ዜናዊ ጸብጻብ፡ ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ናጽነትና

2021-05-24 07:18:32 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1631 times

ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ )ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ፡ ኣባላት ኣብ ድሮ 24 ጉንበት 2021 መበል 30 ዓመት ዝኽሪ  ናጽነት ኤርትራ ዘኪሮም። ኣብዚ ንዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ዝተኻየደ ኣኼባ ነቲ መደብ ዝመረሐ ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት፡ ናይ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም፡ እንኳዕ ናብዚ ክቡር በዓል ነጻነት ኣብጸሕና ኣብጸሓኩም” ዝብል ሓጺር መእተዊ ቃል ኣስሚዑ።

ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ብብጻይ መንግስተኣብ ተዓዲሙ ነቲ ኣጋጣሚ ዝምልከት ኣገዳሲ መደረ ኣስሚዑ። ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል “እንኳዕ ኣብጸሓና ኣብጸሓኩም” ምስ በለ ኣብዚ ቀረባ ንዝተሰውኡ ብጾት በብሓደ ጠቒሱ፡ “መንግስተ-ሰማያት የዋርሶም፡ ሕድሮም ከኣ ኣይከነዕብርን ኢና” ኢሉ። ንቤተሰቦም ከኣ ጽንዓት ተመንዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሓሚሞም ንዘለዉ ተቓለስቲ ከኣ ምሕረት ተመንዩ።

ኣብቲ ቀጺሉ ዘስመዖ ቃል ከኣ፡ ምእንቲ ናጽናት ኤርትራ ንዝተሰውኡን ክሳብ ሕጂ ከይሰልከዩ ምእንቲ ህዝባዊ ምምሕዳርን ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላትን ይቃለሱ ንዘለዉን ዘለዋን ኤርትራውያን ዘለዎ ናእዳን ኣድናቖትን ዘርዚሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዝእተወትና ዕለት ስለ ዝኾነት፡ ከም ናይ ዓይንና ብሌን ክንሕልዋ ከም ዝግበኣና ኣገንዚቡ። ኤርትራ እዚ ሕጂ እተሓልፎ ዘላ ጸገም ዘይግበኣ ከም ዝነበረ ጠቒሱ፡ ካብዚ ብሰንኪ ህግደፍ ኣትያቶ ዘላ ዓዘቕቲ ከነውጸኣ፡ ብዘይካ ብሓድነት ምቅላስ ካልእ መተካእታ ከምዘየብልና ኣዕዚዙ ገሊጹ። ኣብ ርእሲዚ ሰዲህኤ ኣብዚ እዋንዚ ብዛዕባዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ፡ እሞ ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይና ሓያል ጽልዋ ዘለዎ፡ ቅልውላው ንጹርን ጥንቁቕን መንገዲ ሒዙ ይጐዓዝ ከም ዘሎ ኣገንዚቡ።

ኣብዚ እዋንዚ ሃገሩን ህዝቡን ክሕሉ ዝግበኦ ዝነበረ ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ዘይጉዳዩ ኣብ ትግራይ ኣትዩ ይዋጋእ ምህላዉ ከም ዘሕዝን ጠቒሱ። ህዝብና ከድሕን ተስፋ ኣንቢርናሉ፡ ክንጽወዖን  ክንምሕጸኖን ዝጸናሕና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ሎሚ ንገዛእ ርእሱ ናጻ ክወጽእ ክቃለስ ኣብ ዝግደደሉ ደረጃ ከም ዝርከብ ኣስፊሑ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ ካብዚ ኣቲናዮ ዘለና ንምውጻእ፡ ብዘይካ ሓቢርካ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ምቅላስ ካልእ መተካእታ ከም ዘየለን ሰዲህኤ ነዚ ሓቢርካ ምቅላስ ተዓጢቕሉ ከም ዘሎን ኣብሪሁ። ውድቀት ጉጅለ ህግደፍ ዝሕብሩ ምልክታት ይረኣዩ ከም ዘለዉ እውን ብጻይ ተስፋይ ብኣብነታት ኣሰንዩ ጠቒሱ። ኣባላት ሰዲህኤን ካለኦት ፈተውቲ ሰልፍናን ከም ወትሩ ቃልሶም ከሕይሉ ከኣ ጸዊዑ።

ብመራሕ መደብ ናይቲ ኣኼባ ተዓዲማ ቃላ ዘስመዐት ብጸይቲ ኣድያም ተፈራ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን፡ እውን ንግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምርግጋጽ ናጽነት ኤርትራ ኣመልኪታ መብርሂ ሂባ። ብጻይቲ ኣድያም ኣብቲ 30 ዓመታት ኣብ ብረታዊ ቃልሲ፡ 30 ዓመታት ከኣ ኣብ ለውጢ ብድምሩ ን60 ዓመታት ዝተኻየደ ቃልሲ ግደ ደቂ ኣንስትዮ 30% ነይሩ ዝበሃል ግጉይ ምዃኑ ጠቒሳ፡ ማዕረ ኣሕዋተን ደቂ ተባዕትዮ ከም ዘበርከታ ኣዘኻኺራ። ኣብዚ ንሓልፎ ዘላን እዋን ግና ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ እተን ኩሉ መሰላተን ዝተነፍጋን ዝተጠልማን ምዃነን ሓቢራ። ኣተሓሒዛ ከኣ ቃልስና ምእንቲ ለውጢ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጉዳይ ልኡላውነት ሃገርና እውን ቅድሚት ዝስራዕ ዋኒን ኮይኑ ከም ዘሎ ኣገንዚባ፡ ደቂ ኣንስትዮ ከምቲ ናይ ቅድም ሎሚ’ውን ግደአን ንክዓዝዝ  ኣብ ፖለቲካዊ ሓይልታት ክሳታፈ፡ ከምቲ ዝሓለፈ ዳግማይ ንኸይጥለማ፡ ሓያል ውዳበ ደቂ ኣንስትዮ ንኽገብራ ጸዊዓ።

ኣብ ርእሲ እዚ ብዙሓት ቅድም ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ ዝነበሩን ካድራትን ተሳተፍቲ፡ ኣብ ግዜ ናጽነት ኤርትራ  ሰውራዊ ባይቶ “ኤርትራ  ድሕሪ ናጽነት ብኹሎም ደቃ እያ እትህነጽ” ዝብል እምንቶ ከም ዝነበሮም፡ እንተኾነ ብሰንኪ ኣብያ ናይ ሎሚ ጉጅለ ህግደፍ፡ ክዕወት ከም ዘይከኣለ መስኪሮም። እቲ ሽዑ ዝጀመረ ጥልመት ከኣ ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ እንዳተሰጋገረ፡ እነሆ ይቕጽል ከም ዘሎ ሓቢሮም። ካብዚ ሓሊፉ ኣብዚ ብተሳተፍቲ ግጥምታትን ኣገደስቲ ጽሑፋትን ዝቐረበሉ መድረኽ፡ ብዙሓት ተሳተፍቲ ኣብ 24 ጉንበት 1991 ዝነበርዎ ዝነበራኦን ኩነታትን ቦታን እንዳጠቐሱ ተዘክሮታቶም ኣካፊሎም። ብሓፈሻ ኩሎም ተሳተፍቲ፡ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት፡ ተሪፉና ዘሎ ዕማም ንምውጋን ጌና ዝሓተና ቃልሲ ከም ዘሎ ብምጥቃስ ንግብራውነቱ ቅሩብነቶም ኣረጋጊጾም በዓል ተደምዲሙ።

Last modified on Monday, 24 May 2021 09:25