ኣየንኡ እገዳ’ዩ ክለዓል ዝግበኦ!

2018-11-13 09:38:29 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3099 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

 ኣብዚ እዋንዚ ጉዳይና፡ ጉዳይ ኤርትራውያን ክለዓል እንከሎ፡ እቶም ኣዛረብቲ ዛዕባታት ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። ኰለንተናና ኣዛራቢ እዩ እንተተባህለ’ውን ምግናን ኣይኮነን። እዚ ኣተሃላልዋና ርጉእ ከምዘየለ ዘመልክት እዩ። ወረ ሃለዋትና ዘይርጉእ ጥራይ ዘይኮነ ኣዝዩ ኣሻቓሊ እዩ። ገሌና ኤርትራውያን ክንድቲ ክንሻቐሎ ዝግበና ንሻቐል ዘይምህላውና ከኣ ዘተዓዛዝብ እዩ። እዚ ከምቲ “መነባብሮ እንተ ኢልካዮ መቓብር እውን ይመውቕ” ዝበሃል፡ ነዚ ዘለናዮ ሃለዋት ኣብ ክንዲ ክንቅይሮ ንቃለስ ለሚድናዮን ርዒምናዮን ከይነራጥጥ እውን ዘየሰክፍ ኣይኮነን።

ተመኩሮና ከም ዝሕብሮ ጉጅለ ህግደፍ ካብዞም ኣዛረብቲ ዛዕባታት ከከም ግዜኡ እንዳመረጸ በብታራ ኣብ ሓዲኦም ተሓቢኡ ክነብርዩ ክሰርሕ ጸኒሑን ዘሎን። ከከም ዘዋጽኦ ንሓንሳብ ጉዳይ ወጥሪ ምስ ኢትዮጵያ፡ ንሓንሳብ ኢድ ኣእታውነት ናይ ግዳም ሓይልታት፡ ንሓንሳብ ድማ እገዳ (ማዕቀብ) እንዳቐያየረ ይሕበኣሎም። ቀንዲ ጸገሙ እዞም ዝተጠቕሱ ዘይመሰረታዊ ግዳማዊ መሕቢእታት ዘይኮኑስ ዘቤታዊ ስንፍናኡ ምዃኑ ከተልዕለለኡ እንከለኻ ግና ርእሱ ይሓምም። ኮታ ከምኡ ዝገብር ከምቲ “ወዮ ናታስ ንሓማታ” ዝበሃል ብዛዕባ ካለኦት እምበር ብዛዕባኡ ዘዛርብ፡ ትዕግስቲ፡ ትብዓትን ግሉጽነትን ስለ ዘይነበሮን፡ ዘየብሉን ንመጻኢ እውን ስለ ዘይህልዎን እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ጉጅለ ህግደፍ ምስቲ ብጉዳይ እገዳ ክራገሞ ዝጸንሐ ምምሕዳር ኣሜሪካ ከም ዝተዓርቀ ነጊሩና ኣሎ። ነቲ ብዜጋታቱ ዘይተፈትወ ምምሕዳር ሮናልድ ትራምፕ ከኣ ናይቶ ቅድሚኡ ዝነበሩ መራሕቲ ጌጋታት ንምእራም ዝቃለስ ዘሎ ክብል ንኢድዎ። ኣብ መስርሕ ምዕራይ ጌጋታት ምምሕዳር ኣሚሪካ ምስ ትራምፕ ከም ዝተሓጋገዝ ከኣ ኣተንቢሁልና። እዚ ጉዳይ ዘገርምን “ኣበይ ኣለኻ ዘይበልዎስ ኣብዚ ኣለኹ ይብል” ዘብልን እዩ። ጉዳይ’ቲ ዓንቂፉኒ ክብሎ ዝጸነሐ ዝምድና ምስ ሕወሓት ከኣ “ጸወታ ተወዲኡ” ብዝብል ቃና ገሊጽዎ ሓሊፉ። እቲ ሓቂ ከምኡ ድዩ ኣይኮነን ኢሳይያስ ዘይኮነስ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ውድዕነት ዝውስኖ እዩ። ዲክታተር ኢሳይያስ ግና ቅድሚ ምብቃዕን ዘይምብቃዕን ናይ ካለኦት ጸወታ ብዛዕባ’ቲ ዝምረሓሉ ሕጊ ዘየብሉ ጸወታኡ እንተዝዛረብ መምሓረሉ።

ኣብዚ እዋንዚ ኩሉ ናይ ዲክታቶር ኢሳይያስ መጣልዒ ዛዕባታት፡ ይቀበሎ ኣይቀበሎ ካብ ጸወታ ወጻኢ ኮይኑ እዩ። ሕጂ ተሪፋቶ ዘላ መሕብኢት፡ እታ እገዳ እትብል ሓረግ እያ። ኩሉቲ ሃገር ከይነልምዕ ዓንቂጹና ክብሎ ዝጸንሐ መመሳመሲ ምኽንያታት ዓዳጊ ምስ ሰኣነ፡ እነሆ ኣብዛ “እገዳ” እትብል ተላሒጉ ኣሎ። ዝኾነ ንዝቐርብ ናይ “ሃየባ ለውጢ ኣምጽኡ?” ሕቶ፡ “እዋእ እንታይ ለውጡ ደኣ ዓለም ኣጻቢባትልና ኣብ እገዳ እንዲና ዘለና” እትብል ከም ናይ መወዳእታ መከላኸሊት ዕርዲ ተቐርቂሩላ ኣሎ። ህግደፍ እገዳ ዝብሎ ዘሎ ነቲ ብሰንኪ ኣብ ጉዳይ እንዳማቱ ኢዱ ምእታዉ ዝተነብሮ ግና ድማ ነኺሱ ዘየድሚ ኮራርምቲ ዘየብሉ ናይ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ስጉምቲ እዩ። ንሕና እቲ ኣብ ዘይጉዳይካ ምእታው ኣየቕጽዕን እዩ ዝብል መደምደምታ’ኳ እንተዘይብልና፡ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ንእገዳ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ክኸውን ዝግበኦ ዝነበረ፡ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን ወጽዓ ክኸውን ነይሩዎ በሃልቲ ኔርና፡ ሕጂ እውን እዚ እምነትና ኣብ ቦታኡ እዩ ዘሎ። ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ክትርደኦ’ሞ ንመራሕቲ ህግደፍ ፈልዩ ብዝቐጽዕ ኣገባብ ከትርሮ ከነተሓሳስብ ጸኒሕና ኢና፡ ሕጂ እውን ኣብኡ ኢና ዘላና።

ንሕና ቀዳምነት እንህቦን ክእለ እንቃለሰሉን እቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ኣንቢርዎ ዘሎ ኣደንዛዚ ዘቤታዊ እገዳ እዩ። እዚ እገዳዚ፡ መሰል ምንቅስቓስ ዝኸልእ፡ ብገዛእ ገንዘብካ ግዜኡ ዝሓለፎ ናይ መቑነን ኣርዑት ዝጽዕን፡ ተኸሲስካ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ምቕራብ ዘየፍቅድ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቤተሰብካን ካለኦት ዝምልከቶም ከይበጽሑኻ ዝነጽግ፡ ኣብ ገዛእ ዓድኻ ሰሪሕካ ምብላዕን መጽለሊ ምቕላስን ዝነፍግ፡ ኣብ ሃገርካ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ምውዳብን ዝነጽግ፡ ዝመረጽካዮ እምነት ከይትስዕብ ዝዕንቅጽ፡ ብዓብዩ ከኣ ብዘይሕገ መንግስቲ ከትግዛእ ዘገድድን ልዕልና ሕጊ ዘይቅበልን ብህግደፍ ዝተጻዕነ እገዳ ኣሎ። ስለዚ ንሕና ቅድሚ ኩሉ እዚ ህግደፍ ዝወለዶ እገዳ ክለዓል ባዕልና ክንቃለስ ኣለና በሃልቲ ኢና። እቲ ቀንዲ ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ ቤተሰብ ኣሳፊሑ ዘሎ እገዳ ኣቐሚጥካ፡ ናብቲ ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ዝምልከት ዋናታቱ ምስ ክብሮም ዘተሓሕዝዎ ምምጥጣር ፍትሓዊ ኣብ ልዕሊ ዘይምዃኑ፡ ህግደፍ ኣብ ክንዲ ኣጻብዕቱ ናብ ገዛእ ርእሱ ዘቕንዕ፡ ብዛዕባ ካለኦት ክዛረብ ዕድል ዝህብ እዩ። ንዲክታቶር ምትብባዕ ከኣ ዋጋ ዘኽፍል ተግባር እዩ። ዓዲ ደሓን መሲልዎም ኮራርምቱ ምስ ዝወደአ ህግደፍ ንዘኹድዱን ዝዘርይሉን ናይ ቀረባን ርሑቕን ወገናት ከኣ ብጽሞና ምስ ነብሶም ክማኸርሉ ዝግበኦም ጉዳይ እዩ።

እቲ ውሽጣዊ ህግደፋዊ እገዳ ቀንዲ ሃሳይ ምዃኑ ኣብ ገዛእ ተመኩሮና ርኢናዮ ኢና። ህግደፍ ንኤርትራዊ ዘቤታዊ ጉዳይ ዝምልከት ሕቶ ክቐርቦ እንከሎ ንእገዳ እዩ ከም ዘይመመለሲ ምኽንያት ዘቕርብ። እንተኾነ ኣሉታዊ ተጽዕኖ እገዳ ዝርደኣና’ኳ እንተኾነ፡ ውሽጣዊ ዓቕምን ቅሩብነትን እንተዘይርሒቑካ ብቤትምኽሪ ጸጥታ ማዕቀብ ተነቢሩልካ ምስተበሃልካ፡ ዘቤታዊ ዋኒንካ ኣቋሪጽካ ብዛዕባ እገዳ ምቑዛም ቅቡል ኣይኮነን። ካብ ዘቤታዊ ማዕቀብ ናጻ እንተኮይንካ ብዙሕ ክስራሕ ይከኣል እዩ። ተመኩሮ እተን ዝተፈላለየ ጽላታት ዘለዎ እገዳ ተጻዊረን ካብ ምህናጽ ሃገረንን ምምዕባል ህዝበንን ዓዲ ዘይወዓላ ሃገራት ምዕዛብ ይከኣል። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ዘረደኣና እምበኣር ቀንዲ ጠንቂ ልምሰት ሃገርና ናይ ግዳም ዘይኮነ፡ ዘቤታዊ እገዳ ምዃኑ እዩ።

ኣብዚ ኣቲናዮ ዘለና መድረኽ፡ ቀንዲ ጉዳይና ብዛዕባቲ ቆሪጽካ እምበር ስሒብካ ዘይውዳእ በደል ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ምዝርዛር ኣይኮነን። ምኽንያቱ ክንድቲ ዝኣኽሎ ዝተዘርበሉ ግሉጽ ሓቂ ስለ ዝኾነ። ስለዚ ቀንዲ ጉዳይና ነዚ እንዳሓደረ ዝገድድ እምበር ዘይመሓየሽ ዘሎ በደልን ህድማን ህግደፍ ንምዕጻፍ እንታይ ክንገብር ኣለና? ዝብል እዩ። መልሱ ንጹርን ሓደን እዩ፡ ናይ ህግደፍ ዘይፍጸም መብጸዓን ካብ ኤርትራዊ ውድዕነት ምህዳምን ንምምካት፡ ብሓባር ንሰጉም ዝብል ጥራይ እዩ። ምኽንያቱ በበይንና ከም እንለምስ እንተ ሓቢርና ግና ከም እነድምዕን እነስምዕን ውሁብ ስለ ዝኾነ።

Last modified on Tuesday, 13 November 2018 10:43