ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ዲ.ህ.ኤ.) ዑደቱ ናብ ሃገር እስራኤል ብዓወት ዛዚሙ

2018-04-20 04:47:39 Written by  ክፍሊ ዜናን ባህልን ሰ.ዲ.ህ.ኤ. Published in EPDP News Read 4754 times

ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ዲ.ህ.ኤ.) ብዕለት 31 መጋቢት ናብ ሃገር እስራኤል ዝጀመሮ ዑደት ብዕለት 13 ሚያዝያ ብሰፊሕን ዕውትን ህዝባዊ ኣኼባ ተዛዚሙ።

እብዚ ብዝሓት መንእሰያት ዝዓሰሎ ህዝባዊ ኣኼባ ልኡኽ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ቅዋማዊ ኣሰራርሓ ሰልፍን፣ ፖለቲኣዊ ፕሮግራምን፣ ናይ ሓድነት እማሜን ብዑምቆት ገሊጹ። ኣብ ርእሲኡ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ንህዝቢ ዘበርክቶም ዘሎ ኣገልግሎት ከም በዓል ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፎይ፣ ናይ ማዕዶ ወላዲ …ወዘተ ዝኣመሰሉ ብሰፊሕ ኣብሪሁ። ኣኼበኛ ንገለጻ ልኡኽ ምስ ሰምዔ ኣድናቆቱን ደገፉን ንሰ.ዲ.ህ.ኤ. ገሊጹ።

ልኡኽ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ኣብዚ ታሪኻዊ ዑደቱ ንኤትራውያን ተቀማጦ ሃገር እስራኤል ኣብ ሓጺር ግዜ ብዞባ ድረጃ ክሰርዕ ምብቅዑ እዩ። ኣቦ መንበር ዞባ ከኣ ሓው ጸጋይ ተስፋይ እዩ። እዚ ተራእዮዚ ዝምስክሮ እንተሎ መንእሰይ ኤርትራዊ ጸበብኡ ብዘይገድሽ ንፍትሕን ራህዋን ክውፈ ድሉው ምዃኑ እዩ።

ልኡኽ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ኣብ እስራኤል ኣብ ዝጸአንሓሉ ግዜ ምስ ኤርትራውያን ዜጋታትን፣ ውድባትን፣ ማሕበራትን፣ ደቂ ኣንስትዮን ተራኺቡ ንኵነታቶም ዘርእዩ ኣርእስታት ተመያይጦም። ከምኡ’ውን ምስ እስራኤላውያን ዜጋታት ተጣበአቅቲ መሰል ደቂ ሰባት ተራኺቦም ብዛዕባ ህልው ኵነታት ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ተመያይጦም።

ኣብ መጨረሻ ኤትራውያን ተቀማጦ ሃገር እስራኤል ንልኡኽ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ብድምቀት እዮም ተቀቢለሞም። ንሰ.ዲ.ህ.ኤ እውን ሓላይ ህዝቡን፣ ህዝባዊ መደባት ዝሓዘን፣ ንህዝቢ ዝውክልን ኢሎም ገሊጾሞ። ተልእኮ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ንኣጽናቲ መደባ ህግደፍ ምስ ህዝብና ብሓደ ኢድ ጓንትን ኮይና ምፍሻሉ እዩ።

ተሳትፎ ናይ ኩሉ ህዝቢ ጥፍኣት ህግደፍ እዩ።

Last modified on Friday, 20 April 2018 07:24