ቃል ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2018

2018-08-06 15:39:36 Written by  መንግስተኣብ ኣስመሮም Published in EPDP News Read 3153 times

ዝኸበርኩምንዝኸበርክንን ወከልቲ ውድባትን ሲቪላውያን ማሕበራትን

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ዕዱማት ኣጋይሽና

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን መሰረታት ሰዲህኤ

 

ኣቐዲመ፡ ንዕድሜና ኣኽቢርኩም/ን ኣብ ፈስቲቫል ኤርትራ 2018 ክትሳተፉ ብምምጻእኩም ክብ ዝበለ ምስጋናይ ከቕርበልኩም/ን እፈቱ። ቀጺለ፡ ነዚ ፈስቲቫልዚ ክውን ንምግባር ከይሰልከየት ዝሰርሐት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ናእዳይን ምስጋናይን ከቕርበላ እፈቱ።

 

ናይ ሎም ዘበን ፈስቲቫል ኣብ ዓለምና ይኹን ኣብ ዞናና ድማ ብፍላይ ዓበይቲ ክስተታት ኣብ ዝግሃድሉ ዘለዉ እዋን ይካየድ ምህላዉ ዓቢ ኣገዳስነት ኣለዎ። ነዚ ዕድል’ዚ ተጠቒምና፡ ከም ተቓወምቲ ስርዓት ህግዲፍ መጠን፡ ነዚ መድረኽ’ዚ ሓሳብ ንሓሳብ እንለዋወጠሉን ግብራዊ ስጕምቲ ንምውሳድ እንብገሰሉን መንቀሊ መስመር ጌርና ክንጥቀመሉን ድማ ትጽቢት ህዝብናን ሰልፍናን ኢዩ።

Chairmans Speech 3 

ክቡራትን ክቡራንን

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ሓያላት መንግስታት ዓለምና፡ ኣብ ዓሚቝ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ጂኦ-ፖለቲካዊ ውድድር ኢየን ተጸሚደን ዘለዋ። ኣብ መንጐ ኣመሪካ ብሓደ ሸነኽ ኣብ መንጐ ቺና፡ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ካናዳን ድማ በቲ ካልእ ሸነኽ ናይ ንግዲ ውግእ ተኸፊቱ ኣሎ። ኣብ መንጐ ሩስያን ኢራንን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ብሓደ ሸነኽ፡ ኣመሪካን እስራኤልን ድማ በቲ ካልእ ሸነኽ ብጠንቂ ምስሓብ ኣመሪካ ካብ’ቲ ምስ ኢራን እተበጽሐ ስምምዕ ኑክልያራዊ ሓይሊ ኢራን፡ ዝተፈጥረ ቅልውላው እውን ኣሎ። ኣብ መንጐ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ብምኽንያት ዋሕዚ ስደትን ኣቀባብልኦምን ዝምልከት ዘይምርድዳኣት ኣብ ጥርዚ በጺሑ ኣሎ ክበሃል ይከኣል። ገለ መንግስታት፡ ስደተኛታት ኣብ’ታ ቀዲሞም ዝረገጽዋ ሃገር ኢዮም ዑቝባ ክሓቱ ዘለዎም ይብሉ፤ ገለ ድማ፡ ኣይኰነን እቲ ጾር ብማዕረ ክንስከሞ ኣሎና ይብሉ፡ ገለ ድማ ንሕና ፈጺምና ስደተኛታት ኣይንቕበልን ኢና ብምባል ዶባቶም ክዓጽዉ ዝደልዩ ኣለዉ።

 

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ድማ፡ ኣብ ጕዳይ ሱርያ ብዝምልከት፡ ሩስያ፡ ቺና፡ ቱርኪ፡ ኣመሪካን እስራኤልን ፖለቲካውን ወተሃደራውን ኢድ ምትእትታው ይገብራ ኣለዋ።

 

ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ/ኪዳን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፡ ኣብ ልዕሊ ንሰንዓ ዝቖጻጸሩ ዘለዉ ሓይልታት ሖቲን ሓይልታት ነፍስሄር ዓሊ ዓብደላ ሳልሕን ውግእ ኣዊጆም ኣለዉ። ንግስነት ዓረብ ወይ ኣራብ ኤሚረይትስ፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ወተሃደራዊ መደበር ብምቛም ኣንጻር ሓይልታት ሖቲን ሓይልታት ዓሊ ዓብደላ ሳልሕን መጥቃዕቲ ተካይድ ኣላ። ቱርክን ኢራንን ቀጠርን ድማ ነዚ ውግእ’ዚ ክዅንንኦን ክቃወምኦን ይርኣያ ኢየን።

 

ብተወሳኺ፡ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ/ኪዳን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ድማ፡ ነቲ ኣብ የመን ጀሚርዎ ዘሎ ውግእ ንኽጥቀመሉን ንቀይሕ ባሕሪ ካብ ሰልኩታት ናይ ኢራንን ጽልዋኣን ንምቍጽጻርን ዝዓለመ፡ ብዓረባዊ ንግስነት ወይ ዓማራት ኣቢሉ ዝተኻረዮ ወተሃደራዊ መደበር ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ መስሪቱ ኣሎ።

Chairmans Speech 1

 

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከኣ፡ ኣመሪካ፡ ፈረንሳ፡ ቺና፡ ጃፓን፡ ቱርኪ፡ ጣልያን፡ ኣብ ጅቡቲ መደበራት ኣለወን። ህንድን ኢራንን ድማ ክስዕባ ይደናደና ኣለዋ። ቱርኪ፡ ኣብ ሶማልያን ጅቡትን ወተሃደራዊ መደበራት ኣለዋ፡ ኣብ ሰዋኪን ውን ተወሳኺ መደበር ናይ ምኽፋት መደብ ኣለዋ።

 

ኵለን እዘን ሃገራት እዚኣ’ተን ብሓደ ሸነኽ ጸጥታ ናይ መተሓላለፊ መራኽበንን ንግደንን ዝዀነ ቀይሕ ባሕሪ ንምሕላው ኰይኑ፤ ብኻልእ ሸነኽ ድማ ጽልዋአን ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ንምስፋሕ ኢየን ዝጓየያ ዘለዋ።

 

ክቡራትን ክቡራንን

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ድማ ብፍላይ ዝርአ ዘሎስ ሓድሽ ክስተታት ናይ ዓለምና ኣትኵሮ ስሒቡ ዘሎ ጕዳይ ስለዝዀነ፡ መደረይ ኣብኡ ዘትኰረ ክኸውን ኢዩ።

 

ሰዲህኤ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጋህደ ለውጢ ህዝብታት እታ ሃገር ዝደረኽዎ ለውጢ ኢዩ ዝብል እምነት ኢዩ ዘለዎ። መንግስቲ ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ሪፑብሊክ ኢትዮጵያ ህጹጽ ኣዋጅ ብምእዋጅ ነቲ ናይ ህዝብታት ኢትዮጵያ ናዕቢ ከህድኦ እኳ እንተፈተነ፡ ስለዘይሰለጦ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ጸገም ብኵራት ናይ ሰናይ ምሕደራን ምብስባስ ናይ ኢህወደግን ምዃኑ ኣሚኑ፡ ጥልቂ ምሕዳስ ዝብሎ መስርሕ ከካይድ ምውሳኑ ድማ ዝፍለጥ ኢዩ።

 

ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ዶር ኣብዪ ኣሕመድ ዝወሰዶ፡-

1.   ንእሱራት ብሓፈሻ፡ ንናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ድማ ብፍላይ ምፍታሕ፤

2.   ንህጹጽ ኣዋጅ ምልዓል፤

3.   ኣብ ደገ ንዝርከቡ ኢትዮጵያውን ተቓወምቲ ውድባት፡ ሲቪላውያን ማሕበራት፡ ሚድያታት ኣብ ክንዲ ከም ጸላእቲ ከም ተወዳደርቲ ብምርኣይ ኣብ ሃገሮም ኣትዮም ብሰላማዊ ኣገባብ ክወዳደሩን ክሰርሑን ምጽዋዖም፤

4.   ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዝነበረ ናዕቢ ንምህዳእ ብቐዳማይ ሚንስተር ዝተገብሩ ዑደታትን ኣኼባታትን፤

5.   ንስምምዕ ኣልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶብን ብዘይ ቅድመ-ኵነት ተቐቢሉ ንምትግባሩ ድልውነቱ ምግላጹ፡... ብሓቂ ኣብ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ ብፍላይ ተራእዩ ዘይፈልጥን መዘና ዘይብሉን ተባዕን ናይ ለውጢ ተበግሶ ስለዝዀነ ናእዳን መጐስን ዝግብኦ ምዃኑ ከየስመርኩሉ ክሓልፍ ኣይደልን። ሰዲህኤ፡ ንሰላምን ዲሞክራስን ፍትሕን ዝቘመ ሰልፊ ስለዝዀነ፡ መርገጻቱ ኣብ ጕዳይ ዶብ ንጹር ስለዝነበረን ደገፉን ናእዳኡን መግለጺታት ብምውጻእ ክገልጾ ምጽናሑ ዝፍለጥ ኢዩ።

 

እዚ ለውጢ’ዚ፡ ብመሰረቱ ናይ ህዝብታት ኢትዮጵያ ተቓውሞታት እኳ እንተዀነ፡ ናይ ኣመሪካ ብዓብዪኡ፡ ናይ ስዑዲ ዓረብን ንግስነት ዓማራትን ኪዳን ድማ ብኻልኣይ ደረጃ ዝተሓወሶ ድርኺትን ባርኾትን ምንባሩ እውን እምነትን ገምጋምን ሰልፍና ኢዩ።

 

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኣምባሳደር ኣመሪካ፡ ኣቶ ማይክ ራይነር፡ መንግስቲ ኣመሪካ ቅድሚ ዶር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምምጻኡን ድሕሪ ምምጻኡን ንመራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከተራኽቦም ከምዝጸንሐት፡ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሓትት ኣረጋጊጽዎ ኣሎ። ሚኒስተር ወጻኢ ጕዳያት ኤርትራ፡ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ናይ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣማኻሪ፡ ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዝርከብዎ ልኡኽ  ኤርትራ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣቶ ደሳለኝ ሃይለማርያም ብመንጐኝነት ኣመሪካ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ከምዝተራኸቡ ኣምባሳደር ማይክ ራይነር ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሓትት ሕብእብእ ብዘይብሉ ኣገባብ ኣጋሊጽዎ ኢዩ። “ዶብ ከይተጠረረ ዝምድናና ናብ ንቡር ክምለስ ኣይክእልን ኢዩ” … “ዶብ ድሕሪ ምጥራሩ ግን ንጽባሒቱ ዝምድናና ንምምሕያሽ ልዝብ ክንጅምር ድልዋት ኢና” ዝብል ዝነበረ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ፡ መልሓሱ ዓጺፉ፡ ምምሕዳር ኢትዮጵያን ሰራዊቱን ካብ’ቲ ንኤርትራ እተበየነ ቦታታት ከይወጹ እንከለዉ፡ ዶባት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሽኻል ከይተነብረሉን እንከሎ፡ ልኡኹ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስዳዱ ኣዝዩ ዘደንጹን ዘገርምን ጕዳይ ኢዩ ኰይኑና። እቲ ዝኸፍአ ከኣ፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተኸዊሉ ቅድሚ ጠቕላል ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ምምጻኡ ኣትሒዙ ንህዝቡ ከይሓበረ ብምስጢር ክራኸብ ምጽናሑ ኢዩ። ስርዓት ኢሳያስ፡ ብርግጽ ዘደንጹን ምርድኡ ዘጸግምን ጥልመት ንዝኣተዎ መብጽዓታት ኢዩ ፈጺሙ። ብዓል ሃይለማርያም ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)ን ብጾቱን፡ ነቲ ጐንጺ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሰላም ክፍታሕ ነይርዎ፡ ቅዋም ኣብ ግብሪ ይውዓል፡ ስለዝበሉ’ዶ ኣይኰነን ብኽድዓት ዝተኸሱ። ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብምንባሮም ጥራሕ’ዶ ኣይኰነን ብስርዓት ኢሳያስን መጋበርያታቱ ዝዀኑ ናይ ሚድያ ማዕከናትን ብኽሕደት ክኸሰሱን ክጽልሙን ዝጸንሑ!!!!!!!። ሎሚ ደኣ እንታይ ሓድሽ ተረኺቡ፡ ዶብ ከይተሓንጸጸ ናብ ኢትዮጵያ ጕያግያ? ትማሊ ይኹን ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኢህወደግ’ዶ ኣይኰነን?

Chairmans Speech 2

 

ነዚ ውሳኔ’ዚ ድማ ኣብ 20 ሰነ፡ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ምግዋሑ፡ ብሓቂ ዘሕዝንን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ንዕቀት ዘርእን ተረኽቦ ኢዩ። ዶባትና ከይተጠረረ ኣይንልዛብን ኢሎም ብስም ሰማእታት ከም ዘይመሓሉን ከም ዘይጠሓሉን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ን16 ዓመታት ብሓደ እግሩ ጠጠው ከምዘየበልዎን ረሲዖም፡ መቓብር ሰማእታት ብነፋሪት ሰጊሮም ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ዕሽሽ ኢልካ ክሕለፍ ዘለዎ ጕዳይ ኣይኰነን። ጥልመትን ክሕደትን ምዃኑ ክስመረሉ ዘለዎ ተረኽቦ ኢዩ።

 

ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ንዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ እንተዘይኰይኑ፡ ናይ ሃገረ ኤርትራ ምሽርራፍ ልዑላውነትን ናይ ህዝቢ ኤርትራ መስዋእትን ኣገዲስዎ ኣይፈልጥን ኢዩ። እዚ ሓቂ’ዚ ሎሚ ንዅሉ በሪህሉ ክኸውን ተስፋ ንገብር። ሕጂ ቀዳምነት ተዋሂቡ ዝስርሓሉ ዘሎ ድማ፡ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምጥራር ዘይኰነስ፡ ወደባት ኤርትራ ናይ ምጥቃም፡ ኤምባሲታት ክልቲኡ መንግስታት ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ምኽፋት፡ ናይ ኢትዮጵያ ኣየር መንገድ በረርኣ ክትጅምርን ዜጋታት ክልቲኡ ሃገራት ካብን ናብን ክንቀሳቐሱ ምፍቃድን ኢዩ። ጕዳይ ምጥራር ዶብ ከም ህጹጽ ጕዳይ ከምዘይርእይዎ ብቃልን ብግብርን ደጋጊሞም የረጋግጽዎ ኣለዉ። ዶባት ኣይክዓግቱናን ኢዮም፡ ዶባት ትርጕም የብሎምን ዝብል መዝሙር ኢዩ ዝዝመር ዘሎ። ጽባሕ ፍልልይ ምስ ተረኸበ ድማ ንውግእ ክጽውዕና ምዃኖም ዘጠራጥር ኣይኰነን።

 

እዚ ብሸነኽ ስርዓት ኣስመራ ዝውሰድ ዘሎ ስጕምታት ግሉጽነት ዘይብሉን ህዝቢ ዘየሳትፍን ስለዝዀነ፡ ናበይ ገጹ ኢዩ ክምዕብል ብጥንቃቐ ምክትታሉ ከድሊ ኢዩ። ድምጺ ሰላም ክስማዕ ከሎ ምሕጓስ ንቡር’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ጅማሮ ዘሎ እሞ ከኣ ውሽጠ-ውሻጠኡ ጌና ዘይተፈልጠ ጕዕዞ ስለዝዀነ፡ ዳንኬራ ምብዛሕ ኣየድልን ኢዩ።

 

ሰላም ማለት፡ ውግእ ዘይምህላዉ ማለት ጥራሕ ኣይኰነን። ሰላም ማለት፡ ምዕባለ፡ ልምዓት፡ ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ሓድነት፡ ግዝኣተ-ሕግን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ማለት ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ከኣ፡ እዚ ኵሉ ከምዘየለ ክንርስዕ የብልናን።

 

Chairmans Speech 4

 

ኣብ ኤርትራ ቅዋም የለን፡ ተቓወምቲ ስርዓት ዝዋስእሉ ባይታ የብሎምን፡ ናጻ መራኸቢ ብዙሓን ወይ ሚድያ የለን፡ ብናጽነት ዝንቀሳቐስ ብሕታዊ ጽላት የለን፡ በሽሓት ዝቝጸሩ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ኣለዉ፡ መንእሰያት ኣብ ደረት ዘይብሉ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዕድሜኦም የብልዩ ኣለዉ። እዚ ከይተፈትሐ ኣብ ኤርትራ ሰላም ኣሎ ኢልካ ምዕላል የዋህነት ወይ ዕሸልነት ኢዩ። ኤርትራ ምስ ነብሳ ከይተዓረቐት ምስ ግዳም ክትተዓረቕ ዘይሕሰብ ኢዩ። ጽባሕ መራሕቲ ተቓውሞ ኣረክቡና ምባልን ጸላም ተኸዲንካ ቅንጸላዊ ስርሓት ምክያድን ድማ ዘይተርፍ ኢዩ።

 

ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ክስተት መዕለቢኡ እንታይ ክኸውን ኢዩ ጌና ዝተነጸረ ኣይኰነን። እቲ ናይ ለውጢ መስርሕ ተጀሚሩ እምበር ኣይተወድአን። ክልተ ሓይልታት ወይ ክልተ መንግስታት ዝዋጠጥሉ ዘለዉ ሜዳ ኢዩ ዝመስል ዘሎ። ስለዝዀነ ድማ፡ ኢትዮጵያን ፖለቲካዊ ሓይልታታን ኣብ ቃራና መንገዲ ኢዮም ዝርከቡ ዘለዉ ምባል ይከኣል። ወይ ተረዳዲኦም መፍትሒ ክረኽቡ፡ ወይ ድማ፡ ንህዝብታት ሃገርን ኢትዮጵያ ንሓደጋታት ብርሰትን ዕንወትን ዘቃልዕ ናይ ህልኽን ቂምን ስጕምታት ምምራጽ ኢዩ።  ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም እንተደኣ ሰፊኑ፡ ረብሓ ንህዝብታት ኢትዮጵያን ጐረባብቱን ኢዩ። ብኣንጻሩ ከኣ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘይምርግጋእን ዕንወትን እንተሰፊኑ፡ ንህዝብታት ኢትዮጵያን ጐረባብቲ ሃገራትን ዓቢ ክሳራ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ እውን ከምኡ።

 

ስለ’ዚ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ክልቲኡ ሃገራት ተንጠልጢሉ ዘሎ ሓደጋታት ናይ ዘይምርግጋእን ብርሰትን ንምፍታሕ፡ ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ዲሞክራስያዊ ባይታ ዝሰፍሓሉ ዕድላት ወይ ባይታታት ምፍጣር፡ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ክብርትታትን ምሕላው፡ ህዝቢ ዋና ሃገሩን ምንጪ ስልጣን ምዃኑን ምእማን ይድለ። ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ፡ ኣህዛብ ክልቲኡ ሃገራት መጻኢ ዕድሎም ኣብ ምውሳን ደረት ዘይብሉ ተሳትፎ ክህልዎም ምፍቃድ ይግባእ።

 

ክቡራትን ክቡራንን

ኣስዒበ ዝዛረበሉ ጕዳይ ብዛዕባ ደምበ ተቓውሞና ኢዩ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ደምበ ተቓውሞና፡ ብሓደ ሸነኽ፡ ብቍጽሩ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናዛየደ ከምዝመጸ ዘይከሓድ’ኳ እንተዀነ፡ ብኻልእ ሸነኽ ግን፡ ዝእክቦን ዝመርሖን ሓይሊ ወይ ውደባ ስኢኑ ኣንፈቱ ስሒቱ ዕንይንይ ክብልን ኣብ ዘይመስረተታዊ ጕዳያት ነንሓድሕዱ ክዋጠጥን ብዙሕ ዕድላት ከምዘጥፍአ ኣሉ ክብሃል ዝከኣል ጕዳይ ኣይኰነን።

Chairmans Speech 5

 

ኣብ ዞናናን ሃገርናን ዓብይቲ ምዕባለታት እናተኸስቱ እንከለዉ፡ ተራና ክንጻወት እንተዘይክኢልና፡ ህላዌና ትርጕም ኣይክህልዎን ኢዩ። ስለ’ዚ፡ ደምበ ተቓውሞና እውን ኣብ ቃራና መንገዲ ኢዩ ዘሎ። ወይ ነቲ ክንከዶ ዝጸናሕና ዘየዐዉት ጕዕዞ ኣሪምና፡ ንህዝብናን ነንሕድሕድናን ይቕሬታ ሓቲትናን ተሓታቲትናን፡ ንሓባራዊ ዕላማታት ብሓባር ምቅላስ ኢዩ፤ ወይ ድማ፡ በብሓደ ናብ ምቅሃምን ዘይምህላውን ኵነት ምስግጋር፡ ማለት ቀስ ብቐስ ምሟት ኢዩ። ሳልሳይ ምርጫ የብልናን። እዚ ህጹጽ ምላሽ ዝሓትት እዋናዊ ብድሆ ድማ ሎሚ ኣብ ቅድሜና ተደቂኑ ኣሎ። ምርጫና እቲ ቀዳማይ ከምዝኸውን ኣይንጠራጠርን ኢና። ብግብሪ ንምትግባሩ ግን ጽባሕ ዘይኰነስ ሎሚ ክንብገስ ይግብኣና።

 

ምዕቡላት ሃገራት ንኣማእት ዓመታት ኢዮም ኣቐዲሞም ዝሓስቡ፤ ንሕና ግን ንእለቱ ወይ ንኣዋርሕ ጥራሕ ኢና ንሓስብ፡ ኣመሪካ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝተኸተሎ ፖሊሲ፡ ንጐረባብቲ እስራኤል ኣዳኺምካ ንነዳዲ ማእከላይ ምብራቕ ምቍጽጻር ኢዩ ነይሩን ዘሎን። ስለ’ዚ ከኣ ኢዩ ንዒራቕን ሱርያን ንምድኻም ኣንጻረን ውግኣት ዘዋዓውዑ። ስዒባ ክትዳኸም ዝተበየነላ ድማ ኢራን ኢያ።

 

ምዕቡላት ሃገራት ንቐርኒ ኣፍሪቃ መዲበናሉ ዘለዋ ውጥን ንጥቕምና ድዩ ወይስ ንጥቕሞም ንምፍላጥ ክንጽዕርን ክንማራመርን ይግባእ። ስለ’ዚ መጻኢ ዕድልና ንምውሳን ተሳትፎ ናይ መላእ ህዝብናን ውድባትናን ክረጋገጽ ኵሉ ዝከኣለና ዋጋ ክንከፍል ኣሎና። ጕዳይና ባዕልና ደኣ’ምበር ናይ ወጻኢ ሓይልታት ክውስኑልና ኢድና ኣጣሚርና ክንጽበ ኣይግባእን።

 

 

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ሰዲህኤ፡ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ኣብ ዲፕሎማስያውን ህዝባውን ዜናውን መዳያት ዝነጥፋ ናይ ሓባር ሽማግለታት ኣቝሞም ርእይቶኦም ናብ ህዝብን መንግስታት ዓለምን ከብጽሑ ዝጽውዕሉ ምዝናይ ዘይሓትት እዋናውን ህጹጽን ህሞት ምዃኑ ከዘኻኽር ይፈቱ። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ድማ፡ ብህጹጽ ርክብ ክግበር ጻውዒትና ነቕርብ ኣሎና።

 

ናይ ሎምዘበን ፈስቲቫል 2018 ዝዓበየ ኣጀንዳ እዚ ኣብ ኤርትራ ኢትዮጵያን ተኸሲቱ ዘሎ ኵነታትን ሃለዋት ሓድነት ደምበ ተቓሞናን ክኸውን ኢዩ።

 

ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ፡ ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ

 

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

4 ነሓሰ 2018

Last modified on Monday, 06 August 2018 21:08