ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ፍሉይ ኣኼባኡ ኣቃኒዑ

2021-02-15 17:30:38 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2090 times

ማእከላይ ባይቶ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ23 ጥርን 14 ለካቲትን 2021  ብዛዕባ ሰዲህኤ ዝኽተሎ ኣገባብ ቃልስን ህልዊ ኩነታትን  ጠለባትን ሓድነታዊ ዕዮን ኣዛሚድካ ንምምዛኑን ንምንጻሩን ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ። ማእከላይ ባይቶ ኣብዚ ብኣቦመንበር ሰልፊ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ዝተጸውዐ  ፍሉይ ኣኼባኡ ኣቐዲሙ ብኦቦመንበር ዝቐረበ ሓጺር መኽፈቲ ቃልን እቲ ኣኼባ ዝተጸወዓሉ ምኽንያትን ሰሚዑ። ብጻይ ተስፋይ ኣብ መእተዊ ቃሉ ኣካቢቡና ዘሎ ምዕባለታትን ነዚ ምዕባለታት  ህዝቢ ኤርትራ ናብ ዝርበሓሉ ንምውዓሉ ዝጽበየና ሓለፍነትን ኣንጸባሪቑ።

ኣኼባ ድሕሪዚ መእተዊ ቃል፡ ብሓፈሻ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ  ሰልፋዊ፡ ሃገራውን ከባብያውን እዋናዊ ጉዳያት ሓበሬታ ተለዋዊጡ። ብፍላይ ድማ ብዛዕባቲ ቀንዲ መጸውዒ ኣኼባ ዝኾነ ዛዕባ፡ “ሰዲህኤ ዝኽተሎ ኣገባብ ቃልሲ” ነዊሕ ግዜ ወሲዱን ብዙሓት ጉዳያት ኣገናዚቡን ተመያይጡ። ኣኼባ ባይቶ ኣብ ምይይጡ ነቲ ኣቐዲሙ ነዚ ዛዕባዚ ብዝምልከት ኣጽኒዓ ውሳነ-ሓሳብ ከተቕርብ ኣቐዲሙ ዝመዘዛ ፍልይቲ ሽማግለ ዘቕረበቶ ንድፊ መሰረት ገይሩ ዘትዩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ነቲ ኣብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሰዲህኤ ዝጸደቐ ንኣገባብ ቃልሲ ዝምልከት ውሳነ፡ ማእከላይ ባይቶ ኣብቲ ውሳነ ንከተግብርን ዳግመ-ርኢቶ ንክገብርን ብጉባአ ዝተዋህቦ ቅዋማዊ ሓልፍነትን ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ከባብናን ኣብ ግምት ብምእታውን ነዚ ንርከበሉ ዘለና ኩነታት ዝምጥን ውሳነ ኣመሓላሊፉ።  እቲ ውሳነ  ከም ዘብርሆ፡ ሰዲህኤ ኣብ ቅዋም ተመርኲሱ ዝኽተሎ ናይ ቃልሲ ፖሊሲ  ዝያዳ ብምብራህን  ብምንጻርን  ህዝቢ ኤርትራ ዝቕበሎን ዝሳተፎን፣ ኣብ ወድዓውን በዓል ቤታውን ኩነታት ዝምርኰስ፣ በብእዋኑ ዝግምገምን ከከም ኩነታቱ ዝትግበርን፡ ምሉእ ስልታዊ ምትዕጽጻፍ ንምግባር ዘኽእል ኩሉ ኣገባባትን ስጉምትታትን”  ከም ዝኽተል  ኣረጋጊጹ።

ኣኼባ ባይቶ ነዚ ውሳነ ክውስን እንከሎ ንብዙሓት ኣገደስቲ ጉዳያት ግምት ሂቡ እዩ።፡ ብፍላይ ከኣ ደምበ ተቓውሞ ብመላኡ ካብ ሓድሕድ ምትፍናንን ፍልልያትን ወጺኡ ብምሉእ ዓቕሙ ናብ ምውዳቕ ምልካዊ ስርዓት ከተኩር ንምሕጋዝ፣ ሰልፋዊ ሓድነትን ኣገዳስነት ሓድነታዊ ዕዮ ምስ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን  ንምዕዛዝ፣ ከምኡ’ውን ብዝተፈላለየ ደረጃታት ሓቢርካ ንምስራሕ ንምድንፋዕ  ዝያዳ ግምትን ኣትኩሮን ሂቡ።

ኣኼባ ባይቶ ኣብ መወዳእታ፡ ከምቲ ልሙድ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ጽንኩርን ተኣፋፍን ኩነታት ኣባላት ሰልፊ፡ ደገፍቲ ሰልፍን ግዱሳት ኤርትራውያንን የካይድዎ ንዘለዉ ዘይሕለል ቃልሲ ኣመጒሱ ንመጻኢ እውን ቃልሶም ከሕይሉ መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ።

Last modified on Monday, 15 February 2021 18:33