መግለጺ 2ይ ኣርባዕተ ወርሓዊ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ

2018-06-08 20:55:25 Written by  ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2791 times

ክቡራትን ክቡራንን

ብምኽንያት መበል 27 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንዅሉ ኣብ ውሽጥን ኣብ ግዳምን ዝርከብ ኤርትራውን ፈተውቲ ሃገርና ኤርትራን ናይ ዮሃና መልእኽቲ የመሓላልፍ። ህዝብና ካብ’ዚ ዘሕልፎ ዘሎ ኣደራዕ ተጋላጊሉ፡ ፍትሕን ግዝኣተ-ሕግን ዝነግሰሉ፡ ዜጋታት ብሰላም ወፊሮም ብሰላም ናብ ገዝኦም ዝምለስሉ፡ ውግእን ወረ ውግእን ዘኽትመሉ ዓመት ክዀነልና ድማ ይምነ። 

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ17ን 27ን ግንቦት 2018 ዝተኻየደ ካልኣይ ኣርባዕተ ወርሓዊ ምዱብ ኣኼባኡ ብዝኽሪ ስዉእ ተጋዳላይን ኣባል ማእከላይ ባይቶ ነበርን መሓመድ ኣሰሎ ኢዩ ከፊትዎ። ኣብ’ዚ ካብ ወርሓት ጥሪ ክሳብ ሚያዝያ 2018 ዘጠቓለለ ኣኼባ ዝቐረቡ ዛዕባታት ድማ፡ ጸብጻባት 9 ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ፡ ፈስቲቫል 2018፡ ንድፊ ትግባረ እማመ ሰዲህኤን ዝብሉ ነበሩ።

ንጥፈታት ሰልፊ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበረኸ ከምዝመጽእ ዘሎ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ መዚኑ። ሰዲህኤ፡ ብመሰረት ናይ እማመ ሓባራዊ ዕዮ ተቓወምቲ ውድባት፡ ምስ ዝተፈላለያ ውድባትን ምስ ህዝብን ዘካይዶ ዘሎ ርክባት ተስፋ ዝህብን ኣበርቲዑ ክደፍኣሉ ዘለዎ ዕማምን ምዃኑ ርእዩ። ነቲ እማመ ናብ ግብሪ ንምውዓል ዝሕግዝ ንድፊ ትግባረ እውን ተሊሙ ኣሎ።

ኣብ እስራኤልን ዓባይ ብሪጣንያን ብኣባላት መሪሕነት ዝተኻየደ ዑደት ዝንኣድ ውጽኢት ከምዝነበሮ ገምጊሙ። ከምኡ’ውን፡ ብቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ’ዚ ርብዒ ዓመት ኣብ ሆላንድ፡ ከተማ ሀግ፡ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፍን ኣኼባታትን፤ ብእጋጣሚ 8 መጋቢት ኣብ ካናዳን ሽወደንን ዝተኻየዱ ህዝባዊ ኣኼባታት፡ ብምኽንያት መበል 27 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ብምኽትል ኣደመንበር ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ እተገብረ ቃለ-መሓትት...ወዘተ ንጥፈታት ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ እናበረኸ ይመጽእ ምህላዉ ዝሕብሩ ምልክታት ምዃኖም ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ኣስሚርሉ።

ቤት ጽሕፈት መንእሰያት ሰዲህኤ፡ ጀሚርዎ ዘሎ ናይ ፓልቶክ መደብን ኣብኡ ዝዝረበሎም ዘለዉ ኣጀንዳታትን ትምህርቲ ዝቕሰሞምን ንሓድነት ናይ ደምበ ተቓውሞ ንቕድሚት ክደፍኡ ዝኽእሉ ኣበርክቶታት ዘለዎምን ምዃኖም ኣኼባ መዚኑ። ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ጽቡቕ ተበግሶ ንምስፋሕን ኣሳታፊ ንምግባሩን ተወሳኺ ጻዕሪ ክግበር ከምዘድሊ ድማ፡ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ርእዩ።

ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያት ሰዲህኤ ንጕዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓፈሻ፡ ንጕዳይ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ድማ ብፍላይ፡ ኣብ ምጥባቕ፤ ዘካይዶ ዘሎ ዘይሕለል ጻዕርታት፡ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጕዳያት ከኣ፡ ህጻናት ኤርትራውያን ኣብ ሱዳን ዝምሃርሉ ቤት ትምህርቲ ወድሸሪፈይ ቀጻልነት ክህልዎ ንዝገብሮ ዘሎ ኣበርክቶ፡ መርኣያ ናይ’ቲ ሰዲህኤ ኣብ ዜጋታቱ ዘለዎ ሓልዮትን ሓላፍነትን ዝገልጽ ዕላማታቱ ምዃኑ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ኣስሚርሉ። ነቶም ነዚ ቤት ትምህርቲ ዝምውሉን ዝድግፉን ማሕበራትን ውልቀሰባትን ድማ ምስጋናኡ የቕርብ።

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ እውን፡ ኣብ ነፍስወከፍ ዕለት ዘቕርቦም መሃርቲ ርእሰ-ዓንቀጻት ብጽሑፍን ብድምጽን ዝዝርግሖም ዜናዊ ሓበሬታታት፡ ንሰልፋዊ ንጥፈታት ኣብ ምቅላሕ ዝጻወቶ ዘሎ ግደ ኣኼባ ንኢዱ።

ኣባላት ሰዲህኤን ደገፍቱን፡ ነዚ እናበረኸ ዝኸይድ ዘሎ ንጥፈታት ንምትብባዕ ክገብርዎ ዝጸንሑን ዝገብርዎ ዘለዉን ናይ ገንዘብ ወፈያታት ድማ፡ ኣኼባ ናእዳኡን ምስጋናኡን ገሊጹ።

ፈጻሚ ሽማግለ፡ ብጕዳይ እቲ ካብ 3-5 ነሓሰ 2018 ኣብ ፍራንክፈርት ዝካየድ ፈስቲቫል 2018፡ ካብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝቐረበሉ ጸብጻባት ሰሚዑን ንለበዋታታ መሊሱን። ናይ ሎምዘበን ፈስቲቫል፡ ንኣባላት ሰልፊ ዝምልከት መዓልትን ንህዝቢ ዝምልከት መዓልትን ተባሂሉ ብፍልይ ዝበለ መልክዕ ክዳሎ ምዃኑ እውን ተራእዩ ኣሎ።

ብጕዳይ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት ብዝምልከት፡ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ዝርከቡ ገለገለ ስሱዓትን ገበነኛታትን ኤርትራውያን፡ ናብ’ዚ ሃገር’ዚ ከነሰጋግረኩም ገንዘብ ስደዱልና እናበሉ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ናይ ምድንጋርን ስርቅን ተግባራት ደው ከብልዎ ሰዲህኤ ይጽውዕ። እቶም፡ መረጋገጺ ከይሓዙ ገንዘቦም ንመጠፋፋእቲ ዝህቡ ግዳያት ድማ፡ ካብ’ዞም ጐሓላሉ ክጥንቀቑ የዘኻኽር።

ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ነቲ ኣብ ክልቲኡ ገማግም ናይ ቀይሕ ባሕሪ ዝካየድ ዘሎ ናይ ጂኦ-ፖለቲካዊ ውድድራትን ቅድድማትን እኹል ግዜ ሂቡ ብኣትኵሮ ተዘራሪብሉ። ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብስእነት ርግኣትን ወጥርታትን ይሳቐ ከምዘሎ ድማ መዚኑ። ብዝሒ ወተሃደራዊ መደበራት ናይ ግዳም ሓይልታት ኣብ ዞናና ድማ ምልክት ናይ ዘይምርግጋእ እምበር ናይ ጥዕና ምልክት ከምዘይኰነ ኣስሚርሉ።

ክቡራትን ክቡራንን

ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዓማምን ትርጕም ዘይብሉን ውግእ ቅድሚ ምጅማሩ ይኹን ኣብ ዝጀመረሉ እዋን እውን ከይተረፈ፡ ኣካል ናይ’ቶም ንመንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሽግራቶም ብልዝብ ክፈትሑ፤ ሰራዊታት ክልቲኡ መንግስታት ናብ ቅድሚ ውግእ ዝነበሮ ቦታታት ክምለሱ ዝጽውዑ ዝነበሩ ሃገራውያንን ኣህጕራውያን ሓይልታት ኢና ኔርና። ክልቲኦም ሸነኻት፡ ማለት መንግስቲ ኤርትራን መንግስቲ ኢትዮጵያን ግን፡ ነዚ መጸዋዕታ ዕሽሽ ኢሎም ናብ ናይ 1998-2000 ዓ.ም ውግእ ድሕሪ ምእታዎምን ኣብ ልዕሊ ክልቲኡ ኣህዛብ እዚ ዘይብሃል ህልቂትን ብርሰትን ምውራዶምን፡ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ነቲ ውግእ ደው ኣቢሎም ናብ ፍርዲ ክኸዱን እቲ ዝውሃብ ፍርዲ ድማ ቀያድን ናይ መወዳእታን ክኸውን ተሰማሚዖም ከምዝኣተውዎ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ልዕሊ  ምዝካር፣ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ፡ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ሰዲህኤን፡ ካብ ብጊሓቱ፡ እቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳኔ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ግብሪ ክውዕል ከም ዝግባእ ክጒስጒሱ ምጽናሖም ዘኪሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነዚ ብይን’ዚ ኣብ ክንዲ ምትግባር ነቲ ኮሚሽን ዶብ ዝገበሮ ብይን ብመትከል ንድግፎ ኢና፡ ኣብ ትግባረኡ ብዝምልከት ግን ልዝብ ክግበር ኣለዎ ብምባል፡ 5 ነጥብታት ዝሓዘለ ናይ ልዝብ ቅድመ-ኵነት ብምቕራብ ናይ ኣይሰላም ኣይውግእ ኵነታት ከምዝቕጽል ገይሩ ምጽናሑ ዝዝከር ኢዩ።

ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ነቲ ደስኪሉ ዝጸንሐ ናይ ዶብ ሕቶ ኣብ ዝቐልጠፈ ጊዜ ብሰላማዊ ኣገባብ ክንፈትሖ ይግባእ ኢሉ ጻዕሪ ምክያዱ ዝድገፍን ተስፋ ዝህብን ኢዩ።  ሰዲህኤ፡ ከም ቀደሙ፡ ንሰላማዊ ፍታሕ ዝግበር ጻውዒት ይኹን ጻዕሪ ደጋፊኡን ኣብ ጐድኑ ደው ኢሉ ንምዕዋቱ ኵሉ ዝከኣሎ ክገብርን ኢዩ። ነዚ ንምርግጋጽ ግን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግብራዊ ተበግሶ ክወስድ ንጽውዕ።

ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ፡ ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ

ፈጻሚ ሽማግለ

7 ሰነ 2018

Last modified on Friday, 08 June 2018 22:58