ኣባላት ሰዲህኤ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ንምዕዋት ድልውነቶም ኣረጋጊጾም

2019-05-05 09:29:38 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2689 times

ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ካብ ኩሉ ኩርነዓት ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ብ4 ጉንበት 2019 ተኻይዱ። ኣብ መኽፈቲ ናይዚ ኣኼባ፡ አቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ናይ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም”  መልእኽቱ ብምቕዳም መእተዊ ቃል ኣስሚዑ። ኣብዚ መእተዊ ቃሉ ዕላማ ናይቲ ኣኼባ፡ ብሓፈሻ  ህልዊ ሰልፋዊ ኩነታት ዝድህስስ፡ ብፍላይ ከኣ መስርሕ ምድላው 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሃድኤ-ሕድርን ሰዲህኤን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ብዝምልከት ሓበሬታ ምሃብን ርኢቶ ኣባላት ንምስማዕን ከም ዝኾነ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ ብሓፈሻ ናብ ኩሎም ኣመንቲ ክርስትናን እስልምናን ብፍላይ ከኣ ናብ ኤርትራውያን ናይ በዓል  ትንሳኤን ምጅማር ጾመ-ረሞዳንን ሰናይ ትምኒት መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።

ድሕሪ መኸፍቲ ቃል ኣቦ መንበር፡ ብወገን ሰዲህኤ ነቲ መስርሕ ሓድነት ከተግብር ዝተመዘዘ ኮሚተ ዝመርሕ ዘሎ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ካብ ኣበጋግሳ ናይቲ ሓድነታዊ መስርሕ  ጀሚሩ ክሳብ ዕለተ ኣኼባ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ብሰፊሑ ኣብሪሁ። ኣብ መብርሂኡ እቲ ናይ ሓድነት ድሌትን ቅርቡነትን ብክልቲኡ ወገናት ሃድኤ-ሕድርን ሰዲህኤን ልዑል ስለ ዘሎ፡ ሓልዮትን ስኒትን ብዝመልኦ ኣገባብ ተኻይዱ ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕራፉ በጺሑ ከም ዘሎ ብዝርዝር ጠቒሱ። ነዚ ሰፊሕ መብርሂ ብጽሞናን ተገዳስነትን ዝተኸታተሉ ኣባላት ከኣ ዝተፈላለዩ ነቲ ዝተሰግረን ኣብ መጻኢ ዝካየድ ኣፈጻጽማን ዝምልከት ሕቶታትን ኣዝዮም ሃነጽቲ ርኢቶታትን ኣቕሪቦም። ኣባላት ናይቲ ኮሚተን ኣቦመንበር ሰልፍን ከኣ ዓሚቕ መልስታት ሂቦም፡ ነቲ ንመጻኢ ዝምልከት ሃናጺ ርኢቶታትን ለበዋታትን መዝጊቦም። ጐኒንጐኒ እቲ መስርሕ ሓድነት ንምድላው ብዝምልከት ይቐርቡ ንዝነበሩ ዝርዝራዊ ሕቶታት ከኣ፡ ተሳተፍቲ ኣኼባ ካብ ብዝነበሩ ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ መብርሂ ተዋሂቡ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣኼበኛታት ነቲ ኣብዚ እዋንዚ ብጭረሖ “ይኣክል” ተማእኪሉ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ለውጢ ማዕበል ዝምልከቱ ሕቶታትን ኣብ ኣቀጻጽላኡ ይሕግዝ ዝበልዎ ሓሳባትን ኣቕሪቦም ኣገዳሲ ምይይጥ ተኻይድሉ። እዚ ማዕበል ንድሕሪት ከይምለስን ስሩዕን ውዱብን መልክዕ ሒዙ ኣብ ለውጢ ንክበጽሕን፡ ነቲ በብኹርንዑ ዘርእይዎ ዘለዉ ተሳትፎኦም ኣሕይሎም ክቕጽልዎ ከኣ ቅርቡነቶም ኣርእዮም።

ድሕሪዚ ተሳተፍቲ ኣኼባ ብሓፈሻ መሪሕነት ሰልፊ፡ ብፍላይ ከኣ ኣወሃሃዲት ኣካል ኣብ ኣተሓሕዛ መስርሕ ሓድነት ንዘርኣይዎ ዕቱብ ኣተሓሕዛ ንኢዶም፡ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ንምዕዋት ኣብ ኩሉ መዳያት ካብኣቶም ዝድለ ንምብርካት ቅሩባት ምህላዎም ኣረጋጊጾም።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣቦመንበር ሰልፊ ኮነ፡ ሓላፊ ኣወሃሃዲት ኮሚተ፡ በቲ ሓልዮትን ሓላፍነትን ዝመለኦ ሃናጺ ተሳትፎ ኣባላት ሰልፊ ሕጉሳት ምዃኖም ብምጥቃስ፡ ኣብ መጻኢ እውን እዚ ኣበርክቶን ሓልዮትን ብዝሓየለ ክቕጽል መጸዋዕታኦም ኣቕሪቦም።

Last modified on Sunday, 05 May 2019 11:41