ኣባላት ሰዲህኤ ዞባ ኤውሮጳ ዳግማይ ድልዉነቶም ኣረጋጊጾም

2018-03-04 15:19:57 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2775 times

ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዞባ ኤውሮጳ ብ3 መጋቢት 2018 ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ሓያልን ድኹምን ሰልፎም ብምርዳእ ነቲ ሕያል መሊስካ ንምሕያል ነቲ ድኹም ድማ ንምእራም ቃልሶም ከሕይሉ ቅሩባት ምህላዎም ኣረጋጊጾም። እቶም ኣባላት ነዚ ዘረጋገጹ መደባት ምሕዳስ ሰልፊ ንምብራህን ኣተገባብራኡ ንምንጻር ኣብ ዝተኻየደ ናይ መላእ ኣባላት ዞባ ኣኼባ እዩ።

ኣብዚ ኣኼባ መበገሲ ሓሳብ ዘቕረበ ብጻይ ወልደየሱስ ዓማር ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያትን ምክትል ኣቦመንበርን ሰዲህኤን ኣባል ኮሚሽን ምሕዳስ ሰልፍን፡ ኣብዚ እዋንዚ ብደረጃ ዓለም እንተረኣናውን ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ውድባትን ሰልፍታትን ትሑት ምዃኑ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ ካብ ሰነድ ምሕዳስ ሰልፊ ሰዲህኤ ሓያልን ድኹምን ዘርኢ ዝርዝር ኣቕሪቡ። ካብቲ ድልዱል ጐድንታት፡ ሰዲህኤ ኣብ ኣገዳስነት ብዙሕነት ዘለዎ መትከላዊ እምነት፡ ዝምድና ሃይማኖትን ፖለቲካን ዝምልከት፡ ስፍሓት ዝርጋግሓ ኣካላቱ፡ ብመትከል ግዝኣተ-ሕጊ ዝምእዘዝ ሰልፊ ምዃኑ፣ ሓቛፊ እማመኡ ኣብ ሓቢርካ ምስራሕ፡ ነቲ ናይ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ፍልልይን ኣሉታዊ ስንብራትን ሰጊሩ ንቕድሚት ንምምዕዳው ዝወሰዶ ተባዕ ስጉምትን ናይ ኣባላቱ ተወፋይነትን ዝምልከቱ ነጥብታት ብዝርዝርን ብኣብነት ብምስናይን ኣቕሪቡ። ብኣንጻር’ዚ ተሳትፎ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ከምቲ ዝድለ ዘይምዃኡ ሓደ ካብ ድኽመታቱ ምዃኑ ኣስፊሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ ሓያላት ኮነ ድኹማት ጐድንታት ሰልፊ ብወድዓውን በዓል ቤታውን ረቛሕታት ዝጽለዉ ምዃኖም ሓቢሩ። 

ብጻይ ረዘነ ተስፋጼን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጉዳያት እውን ካብቶም ነቲ ኣኼባ ንክመርሑ ዝተመዘዙ ስለ ዝነብረ፡ ኣብ ምሕዳስ ሰልፊ ኣገዳሲ ግደ ንዘለዎ ግዝኣተ ሕግን ሕጋዊ ኣሰራርሓን ብዝምልከት ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ። ኣብዚ መግለጺኡ ኣብ ህልውና ሰልፊ ወሳኒ ግደን ሓያል ጽልዋን ንዘለዎም፡ ግደ ብዙሓትን ውሑዳትን፡ ሓላፍነት ላዕለዎትን መሰል ታሕተዎትን ግሉጽነትን ኣብ ዝብሉ ኣዕኑድ ዲሞክራሲ  ንጹር መብርሂ ሂቡ። ብጻይ መድሃኔት ህብትዝጊ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ምንእሰያትን ምክትል ኣቦመንበር ኮሚሽን ምሕዳስ ሰልፍን ብወገኑ ኣገዳስነትን ኣመሰራርታን ኮሚሽንን፡ እቲ ሰነድ ምሕዳስ ሰልፊ ዝመጸሉ መስርሕን ወሳኒ ግደ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ምዕዋት መስርሕ ምሕዳስን ዝምልከቱ ጉዳያት ገሊጹ።

ድሕርቲ መበገሲ መግለጽታት፡ ኣባላት ሰልፊ ነቲ ካብቲ ሰፊሕ ሰነድ ምሕዳስ ተወሲዱ ከም ኣጀንዳ ዝቐረበ ሓያልን ድኹም ጐድንታት ሰልፊ ዝምልከት ሕቶታት ኣቕሪቦም፡ ኣብቲ ሕያል ኮነ ድኹም ገድንታት ዘይሰፈሩ’ሞ ክሰፍሩ ይግበኦም ዝበልዎም ነጥብታት ብምቕራብ ነቲ ሰነድ ዘህብትምን ተዛማዲ ሓሳባትን ኣቕሪቦም። እቶም ነቲ ኣኼባ ዝመርሑን መበግሲ ሓሳባት ዘቕረቡ ብጾት ከኣ ነቲ ሕቶታት ብግቡእ መሊሶም ነቲ ሰነድ ዝምልከቱ መህብተሚ ሓሳባት ከኣ ናብታ ኮሚሽ ከም ዘቕርብዎ ኣረጋጊጾም።

ኣብ መወዳእታ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ኩሉ መዳያት መደባት ምሕዳስ ሰልፊ ንምዕዋት ኩሉ ዝከኣሎም ክገብሩ ከም ወትሩ ድልዋት ምህላዎም ኣረጋጊጾም። ነቲ ኣኼባ ዝመርሑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰልፊ ከኣ እዚ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ብዘውጸኦ መደባት መሰረት ኣብ ኩሉ ኣካላት ሰልፊ ዘለዉዎ ኩርነዓት ዝካየድ ዘሎ ምዃኑ ጠቒሶም፡ ኣብ መጻኢ’ውን ብዛዕባ ካለኦት ክፍልታት ናይቲ ሰንድ ምሕዳስን ተዛመድቲ ዛዕባታትን ኣኼባታት ቀጸልቲ ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

Last modified on Sunday, 04 March 2018 16:25