ኣብ ሊብያ ተዓጊቶም ካብ ዘለዉ 7 ሚእቲ ሽሕ ስደተኛታት ኤርትራውያንን ሱርይውያንን ዝምለስሉ ውሑስ ሃገር የብሎምን

2018-05-31 19:25:38 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2762 times

“ትሪቡን ደ፡ ጀነቫ” ዝተባህለ ብቋንቋ ፈረንሳይ ዝሕተም ዕለታዊ ጋዜጣ ካብቶም 700,000 ዝግመቱ ኣብ ሊቢያ ዘለዉ ስደተኛታትን ተመዛበልትን 19, 370 ነናብ ሃገሮም ከም ዝተመልሱን ኣብ 2018 ድማ 30,000 ክምለሱ መደብ ከም ዘሎ ሓቢሩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ጉዳይ ስደተኛ ዝምልከቶም ትካላት ከም ዝሓብርዎ ኤርትራውያንን ሱርያውያንን ዝምለስሉ ውሑስ ሃገር የብሎምን።

 

ኣብ ሊቢያ ኣስታት 50,000 ሰተኛታት ብላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ምዝጉባት እዮም። እንተኾነ እቲ ናብ 3ይ ሃገር ናይ ምስግጋሮም መስርሕ ከምቲ ዝድለ ስሉጥ ኣይኮነን። ካብቶም ስደተኛታት 1,342 ናብቲ ኣብ ኒጀር ዘሎ ህጹጽ መሰጋገሪ መደበር ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ከም ዝተሰጋገሩን ኣብ 2018 እውን 5,000 ከም ዝተሰጋገሩን ተፈሊጡ። እንተኾነ ሰብመዚ ኒጀር ካብ ሕጂ ንድሕሪት ተወሳኺ ስደተኛ ክቕበሉ ከምዘይክእሉ ጉዳይ እቶም ስደተኛታት ንዝምልከቶም ትካላት ይሕብሩ ኣለዉ።

 

ክሳብ ሕጂ ካብቶም ኣብ ኒጀር ዘለዉ ስደተኛታት 322 ጥራይ እዮም ናብ ኤውሮጳ ናይ ምስጋር ዕድል ረኺቦም። ካብዚኣቶም 40 ኤርትራውያን ኣብ ስዊዘርላንድ ኣትዮም ኣለዉ። ኤደን ሓንቲ ካብቶም ኣብ ስዊዘርላንድ ዝበጽሑ ናይ ንጀር ስደተኛ መንእሰይ እያ። ንሳ ንጋዜጠኛታት ስዊዘርላንድ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ኣብ ኤውሮጳ ከም ትበጽሕ ርግርጸኛ ከምዘይነበረት ሓቢራ። ኣብ ኒጀር ኒያሚ ንምብጻሕ ዘጋጠማ ዘጨንቕ ጉዕዞ ካብቲ ቅድም ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኩነታት ጀሚራ ደሓር ድማ ናብ ሱዳንን ሊቢያን ክትበጽሕ ዝነበረ ከቢድ ኩነታት ኣብሪሃ።

ጸብጻባት ከም ዘመልክቶ እዞም ኣብ ሊቢያ ተዓጊቶም ዘለዉ፡ 700,000 ዝኾኑ ስደተኛታት መናገዲ ዓመጸኛታትን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባትን ኮይኖም ከም ዝጸንሑ ጠቒሶም፡ ነናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝለዓለ ድሌት ከም ዘለዎ ገሊጾም። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት 200 ናጀርያውያንን 100 ሶማላውያንን ነናብ ሃገሮም ተመሊሶም ኣለዉ። ናጀርያ ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2017 እውን 5,000 ዜጋታታ ናብ ሃገሮም መሊሳ እያ።

ኢትዮጵያ ኣብ ሊቢያ ዘለዉ ዜጋታታ ናብ ሃገሮም ክትመል ቃል ኣትያ ኣላ። ብኣንጻሩ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዓመጸኛ ጉጅለ ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ናይ ዓለም ብዛዕባ ዘለዉ ኤርትራውያን ዋላ ሓንቲ ዝግደስ ኣይኮነን

Last modified on Thursday, 31 May 2018 21:46