እስራኤል 16,000 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ሃገራት ምዕራብ ክትሰዶም ምዃና ኣፍሊጣ

2018-04-03 09:18:33 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2406 times

እስራኤል፡ ነቲ ንኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ ኣፍሪቃ ንምብራሮም ሒዛቶ ዝነበረት ውጥን ሰሪዛ፡ ምስ ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ስደተኛ ትካላት ብዝገበረቶ ስምምዕ መሰረት ካብ 16,000 ስደተኛታት ንላዕሊ ናብ ሃገራት ምዕራብ ክትሰዶም ምዃና ኣፍሊጣ።

ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ናታንያሁ፡ ካናዳ፡ ጣልያን ጀርመንን ገለ ካብ’ተን ነዞም ስደተኛታት ዝቕበላ ሃገራት ምዃነን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግልጺ ጠቒሱ። ግን ከኣ፡ ብዛዕባ’ዚ መደብ’ዚ ኵለን እተን ሃገራት ተሓቢረን ማለት ከምዘይኰነ እውን ኣብሪሁ።

ካልኦት ስደተኛታት፡ መብዛሕታኦም ከኣ፡ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ብእግሪ ብዶብ ግብጺ ኣቢሎም ናብ እስራኤል ዝኣተዉን ሓተትቲ ዑቝባ እንተውሓደ ንዝመጽእ ዘሎ 5 ዓመታት ኣብ እስራኤል ክነብሩ ክፍቀደሎም ኢዩ።

ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምስ እስራኤል ስምምዕ ከምዝተፈራረሙ ከረጋግጽ እንከሎ፡ እተን ስደተኛታት ዝቕበላ ምዕራባውያን ሃገራት መን ምዃነን ግን ኣይጠቐሰን።

ቃልውሃቢ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጕዳያት ጀርመን ይኹን ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት ጣልያን ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ብዛዕባ’ዚ ኣብ መንጐ እስራኤልን ላዕለዋይ ኮሚሽን ዝተበጽሐ ስምምዓት መንግስታቶም ከም ዘይፈልጥኦ ሓቢሮም።

ካናዳ ግን፡ ነቶም ናብ ካናዳ ንምእታው ናይ ግሊ ውክልና (sponsorship) ጠለባት ንዘቕረቡ ስደተኛታት፡ ክሳብ ጕዳዮም ዝጻረ ከይተባረሩ ምስ እስራኤል ኣብ ስምምዕ በጺሓ ከምዘላ ከምዘላ ሁሩሽ ጃስዋል፡ እተባህለ ቃል ውሃቢ ሚኒስትሪ ኢሚግረሽን (ፍልሰት) ሓቢሩ። ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክሳብ 1,840 ዝኸውን ጠለባት ኣብ ናይ ምጽራይ መስርሕ ኣትዩ ነይሩ ኢዩ ኢሉ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ እስራኤል፡ ነቲ ዑደት ዝገብር ዘሎ ልኡኽ ሰዲህኤ “ርሑሳት ኣእጋር” ብምባል ሓጐሶም ይገልጹ ምህላዎም ምንጪታት ሰዲህኤ ሓቢሮም።

Last modified on Tuesday, 03 April 2018 11:22