ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ፡ ንባሕቲ መስከረም ዘኪራ

2019-09-01 20:47:27 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2533 times

ኣባላት ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) መበል 58 ዓመት ባሕቲ መስከረም ምብሳር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዕለቱ ዘኪሮም። ኣባላት ጨንፈር፡ ድሕሪ ነዛ ዕለት ዝምልከት ሓጺር መግለጺ፡ ባሕቲ መስከረም 2019 ኣብ ጽባሕ ዕዉት 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሃድኤ-ሕድርን ሰዲህኤን ትዝከር ስለ ዘላ ፍሉይ ትርጉም ከም ዝህብዋ ገለጾም። ኣብ ኣኼባኦም ነቲ ቅድሚ 58 ዓመት ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ዝቕጽል ዘሎ በብምዕራፉ ዝገለጽ ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለሉ ሰንሰለታዊ ቃልሲ ብዝምልከት ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይዶም።

እቲ ኣኼባ ምስዚ ኣተሓሒዙ፡ ብዛዕባ ዝርዝር መስርሕን ውጽኢትን ናይቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዝተጋበአ ጉባአ ሰዲህኤ ተመያይጦም። ኣብዚ ኣኼባ መስርሒ ናይቲ ጉባአ ከመይ ከም ዝነበረ ዝርዝራውን ደቂቕን ሓበሬታ ተዋሂቡ። ካብቶም ኣብቲ ሓባሪ መግለጺ ዝተላዕሉ ነጥብታት፡ ብዛዕባ ኣጸዳድቓ፡ ሰልፊ ኣብ መጻኢ ዝምረሓሎም ሰነዳት ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ቅዋምን፡ መስርሕ ምርጫ መሪሕነትን ውኢቱን፡ ጉባአ ፍሉይ ቆላሕታ ሂቡ ዝተመያይጡ ፖለቲካዊ ውሳነ ዘመሓላለፈሎም 12 ኣገደስቲ እዋናዊ ዛዕባታት   ብዝምልከት ብዝርዝር ተመያይጦም።

ብምትሕሓዝ ድማ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መመሊሱ እንዳገደደ ዝኸይድ ብዛዕባ ዘሎ ሕሰም፡ ድኽነትን ስግኣትን ከም እዋናዊ ጉዳይ  ተመያይጦም። ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ደለይቲ ሰላምን ፍትሕን ኣብ ሃገር ኮነ ካብ ሃገር ወጻኢ ዘርእይዎ ዘለዉ ምልዕዓላት ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ጠቒሶም፡ ኣድማዒ ንክኸውን ዝተርፎ ውዳበን ስጥመትን ከም ዘለዎ ኣመልኪቶም። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ሕጂ እውን መሪሕነት ሰዲህኤ ከይሰልከየ ብቐጻሊ ናይ ሓድነትን ሓቢርካ ምስራሕን መጸዋዕታኡ ከቕጽሎ፡ ተላብዮም፡ ከም ጨንፈር በቲ ሓደ ወገን ዓቕሚ ሰልፊ ኣብ ኩሉ ማዳይ ንምዕባይ፡  በቲ ካልእ ወገን ከኣ ውጽኢት ጉባአ ናብ ኤርትራውያን ከም ዝበጽሕ ኣብ ምግባር ቃልሶም ከሕይሉ ቃል። ኣብ መወድእታ ከኣ ከም ቅድሚ ሕጂ ወርሓዊ ኣኼባኦም ቀጻሊ ክኸውን ተረዳዲኦም።

Last modified on Sunday, 01 September 2019 22:53