዕለተ ዝኽሪ ነቶም ንሃገርና ኣደ ሰላም፡ ኣደ ሓቅን ኣደ ፍትሕን ክትከውን  ዝበሃጉ። እዛ ዕለት’ዚኣ ንዝኽሪ’ቶም ኣብ ዓውደ ኲናት ንቕድሚት እምበር ንድሕሪት ዘይጠመቱላ እያ።  ንመላእ ኤርትራውያን ሰማእታት ተጋደልቲ ይኹኑ ገባር ንምዝካር እነብዕላ ዕለት’ያ። ኣብዛ ዕለት እዚኣ ነቶም ኣብ ዓውዲ ውግእ ጥይት ዝቖለበቶም፣ ነቶም ዝናብ ንዘርኢ ክረኽቡ ናብ ደበናታት እናንቃዕረሩ ብደበና ተሸፊና ዝመጸት ነፋሪት ዝደብደበቶም፣ ነቶም ታንክ ዝረገጸቶም፣ ነቶም ዓድታቶም እናተቓጸለ ሓዊ ዝለብለቦም፣ ነቶም ሳንጃ ዝበስዖም፣ ነቶም ኣብ ሑቕፊ ኣደታቶም  ዝተቐዘፉ፣  ነቶም ኣብ መገሻ እንከለዉ ዝተረፉ፣  ኣብ ጉዕዞ እንከለዉ ዝወድቑ፣ ነቶም ውሕጅ ዝወስዶም፣ ነቶም እምንን ሓመድን ዝጸቐጦም፣ ብሓፈሽእ ነቶም ናይ ምንባር መሰሎም ዝተጋህሰ፣  እሞ ንሕና ንክንህሉ ሃገርና ከኣ ልዑላዊት ሃገር ኰይና ንኽትቅጽል፡ ህይወቶም ዝኸፍሉ፡ ንዝክር።

ዕለተ ክብሪ!

ክብሪ ንዓኹም ሰማእታትና!  ልዑል ክብሪ ይብጻሕኩም።  ምሳኹም ከኣ ነቶም ኣብ ጐድንኹም ተሰሊፎም፡ ነምስዋእቲ ቅሩባት ዝነበሩ፡ ግን ግዜኦም ዘይኣኸለ፣ እታ ናይ መስዋእቲ  ጸዋዒት ዘይበጽሓቶም ግን ኣብ ዙርያ ጸዋዒት መስዋእቲ  ዝነበሩ ናይ ሓርነት ውጉኣትና ክብሪ ይኹኖም። ኣካለ ጽጉማትና ልክዕ ከም ሰማእታና ንሞት ተዳልዮም ነይሮም እዮም። ግን ካብታ  ንህወቶም ዝደለየት ጨካን ጥይት ብተኣምር ክምልጡ ስለ ዝኸኣሉ፡ ኣብ ልዕሊ መሬት ዝንቀሳቐሱ ስውኣት እዮም። ክብሪ ንዕኦም።  እታ ቀታሊት ገለ ካብ ኣካላቶም ጥራይ ወሲዳ ስለ ዝመኸነት ዝተረፉ፣ እቶም ርእሶም፡ ወይ ኣፍልቦም ተሃሪሞም ህዋሳቶም ተተንኪፎም ብህይወት ዝተረፉ፣ ጌና ጭላፋት  ኣብ ኣካላቶም ተሰኪሞም ዝዛወሩ ዘለው፣ እቶም ጥይት በሲዕዎም ኣብ ልዕሊ መንኰርከር ዓረብያ ተሓጺሮም ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ፣ ኮታ እቶም ቃልሲ ኤርትራ፡  ኣካላዊ ኮነ ስነ ኣእሙራዊ በሰላ ውግእ ዝገደፍሎም፣ ኣብዚ ዕለተ-ክብሪ፡ ክብሪ ንዓኹም ይኹን ንብሎም።

ሃገርና ናጽነት ኣውሒሳ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ሒዛ ክትጐዓዝ  ንዝገበረ  ተወፋይነት፡ ምስቶም ህይወቶም ዝኸፈሉ ሰሪዕና ክብሪ ከነልብሶም ግቡእና እዩ። እወ እቲ ዝጠለመ ስርዓት፡ ኣብ ልዕሊ ስንኩላት ክብሪ ዘይኰነስ ዳግማይ ጥይት ተኲሱ እዩ ተወሳኺ ህይወት ኣኽፊሉና እዩ። እዚ ጨቋኒ ጉጅለ ከምቶም ዝሓለፉ ምሕላፉ ኣይተርፎን እዩ። ናይ ውድቀቱ ደረት ትርኢት ክቕልቀል ንርኢ ኣሎና። እቲ ገበነኛ ከኣ ክሰዓር እዩ። ንዓኹም ኣካለ ጽጉማትና ክብሪ ይብጻሕኩም።

ዕለተ ጽንዓት!

ሰማዕታትና፡ መለለይኹም ጽንዓት ሕላገትኩም ከኣ ተወፋይነት’ዩ። ጽንዓት ተቐኒትኩም  እቲ ዝኸበረን እቲ ዝዓዘዘን ከፊልኩም፡ መርኣያ ብምዃን ናጽነት ሃገር ኣውሒስኩም። እዛ መዓልቲ እምበኣር ንዓና ዕለተ ጽንዓት እያ።  ንስኻትኩም ከም ህልዋት እቲ ጽንዓትኩም ድማ ከም ኣብነት ሓዲግኩምልና ኢኹም እሞ፡ ምሳና ኣብ መንጎና ከም ዘለኹም  ኢና ንኣምን። ነቲ ጽንዓትኩም ንኽንስዕብ ዕለተ ጽንዓት ሂብኩምና አለኹም።  ሕጂ’ውን ጌና ኣሰር ጽንዓትኩም ዝኽተልና ደቂ ሃገር፡ ኣብ ዓዲን ስደትን፡  ከይተሓለሉ ምእንቲ ፍትሕን ምሉእ ሓርነትን ይቃለሱ ኣለዉ። ማሕላኹም ንምፍጻም፡ ዝጀመርኩሞ ትልሚ ሓርነት ንምምላእ ምልኪ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምውጋድ ዝቃልሱ፡ ሽግ ጽንዓትኩም ከይቅህም ዝሕልዉ  ኣለዉ’ሞ ቅሰኑ። ንሕና እቶም  ቃልሲ ምእንቲ ሓርነት እነካይድ ዘሎና፡ ኣሰር ጽንዓትኩም ተኸቲልና፡ ኣብነትኩም ስዒብና፡ ክሳብ ምሉእ ሓርነት ኣብ ሃዋህው ሃገርና ዝሰፍን፡ ክሳብ ምሉእ ሰላም ኣብ ከባቢና ዝዋሓስ፡ ብጽንዓት ክንቃልስ ኢና።

ዕለተ ጻውዒት!

ዝኸበርክንን፡ ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲ ዝኽሪ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ

ኣብዚ ናይ 2021 መዓልቲ ሰማእታት ሓደ ቀንዲ ሕቶ ወይ ሕቶታት ከነልዕል ግድን እዩ። ንሱ ከኣ እቲ ሰማእታትና ክቡር ህይወቶም ዝኸፈሉሉ ዕላማታት ይትግበር ኣሎዶ ኣሎ? እቲ ግንባሮም ንባሩድ ዝሃብሉ ምሉእ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ይሕሎ ኣሎ’ዶ? ሕቶ ሓርነታት ዜጋታት ኤርትራ፡ መሰላት ምሕሳብ፡ ምንቅስቓስን ምውዳብን፡ ሕቶ ቅዋማዊ ስርዓት ሕቶ ፍትሕን ሰላምን፡ ሕቶ ማሕበራውን ቁጠባውን ዕቤት ተመሊሱዶ?  ብሓጺሩ ሰማእታትና በዚ  ኤርትራ ዘላትሉ  ቅሱናት ድዮም ዝብል እዩ።

እቲ መሪር ሓቂ፡ ናይ’ዚ ኩሉ ሕቶታት መልሲ ኣሉታ እዩ። ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሃገር በቚሉ ብዝዓዀዀ ጨካን ምልኪ ተጐቢጣ ኣላ። መብጽዓታት ሰማእታት ኤርትራ ብዘይንሕስያ ተጠሊሙ ኣሎ። ሃገርና መንእሰያት ደቃ ገዲፈምዋ ዝሃድሙላ ሲኦል ከይና ኣላ። ኣብ ከባቢና ከኣ ምንጪ ሓደጋን ዘራጊት ሰላምን ተቐጺራ ኣላ። እቲ ዝገደደ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ንልዑላውነት ሃገርና ዝደናደን ግሁድ ወስታታት ክድዓት፡ ናይዚ ምልካዊ ስርዓት፡  ህዝብና ግዳይ መሪር ጭቆናን ማእሰርትን ምክልባትን ኰይኑ ኣሎ። ስለዚ ድማ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ  ተወፋይነት  ዝሕደሰላ፡  ዕለተ ጸዋዒት ንምዕቃብ ናጽነት ሃገር እያ።

ንሕና ኣባላት ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ልዕሌና ዝዝንቢ ዘሎ ጸዋዒት ነዚ ብሓባር እንካይዶ ዘሎና ቃልሲ ናብ ዝበረኸ ደረጃኡ ኣብጺሕና፡ ምስ ኩሎም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዝሰፍሐ ምትሕብባር ኣረጋጊጽና፡ ነቲ እንኮ ጸላኢ ኤርትራ ዝዀነ ምልካዊ ስርዓት ምስዓርን፡ ናብ ብዙሕነታዊ ቅዋማዊ  ስርዓት ምስግጋርን እዩ።

ጥርኑፍ ሓባራዊ ዕዮ ምክያድ፡ ምስ ብዙሕነትና ክሳብ ክንደይ በዳሂ ከም ዝኸውን ኩልና እንስሕቶ ኣይከነን። ብተመክሮ ከም ዝተራእየ እውን ከቢድ ዕማም’ዩ።  ይኹን’ምበር  ክሳብ ሕጂ በብወገንና ብዘካየድናዮ ጻዕሪ፡ ኣብ መንጎ ሓይልታትና ተጻባኦታትን ምንጽጻግን ወጊድና፡ ምክብባርን ምትሕግጋዝን ምርግጋጽና፣ ንኩልና እቶም ኣብ ጽምዶ ዝኣተና ዘተሓባብር ኣወሃሃዲ ሽማግለን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዝዋስኡ ሓይልታት ዕማምን ምቛምና ንባዕሉ  ንደላይ ፍትሒ ህዝብና ብስራት ኰይኑ፡ ንምልካዊ ስርዓት ድማ መርድእ እዩ። 

እዚ መጀመርታ ኣምበር መወዳእታ ኣይኰነን። ስለዚ ክሳብ ምልካዊ ስርዓት ዝሰዓርን መስርሕ ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ቦታኡ ዝሕዝን፡ ኣብ ከምዚ ክቡር ዕለተ ሰማዕታትና ጸዋዒት ንቃልሲ ክንቅጽል ኢና።

ዝኽርን ዘልኣለማዊ ክብርን ንሰማእታትና!

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ኤርትራ!

ሃገርና ናጽነታ ሓልያ ንወሉድ ወለዶ ትንበር!

ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

20 ሰነ 2021   

Last modified on Sunday, 20 June 2021 20:32