ልኡኽ ሰዲህኤ: ኣብ ቤት ጽሕፈት ወጻእን ሓባራዊ ዕዳጋን ምስ ሓላፊ ክፍሊ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተራኺቡ

2018-04-24 21:36:48 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2971 times

ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ዝመርሖ፡ ሓው ጐይትኦም መብራህቱ፡ ኣባል ሽማግለ ዞባ ኣውሮጳን ሓላፊ ጨንፈር ሰዲህኤ ዓባይ ብሪጣንያን ዝርከቦ ልኡኽ ሰልፊ ብ23 ሚያዝያ 2018 ምስ ኣቶ ኒክ ሃከት (Nick Hackett)፡ ሓላፊ ክፍሊ ጕዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢን ሓባራዊ ዕዳጋን ዓባይ ብሪጣንያ ንሓደ ሰዓት ዝወሰደ ርክብ ኣካይዱ።

ልኡኽ ሰዲህኤ፡ ዘልዓሎል ጕዳያት፡ ንስደተኛታት ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት ድማ ብፍላይ ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ብዝርዝር ገሊጹ። ንኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ዩጋንድ ይኹን ሩዋንዳ ወይ ዝዀነ ሳልሳይ ሃገር ምብራሮም ቅኑዕ ከምዘይኰነን፡ ኵለን ናይ ስደተኛታትን ዑቝባ ሓተትን ውዕል ዝኸተማ ሃገራት ሓላፍነቶም ክስከም ከምዝግባእ ተማሕጺኑ።

ቀጺሉ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ይኹን ኣብ መደበራት ተዳጕኖም ንእስነቶም ከሕልፉ ስለዘይክእሉ ኢዮም ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምርጫታት ክወስዱ ዝግደዱ ዘለዉ ኢሉ። ነዚ ሽግር’ዚ ንምቅላል ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ስራሕ፡ ናይ ሞያን ኣካድያማዊ ስልጠናን ዕድላት ክውሃቦምን ኣዘኻኺሩ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝርከባ ብኤርትራውያን ዝካያዳ ኣብያተ-ትምህርቲ ሓገዝ ክግበረለን ተላብዩ።

ልኡኽ ሰዲህኤ፡ ነቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተኸሲቱ ንዝጸንሐ ጐንጺ ኣመልኪቱ፡ ኣህጕራዊ ማሕበረ-ሰብ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ለውጢ ዕድላት ተጠቒሙ፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ንረብሓታት ክልቲኡ ኣህዛብ ዘየገልግል ናይ ኣይሰላም ኣይኵናት ኵነታት ብዘላቒ ሰላም ክዛዘም ኵሉ ዝከኣሎ ጸቕጥታት ክገብር ኣተሓሳሲቡ።

Last modified on Tuesday, 24 April 2018 23:41