ኤርትራ፡ ኣብ መብል 37 ርክብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ኣዝያ ኣሻቓሊት ሃገር ተባሂላ

2018-03-16 07:58:08 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3295 times

ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ እንደጋና ንኣፍሪቃ ኮነ ኩሎም ወገናት ዘሻቕል ተረኽቦ ምዃኑ ኣብ መበል 37 ርክብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጀነቫ ተዘሪብሉ። ኣብዚ ናይ 12ን 14ን መጋቢት 2018 ርክብ ጉዳይ ኤርትራ ዝምልከት ውዑይ ክትዕ ተኻይዱ። እዚ ክትዕ’ዚ መቐጸልታ ናይቲ ብ26 ለካቲት 2018 ዝተኻየደ እዩ። ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዕዙዝ ኣገዳስነት ብምሃብ ብ12 መጋቢት ምስተዘርበሉ ኣብ ናይ 14 መጋቢት ክርብ ከኣ ማዕረ ኩነታት ሰሜን ኮርያ ተላዒሉ።

ወይዘሮ ኬት ጊልሞረ ምክትል ኮሚሽነር ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል፡ ኣብታ ብደረጃ ዓለም ዝተሓተ ናጽነት ዘለዋ ኤርትራ ሓደገኛ ግህሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ቀጻሊ ምህላዉ ዘመልክተ ጸብጻበን ኣቕሪበን። ውይዘሮ ሸይላ ኪታሩዝ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ክኢላ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ብወገነን፡ ኣብ ዘቕረበኦ ናይ ቃል ጸብጻብ ከኣ፡ ኤርትራ ንእተካይዶ “ማእሰርቲ ክሳብ ሞት” ጠቒሰን ሓደገኛ ክብላ ጠቒሰነኣ። ኣብዚ ጸብጻበን ነቶም ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ መበል 93 ዓመት ዕድሚኦም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኤርትራ ዝዓረፉ ሓጂ ሙሳ ከም ናይ ቀረባ ግዜ ግዳይ ዘኪረንኦም። ኣብዚ ኣጋጣሚ ኣፍሪቃዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መስል’ውን ብዛዕባቲ ኣብ ኤርትራ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ክካየድ ዝጸንሓ ግህሰታት ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ዓሚቕ ስኽፍታ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኤርትራ ኩሉ ሰብኣውን ፖለቲካውን መሰላት ዝሕለወሎም ከባብያውን ዓለም ለኻውን ሕግታት ከተኽብር ጸዊዑ። ካለኦት ኣብቲ ርክብ ዝነበሩ’ውን ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዘለዎም ስኽፍታታት ገሊጾም።

ወይዘሮ ጊልሞር ኣብዚ ናይ መበል 37 ርክብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል፡ ኣብቲ ናይ 14 መጋቢት ክፋል እውን ኣብ ኤርትራ ኣልማማ ማእሰርቲ ወሲኽካ ኩሉ ግህሰታታት ድሕሪቲ ኣብ መወዳእታ ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ምቕራቡ’ውን ከም ንቡር ኩነታት ይቕጽል ከም ዘሎ ጠቒሰን። ንሰን ልኡኽ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ን4ይ ግዜ ኣብ ኣስመራ ከም ዝነበረ ጠቒሰን፡ እቲ ልኡኽ እቲ ብ2016 ዝቐረበ ጸብጻብ መርማሪ ኣካል ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ከም ዝቕጽል ምግባሩ መተካእታ ከምዘይብሉ ከም ዝተረደ ሓቢረን። ኣብዚ ርክብ ካልእ ተገዳስነት ዝተዋህቦ ጉዳይ ሰሜን ኮርያ ነይሩ።

ወይዘሮ ጊልሞረ ኣብቲ ንኤርትራ ዝምልከት ዘረባአን፡ ኣገዳስነት ፍትሒ፡ ጠጠው ምባል ገደብ ዘየብሉ ግዱድ ውትህድርና፡ ምፍታሕ እሱራትን ትግባረ ቅዋምን ዝብሉ ጉዳያት’ውን ኣልዒለን። ኣስዒበን ዋላ’ኳ ውሳነ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል መንግስቲ ኤርትራ ንእሱራት ብዝምልከት፡ ንመንነቶምን ዘለዉዎ ሃለዋትን ብዝምልከት ሓበሬታ ከቕርብ ሓቲቱ እንተነበረ ክሳብ ሕጂ ከምዘይተተግብረ ገሊጸን።

ልኡኽ ኤርትራ ከምቲ ልሙድ ንጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ክሒዱ። ብኣንጻሩ መንግስቱ ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ከኽብር ድልዊ ምዃኑን ነዚ ንምዕዋት ከም ዝጽዕትን ገሊጹ።

ብሓፈሻ ኣብቲ ርክብ ቃሎም ዘስምዑ ተዛረብቲ ብደረጃ ዓለም እንዳንቆልቆለ ይኸይድ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኣንጸባሪቖም። ኣተሓሒዞም ጋዜጠኛታት፡ ተቓወምቲ ፖለቲከኛታን ተሓለቕቲ ኩሉ መሰላትን ንምስቓይ ዝካየድ ዘሎ ወስታታት ብምጥቃስ፡ ነዚታት ዝምልከቱ ናይ ሕቡራት ሃገራት ሕግታት ኣብ ግብሪ ንክውዕሉ ጸዊዖም። ነዚ ብዝምልከት ንኩነታት ኤርትራ ወሲኽካ ብመርማሪ ኮሚሽን ጉዳይ ኤርትራ ቅድሚ ሕጂ ንገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ጸብጻባት ከም ዝቐረበ’ውን ኣብቲ ርክብ ተጠቒሱ።

እዚ መበል 37 ርክብ ካብ ግዱሳት ተሳተፍቲ ናይ ቃል ጸብጻብ ዝቐርበሉ ናይ ማእከላይ ግዜ መድረኽ እዩ። እቲ ቀንዲ ናይ ጽሑፍ ጸብጻባት ዝቐርበሉን ውሳነታት ዝውሰነሉን ርክብ ኣብ መጻኢ ወርሓት ሰነ-ሓምለ ክካየድ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ዝግደሱ ኤርትራውያን ንጡፋት ምስቲ ወይዘሮ ሸይላ ኪታሩዝ ካብ ሓላፍነተን ክወርዳ ምዃነን ምምልኻተን ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ናይቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝቖመ ንሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝምልከት ኣካል ዘሰክፎም ዘሎ እዩ። መንግስቲ ኤርትራን ሰዓብቱን ከኣ እዚ ኣካል ክፈርስ እዮም ዝደፍኡ።






Last modified on Friday, 16 March 2018 09:02