ሰዲህኤ፡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ንኩነታት ኤርትራ ዝያዳ ቆላሕታ ክገብረሉ ጸዊዑ

2018-06-25 21:09:21 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3077 times

ሰዲህኤ ናብ 47 ልኡኻት መበል 38 ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ጀነቫ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ዋላ ሓንቲ ለውጢ ከምዘየርኣየ ጠቒሱ። ኣብዚ መልእኽቱ እዚ ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ትካል፡ ነቲ መርማሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝወሰኖ ውሳነ ኣብ ምትግባር ኣድላይ ኣስተዋጸኦ ንክገብር ጸዊዑ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ናይቲ ፍሉይ ኣካል ሓላፍነት ንከናዋሕ ጸዊዑ።

ነዚ ጉዳይ ክከታተላ ዝጸነሓ ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወይዘሮ ቢ ኪታሩዝ፡ ኣብዚ እዋንዚ ናይ 6 ዓመት ተልእኮአን ኣብ ምፍጻም ስለ ዝርከባ፡ ነቲ ተልእኮ ምሕዳስን ኣብ ክንደአን በዓል መዚ ምዛዝን ኣድላይ ግምት ዝወሃቦ ምዃኑ ከኣ ኣብዚ መዘክር ተገሊጹ። ምስዚ ኩነታት እቲ ናይቲ ተልእኮ ምሕዳስ ብመንግስቲ ኤርትራን ደገፍቱን ብደሆ ከጋጥሞ እዩ ዝብል ግምት ኣሎ። ወይዘሮ ኪታሩዝ ኣብ 26 ሰነ 2018 ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣብ መበል 38 ኣኼባ ናይቲ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል መደረ ከስመዓ መደብ ተታሒዙለን ኣሎ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ብ21 ሰነ 2018 ናብ ኣቶ ዘይድ ራኣድ ኣል ሁሴን ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝተላእከ ናይ ሰዲህኤ መዘክር፡ እቲ ልኡኽ ነቲ ተልእኮ ምሕዳስን ሓዲሽ ኣካል ምምዛዝን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ንዓሰርተታት ዓመታት ብገበን ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝጥርጠሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኤርትራ ኣድላይ ስጉምቲ ንክውሰድ ብትሪ ጸዊዑ።

እቲ መዘክር እቲ ባይቶ ኣድላይ ስጉምቲ ክወስድ ብዘይምጽንሑ ዘለዎ ዕቃበ ኣመዝጊቡ፡ እተን ዝሳናበታ ዘለዋ ሓላፊት ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት ሓላፊት ኮይነን ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ከይተሓለላ ከሰርሓ ንዝጸነሓ ወይዘሮ ኪታሩዝ ዕዙዝ ምስጋናኡ ኣቕሪቡ። ናይዚ መዘክር ቅዳሕ ናብ ወጻኢ ጉዳይ ምኒስተራትን ኤምባስታትን ናይተን እቲ ጉዳይ ዝምልከተን ሃገራት’ውን ተላኢኹ እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብቲ ብ25 ሰነ 2018 ጐኒንጐኒ’ቲ ናይ 26 ሰነ ጉባአ ዝተኻየደ ኣኼባ ተሳቲፉ። ኣብዚ ኣኼባ ብዛዕባቲ ፍሉይ ኣካል ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ዘካየዶ ምንቅስቓስን ኣብ መጻኢ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዘጋጥም ብደሆታትን ብዝምልከት ተመያይጡ። ወይዘሮ ኪታሩዝ ኣብዚ ድሮ 26 ሰነ 2018 ዝተኻየድ ኣኼባ ኣብ ዘስመዐኦ ቃል ኣብ ጉዳይ ስብኣዊ መሰል ዝነጥፉ ኤርትራውያን ገበነኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራብ ብመርተዖታት ዝተሰነየ ሓበሬታ ሒዞም ከይተሓለሉ ክቕጽሉ ከም ዝግበኦም ገሊጸን።

Last modified on Monday, 25 June 2018 23:14