ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ዓመታዊ ትልሚ ኣጽዲቑ

2020-09-08 07:34:54 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2474 times

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ5ን 7ን መስከረም 2020 ብኣቦ-መንበሩ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ተመሪሑ ስሩዕ ኣኼባኡ  ኣካይዱ፡ ናይ  2020-2021 ዓመታዊ ናይ ስራሕ ትልሚ ኣጽዲቑ ። ኣብዚ ኣኼባዚ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ሰልፋዊ፡ ምምሕዳራውን ከባብያውን ዝኣመሰሉ  ጉዳያት  እውን ሰፊሕ ምይይጥ ድሕሪ ምክያድ ኣገደስቲ ውሳነታት ኣማሓላሊፉ።

ፈጻሚ ሽማግለ ነቲ ዓመታዊ ትልሚ ሰልፊ ዘጽደቐ ኣቐዲሙ ብኹለን ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ንድፊ ዓመታዊ ትልሚ ምስ ቅረበሉ እዩ፣ እቲ ብኣብያተ-ጽሕፈት ምስ ቀረበ ዝጸደቐ ንድፊ ነቲ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ብ15ን 16ን ነሓሰ 2020 ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባኡ ዓመታዊ ጸብጻብ ስራሕ መዚኑ ዝሃቦ ሓፈሻዊ ኣንፈት መሰረት ብምግባር እዩ። ኣብዚ ብፈጻሚ ሽማግለ ጸዲቑ ናብ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ዝቐርብ ዓመታዊ ትልሚ፡ ምስፋሕን ምሕያልን ትካላዊ ኣሰራርሓ ሰልፊ ኣብ ኩሉ መዳያት፡ ተስፋ ኣብ ዝህብ መስርሕ ዘሎ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ሓቢርካ ኣንጻር ጉጅለ ህግዲፍን ጸረ ህዝቢ ኣተሓሳስባኡን ናይ ምቅላስ ንቕሎ ምሕያልን ብሓፈሻ፡ ኣብ ከባቢና ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ብፍላይ ከኣ ንኤርትራን ጐረባብታን ዝምልከት ለውጥታት ምክትታልን በብግዜኡ ኣድላይ ውሳነታት ምውሳድን ቆላሕታ ተዋሂብዎም።

ካብዚ ሓሊፉ እዚ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ብዛዕባ ኣገደስቲ እዋናውን ምምሕዳራውን ጉዳያት ውሳነታት ኣመሓላሊፉ፡ ነቲ ዝጸደቐ ትልሚ ኮነ ዝተወሰነ ውሳነታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብትግሃት ንክቃለሱን ተሳትፈኦም ንከስፍሑን መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ።

Last modified on Tuesday, 08 September 2020 09:48