ዞባ ኤውሮጳ ሰዲህኤ ኣሳናዳኢት ሽማገለ ኣቊሙ
2020-04-07 16:02:46 Written by ኣሳናዳኢት ሽማገለ Published in EPDP News Read 2762 timesዞባ ኤውሮጳ ሰ. ዲ. ህ. ኤ. ነቲ መሰረት ቅዋም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ዝካየድ ጉባኤ እተዳሉ ኣሳናዳኢትን ሓጻይትን ሽማገለን ብዕለት 28/03/2020 ብ5ተ ዝኣባላታ (ማለት ክልተ ካብ ዓዲ እንሊዝ፡ ሓደ ካብ ጀርመን፡ ሓደ ካብ ደንማርክ፡ ሓደ ካብ ሽወደን) ሽማገለ ኣቊማ። ብምቅጻል ዝተመርጹ ኣባላት ኣሳናዳኢት ሽማገለ ብዕለት 04/04/2020 ብኤለትሮኒካዊ መራኸቢ ብዙሓን ፡ ቀዳማይ ኣኼባኣ ብምክያድ ነብሳ ሰሪዓ ስራሓታ ኣብ ምጅማር ትርከብ ። ከምቲ ልሙድ ሰውራዊ ስጡም ኣሳሪ መሪሕ ጭርሖና ከኣ ንቅዋማዊ ምሕደራን ዲሞክራስን ምዕባሌን ንቃለስ !!! ክኸውን ኣስሚራትሉ ። ኣባላት ሰዲህኤ ዞባ ኤውሮጳ ኣብ 9 ሃገራት ኤውሮጳ ዝርከቡ ኮይኖም፡ ብሓደ ንኡስ ዞባን፡ ልዕሊ 13 ጨናፍርን ዝሓቆፈ ሰፊሕ ዞባ እዩ።