ናይ ምጽንባር ጽምብል

2020-08-10 09:05:43 Written by  ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሆላንድ Published in EPDP News Read 2785 times

ኣብ ሆላንድ እንርከብ ኣባላት ክልቲኡ ሰልፍታት ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራን፥ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ብዝተበጽሐ ስምምዕ ብመራኸቢ ብዙሃን ብዕለት 24-06-2020 ናይ ሌላ ኣኼባ ተፈጺሙ። እቲ ኣኼባ ብናይ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ናይ ምልላይ መደብ ተኻይዱ።

ቀጺሉ ብኣቦ መንበር ጨንፈር ሆላንድ ሓው መሓሪ ተስፋማርያም እናተመርሐ፡ ብዛዕባ ኣተሃላልዋን ስራሓትን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰልፊ ተገሊጹ። ብድሕሪ እዚ እቲ ንቕድሚት ዝጽበየና ዘሎ  ምልካውን ጨቋንን ስርዓት ናይ ምልጋሱ ዕማምን፥ ንህላዌ  ሃገርና እነድሕነሉ ኣብ ክሊ ጨንፈር ሆላንድ ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ሓቢርና ንምስራሕ ብዕቱም ከምንዋሳእ ኣስሚርናሉ። ነዚ ናይ ምትግባሩን መደብ ምሕንጻጽን ድማ ብኣካል ተራኺብና ክንዛተየሉ ኣኼባና ብቆጸራ ተደምዲሙ። እዚ ናይ ሌላ ኣኼባ እዚ ምስቲ ሃገርና ኣብ ክትህሉን ዘይክትህሉን ተሸኺላትሉ ዘላ ህሞት ዝተኻየደ ብምዃኑ ብዝያዳ ንሓያልን ዕቱብ ቃልስን ይጽበየና ከምዘሎ ዘዘኻር እዩ። በዚ መሰረት እተን ብፖልቲካዊ መደብ ዕዮ ዝሰመሳሰላ ሰልፍታትን ምንቅስቓሳትን ካብ ናይ ስልጣን ሕቶ ወጺኤን፥ ናይ ምጽንባር መስርሕ ከዕዝዛ ዝያዳ እንጥለበሉ መድረኽ ኣቲና ኣሎና።

ሎሚ ዕለት 08-08-2020  መቐጸልታ ናይቲ ዝሓለፈ ናይ ሌላ ኣኼባ ከምኡ  ንጨንፈርና ዝምልከት ኣብ ግብራዊ  ስራሓት ንምእታውን፡ መደባትና ክንሕንጽጽን  ምስ ሰልፍና ዝደጋገፉን ዝደናገጹን ኣብ ከተማ ሮተርዳም ሆላንድ  ሓባራዊ ኣኬባ ኣካይድና። ኣብዚ ኣኼባ እዚ ሓው ብርሃነ ወልዳይ  ንቃልሲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብናቱ ተበግሶን ብዝካየዶ መጽናዕትን ኣባል ክኽውን ዓጊቡ ተጸንቢሩና። ካልኦት መእሰያት ውን ነዚ ሰልፊ ክሳተፍዎ ምዃኖም ዕግበቶም ገሊጾም። ኣብዚ ኣኼባ እዚ ብሓው ብርሃነ ዘውደ ኣባል ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ናይ ምጽንባር መስርሕ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ገሊጹ። በዚ መሰረት እውን ኩለን ሰልፍታት ይኹና ውድባት ከምዚ ሰልፊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዲሞራሲ ኤርትራ ዝወሰዶ ስጉምቲ ንኽወስዱ ተማሕጺኑ። ቀጺሉ ብዛዕባ ሃለዋት ሰልፊ ኣብ ሆላንድን ከምኡ እውን ሓፈሻዊ ኩነታት ደምበ ተቓውሞን ብሓው ድራር መንታይ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ዘቕርቦ መደረ ንዘን  ሓቢረን ንምስራሕ ተሰማሚዔን ዘለዋ ሓሙሽተ ውድባት ከምቲ ናይ ቅድሚ ሎሚ ምፍልላይ ምስ ዝርከብ፥ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ናይዘን ዝተሰማማዓ ውድባት ካብ ውድባዊ ወይ ሰልፋዊ ጸጊዒነት ወጺኡ ብሓደ ኮይኑ ኣይፋልኩምን ክብለን ከምዘለዎ ኣሚቱ። ከሙ እውን ኤርትራዊ መንእሰይ ንሃገርና ኤርትራ ዘንጸላልዋ ዘሎ ሓደጋታት ከስተብህለሉን ንሃገራዊ መንነትና ዘህስስ ወስታታት ክነቕሓሉን ተማሕጺኑ። ቀጺሉ ሓው መሓሪ ተስፋማርያም ኣቦ መንበር ጨንፈር ሽማግለ ብዛዕባ ዝነበረ ዝምድናታት ኣስፊሑ መብርሂ ሂቡ። ብድሕሪ እዚ ንርእይቶታትን ሕቶታትን ዝምልከት ድረኽ ንተሳተፍቲ ተዋሂቡ።

ኣብ ምዝዛም ኣኼባ ጨንፈር ሆላንድ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክልቲኡ ኣባላት ሰልፊ ናይ ምትሕንፋጽ መስርሕ ብዕሊ ከምዝተዛዘመ ንኹሉ ኣብ ሆላንድ ዝርከብ  ደላይ ለውጢ  ነበስር።  ብተወሳኺ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ንሃገርን ህዝብን ኣብ ምድሓን  መንእሰይ ወለዶ፥  ተካኢ ሓይሊ ብምዃኑ፡ ኣብ ንሱ ዝመረጾ ሰልፊ  ተሳትፎኡ ከዕዝዝ ሃገራዊ ጻውዒትና ነቕርብ።

ክብርን ሞጎስን ንሰማእታትና

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ

ዕንወት ንስርዓት ውልቀ-መላኺ

ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሆላንድ

Last modified on Monday, 10 August 2020 11:19